ድለ

2022.06.06 Partecipanti alla Plenaria del Pontificio Consiglio per il Dialogo Interreligioso 2022.06.06 Partecipanti alla Plenaria del Pontificio Consiglio per il Dialogo Interreligioso 

ኣብዚ ዘሎናዮ ግዜ ብሓባር ሰላም ንምህናጽ ውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተ ብግዲ የድልየና! ር.ሊ.ጳ

ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተ ቅድስት መንበር ዓመታዊ ሓፈሻዊ ጉባኤ የካይድ ከምዘሎን ምስ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ከምዝተራኸበን: ቅዱስነቶም ከኣ ‘ናይ ነፍሲ ወከፍ ዓምደእምነት ታሪኽን ሃረርታን ቊስልታትን ሕልምታትን ምናዳ ናይተን ብዓመጽን ሸለልትነትን ዝተሃስያ ኣብ ግምት ምእታው ሓቢርካ ንምንባርን ፍልልያትካ ኣወጊድካ ነቲ ኣብ ሕውነት ዝርከብ እግዚአብሔር ንምንዳይ ዝግበር ጒዕዞ እዩ’ ነቲ ምስ ካልኦት እምነታት ዘሎ ርክብ ከደልድሉ ሓደራ ከምዝበልዎም ተመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ዓለምና ብብዙሕ ጉዳያት ዳርጋ ኣብ ሓደ ቅሾት ተለዊጥሉ ኣብ ዘሎ ዘመን ዓውለማነት ዘተ ቀዳማይ ቦታ ክሕዝ ምናዳ ኸኣ በቲ ዓለምለኻዊ መራኸቢ ብዙሓን ዝውንጨፈሉ ዘሎ ናህሪ ዘተ እውን ክህንር ግድን እዩ። ውስጠ ሃማኖታዊ ዘተ እውን ሓደ ካብቶም ንዓለምና መሠረታውያን ዝኾኑ ጉዳያት ሓደ ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስነቶም፣ ንተሳተፍቲ ጉባኤ ውስጠ ሃማኖታዊ ዘተ ኣብ ኣደራሽ ክለመንቲና ናይ ሓዋርያዊ መንበር ተቀቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ ግዚ ነበረ።

እዚ ሎሚ ብላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ውስጠ ሃማኖታዊ ዘተ ዝፍለጥ ብመሠረቱ ብ1964 ዓም በዓል ሠናይ ዝኽሪ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ንውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብምኽታል ምስቶም ካልእ ሃይማኖት ዘለዎም ሰባትን ተቍዋማትን ጭቡት ምልክትን ተቁዋምን ንምዃን ከም ቤትጽሕፈት ክርስትያን ንዘይኮኑ ብማለት ከምዘቈምዎን ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ሰባትን ማሕበራትን ርክብ ንምድንፋዕ እዚ ከኣ ዝተፈላለየ ባህልን ቋንቋን እምነትን ንዘለዎም ንምቅርራብ ነበረ።

ተልእኮ ውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተ!

ቅዱስነቶም ንተሳተፍቲ ጉባኤ ዘዘኻከርዎ ቀንዲ ጉዳይ ተልእኮ ናይዚ ካብ ዝሓለፈ ዕለት 5 ሰነ ካብተን ኣስማተን ብላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ወይውን ዲካስትሪ ዝተተካኣ ሓደ ዝኾነ ውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተ ብሓሳብን ዘረባን ጥራይ ዘይኮነ ብዝጭበጥ ተግባር ክውን ክኸውን እዚ ከኣ ካብ ንባበ መለኮታውን መንፈሳዊ ተመኲሮን ምልውዋጥ ጀሚርካ ኣብ መንጎ ኩሎም እቶም ሓቀኛ ሃሰሳ እግዚአብሔር ዘካይዱ ንዘሎ ጒዕዞ ንምድንፋዕ ምዃኑ ገሊጾም።

ተልእኮኹምከስ እዚ እዩ፣ ሕውነትን ምሕዝነትን ብዝዓሰሎ ኣገባብ ምስ ካልኦት ኣመንቲ ንሓቀኛ ሃሰሳ እግዚአብሔር ምድንፋዕ እዩ፣ እዚ ከኣ ነቶም ተኸተልቲ ካልእ እምነት ብይኸውን ጥራይ ብምሕሳብ ዘይኮነ ጭቡጥ ብዝኾነ መንገዲ ታሪኾም ሃረርታኦም ቊስልታቶምን ሕልምታቶምን እናተሳተፍካ እዩ ኢሎም።

እንትርፎ ብከምዚ ዝበለ ኣገባብ ብካልእ መንገዲ ክትገብሮ ዝፍተን ዘተ ውጽኢት ኣልቦ ምዃኑ ዝገለጹ ቅድስነቶም በዚ ኣገባብ እዚ ዝግበር ዘተ ምስ እንክኽተል ግን ብሓባር ኩልና ብሰላምን ክነብረሉ እንኽእል ዓለም ክንሃንጽ ከምዝከኣል ገሊጾም።

