ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ኤኳዶር ምእንቲ ማሕበራዊ ሰላምን ምእንቲ ህዝቢ ዩክረይንን ንጸሊ! ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ኤኳዶር ምእንቲ ማሕበራዊ ሰላምን ምእንቲ ህዝቢ ዩክረይንን ንጸሊ!  (AFP or licensors)

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ኤኳዶር ምእንቲ ማሕበራዊ ሰላምን ምእንቲ ህዝቢ ዩክረይንን ንጸሊ!

ንህዝቢ ኤኳዶር ቀረባ ንዅሎም እቶም ናይታ ሃገር ዝተፈላለዩ ወገናት ዓመጽን ጽንፋዊ ኣመለኻኽታን ከወግዱ እተባብዕ፥ ብፍላይ ነቶም እተገለሉ ኣብ ድኽነት ዝርከቡን ህዝቢ ብምሕሳብ ወትሩ ንመሰላት ኵሎም ሰባትን ትካላትን እታ ሃገር ብምኽባር ማሕበራዊ ሰላም ክወርድ ተስፋ እገብር፡

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 26 ሰነ ድሕሪ ዘዕረገዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥ ኣብ ኤኳዶር ተኸሲቱ ዘሎ ህዝባዊ ናዕብን ከምኡ እውን ህልው ኵነታት ዩክረይን እናሓሰቡ፥ እቲ ናብ ዘይምርግጋእን ዓመጻን ዝመርሕ ማሕበራዊ ውጥረት ዝመልኦ ኵነታት ኤኳዶርን እቲ ገና መዕለቢ ዘይረኸበ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ከብቕዕ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ህልው ኵነታት ዓለም ኣብ ልቦም ገይሮም ናይ ጸሎት ሓሳብ ክኸውን ከም ዘቕርብዎ ዝፍለጥ ኰይኑ ኣብ ኤኳዶር ተኸሲቱ ዘሎ ህዝባዊ ናዕቢ ብዙሕ ከም ዘጨንቖም እንክግለጹ፥

ንህዝቢ ኤኳዶር ቀረባ ንዅሎም እቶም ናይታ ሃገር ዝተፈላለዩ ወገናት ዓመጽን ጽንፋዊ ኣመለኻኽታን ከወግዱ እተባብዕ፥ ብፍላይ ነቶም እተገለሉ ኣብ ድኽነት ዝርከቡን ህዝቢ ብምሕሳብ ወትሩ ንመሰላት ኵሎም ሰባትን ትካላትን እታ ሃገር ብምኽባር ማሕበራዊ ሰላም ክወርድ ተስፋ እገብር፡

ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ናይ ዘተ ተስፋ

ኣብ ኤኳዶር ኣብ ዝሓለፈ ዕለት 18 ሰነ ኣብ ኣውራጃ ኤምባቡራ ፒቺንቻ ኮቶፓክሲ ቱንጉራህዋ ኮምቦራዞን ፓስታዛ እተኣወጀ ህጹጽ ኵነታት ከም እተለዓለን እዚ ኣዋጅ እዚ እቶም ደቀባት እታ ሃገር ኣብ ሃገሮም ዘሎ ኣጸጋሚ ማሕበራዊ ኵነታት ብምቅዋም ድሕሪ ዘካየድዎ ብርቱዕ ህዝባዊ ኣድማ ዝተመሓላለፍ ከም ዝነበረን፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ህዝባዊ ናዕቢ ሓሙሽተ ሰባት ከም እተቐትሉን ካልኦት200 እውን ከምዝቖሰሉን ነዚ ህዝባዊ ናዕቢ ንምድራት እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ኵርናዓት እታ ሃገር ዝተፈላለዩ መፈተሺ ኑቕጣታት ከም ዝቖመ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ደቀባት እታ ሃገር ዋጋ ነዳዲ ክንክይ ዝብል ሓሳብ ዘጠቓልል ዓሰርተ ነጥቢ ዝሓዘ ሰነድ ከምዘቕረቡን እዚ ኸኣ ኣብ ልዕሊ መሰረታዊ ነገራት ዝግበር ወሰኽ ዋጋ ክእለይን ናይ መንግስቲ ትካላት ናብ ውልቃዊ ዋንነት ንምስግጋር ዝግበር ዘሎ ኤኮኖሚያዊ ኪደት ደው ክብል ኣብ ኣማዞን ንጥፈታት ነዳድን ዕደናን ከይናዋሕ ዝሓትት ሰነድ ከም ዝኾነን እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ መወዳእታ ኣኼባ ህዝባዊ ባይቶ ኣቦ ናይዚ ባይቶ መንበር ቪርጂሊዮ ሳኮኢቸላ ናይታ ሃገር ርእሰ ብሔር ጒሊየርሞ ላሶ ካብ ስልጣኖም ክእለዩ ዝሓትት ሰነድ መሰረት ግይሩ ዝካየድ ዝነበረ ክትዕ ክቋረጽ ከም ዝገበሩን ኣብ እትፈላለየ ኣጋጣሚታት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኤኳዶር ኣብ መንጐ መንግስትን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዘካይዱ ዘለዉ ወገናት ሰላማዊ ዘተ ክተባብዕን ንዘተ ሓላፋ ዝብል ኵነት ክፍጠር ደጋጊማ ጻውዒት ከም ዘቕረበት ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ብውግእ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ዩክረይን

ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ንህዝቢ ዩክረይን እናሓሰቡ፥

ሰንደቕ ዕላማ ዩክረይን ዝሓዙ ምእመናን ከም ዘለዅም እርኢ ኣሎዅ! ኣብ ዩክረይን ሕጂ እውን ቦምብታት ይዘንብ ኣሎ! እዚ እውን ሞትን ዕንወትን ስቓይን የስዕብ ኣሎ፡ በጃዅም ነዚ ህዝቢ እዚ ኣይንረስዓዮ! ኣብ ልብናን ኣብ ጸሎትናን ህልዋን ይዅኑ፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ኵነታት ኣዚዩ ኣጸጋሚ እዩ፡

ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ዕለት 26 ሰነ ወጋሕታ እንተ ወሓደ 14 ሚሳይል ኣብ መንበሪ ህንጻታት ኣቕኒዑ ናብ ወገን ኪየቭ ከም እተፈነወን ኣብ ልይስይቻንስክ ሓደ ሰብ ንሞት ከም ዝዳረገን ከተማ ሰቨርዶንከትስክ ኣብ ኢድ ወተሃደራት ሩሲያ ከም ዝኣተወት ገሊጹ፥ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፥ እተን ኣዚየን ብኢንዳስትሪ ዝማዕበላ ሃገራ ዝሓቁፍ ጉጅለ ሸውዓተ ኣብ ባቪየራ ከተማ ኤልማው፥ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ቻርለስ ሚሸል ንኪየቭ ተወሳኺ ናይ ወግእ ኣጽዋር ክልኣኽ ምዃኑ ኣረጋጊጾም እቲ ኣብ ሩሲያ ዝተመሓላለፈ እገዳ ኣብ ልዕሊ ሞስካ ጽልዋ ከም ዝህልዎን ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ንዘስዕቦ ቁጠባዊ ጽልዋ እውን ኣቃልቦ ክወሃቦ ከም ዘለዎ ኣዘኻኺሮም፥ ናይ ዩክረይን ምህርቲ ስርናይ ብወደብ ጸሊም ባሕሪ ኣቢሉ ንወጻኢ ክለኣኽ ዘኽእል ስምምዕ ክብጻሕ ተስፋ እገብር ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

27 June 2022, 16:09