ኣብቲ ዕለት ዕለት ዝገጥመጥና ቅልውላዋትን ግጭታትን ሽሕ`ኳ ገሊኦም ካብ ክውንነት ሃዲሞም ኣብ ብሕታዊ ዓለሞም ክሕብኡ ገሊኦም ከኣ ኣዕናዊ ብዝኾነ ዓመጽ ክቃለሱ ዝፍትኑ እንተለው እቲ አንኮ ፍታሕ ግን ኣብ መንጎ ንኣይ ይጥዓመኒ ዝብል ሸለልትነት ዝዓብለሎ ናብራን ጐነጽ ዝተሓወሶ ተቋውሞን ወትሩ ንመንገዲ ዘተ ክትመርጽ ይከኣል እዩ። ንፍልልያትካ ተጻዊርካ ዝበለጸ መጻኢ ክትሃንጸሉ ዚከኣል ከኣ በዚ መንገዲ እዚ ጥራይ እዩ ኢሎም።

ዝሓሸ መጻኢ ንምህናጽ ፍልልያትካ ጸርካ ምንባር!

ኣብ መንጎ ደቂሰባት እንተስ ከም ግለሰብ እንተስ ከም ማሕበረ ሰብ ብዙሕ ፍልልያት ከምዘሎ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ምስ ፍልልያትና ብውህደትን ሰላምን ክንነብር ከምዝከኣል እውን ገሊጾም። ከም ቀንዲ ሞተር ናይዚ ተኽእሎ እዚ ዝበልዎ ከኣ ‘ምስ መናብርትና እንኮላይ ፍልልያትና ብሓጎስን ሰላምን ክንነብረሉ እንክኽእል መጻኢ እሞ ንሕለም ምሳኡ ከኣ ነዚ ብሩህ መጻኢ ክንሃንጾ ንሕሰብ ሽዑ ዝበለጸ መጻኢ ንምህናጽ ፍልልያትካ ጸርካ ብሓብር ምንባር ክሳብ ክንደይ ዕውት ምዃኑ ክንግንዘብ ንኽእል’ እንክብሉ ኩሉ ኣብ ኢድና ከምዝኾነ ገሊጾም።

ሓቢርካ ምንባር ከም ማሕበረሰብ ሓደ ይገብረካ እንተኾነ እዚ ሓድነት እዚ ንብጻይካ ብምጒዕጻጽ ዘይኮነ መንነቱ ተቀቢልካ እዩ። በዚ መንገዲ እዚ ነዚ ብምምቅቃልን ግጭታትን ዝሕመስ ዘሎ ፖሎቲካ ዓለምና ኣማራጺ መንገዲ ሰላምን ስምምዕን ከምዘሎ ንሕብሮ ኢሎም።

ቅዱስነቶም ንተሳተፍቲ ጉባኤ ሓደራ ካብ ዝበልዎ ቀንዲ ጉዳይ መንፈስን ጥበብን ሓቢርካ ናይ ምንባር ክዂስኲሱ እዚ ከኣ ምስ ኩሎም እቶም ምሳና ዝነብሩ ምናዳ እቶም ካልእ ባህሊ እምነት ዘሎዎም ክገብሩ ሎሚ ኣብ ቤተክርስትያናን ዓለምናን ብዙሕ ኣድላይነት ዘለዎ ኸኣ እዚ እዩ። ነዚ ኣብነት ዝኾነና ኸኣ ባዕሉ ጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ከመይ ንሱ ንኩሎም ከም ሓው ቀሪቡ ኣብ ዘመኑ ሓጢኣተኛታትን ዘይንጹሓትን ተባሂሎም ተገሊሎም ንዝነበሩ ብምጻሕ ብዘይ ምንም ቅደመ ኩነታዊ ፍርዲ ምስ መጸባሓውያን ኣብ ማኣዲ ክቅረብ ክኢሉ፣ በዚ ከኣ ከገልግሎ ዝመጸ ንሓጢኣተኛታት ክጽውዕ ዝመጸ ምስ ነፍስወከፎም ከኣ ክሳብ መወዳእታ ፍጹም ዓርኪ ከም ዝኾነ ብተግባር ኣርእዩ ካብ ምውታን ምስ ተንሰኤ ከኣ ኩልና ብሓባር ተዋሃሂድና ክነብረሉ እንኽእል ሰላም ዓዲሉና ኢሎም።

ሓፈሻዊ ዓመታዊ ጉባኤ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተ!

እዚ ዕለት 6 ሰነ 2022 ዓም ዝጀመረ ሓፈሻዊ ጉባኤ እዚ ክሳብ ዕለት 8 ሰነ 2022 ዓም ክቅጽል ምዃኑን ቀንዲ መሪሕ ሓሳብ ናይቲ ጉባኤ ከኣ ‘ውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተን ሓቢርካ ምንባርን’ ዝብል ምዃኑ እውን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ። ኣብቲ ዝግበር ዝርዝራዊ መደባት ኣብ ዝተፈላለየ ክፍልታትና ዓለምና ዚካየድ ውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተታት ብምምልካት ኣብ ፍጻሜ መደብ ኣስተንትኖን ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥን ከምዝህሉ እውን ተመልኪቱ።

ብድምጺ ንምክትታል!
07 Jun 2022, 12:32