ድለ

2022.06.23 Membri della Commissione mista internazionale per il Dialogo teologico 2022.06.23 Membri della Commissione mista internazionale per il Dialogo teologico   (Vatican Media)

መንፈስ ሓድነት ክርስትና ኣብ ሕይወትን ስቃያትን ሰባት የስተንፍስ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብዛዕባ ሓድነት ኣብያተ ክርስትያን ንምዝታይ ዝቆመ ዓለምለኸ ኮሚሽን ዘተ ትምህርቲ ንባበ መለኮት ኣብ መንጎ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ምሥራቃውንያ ኣብያተ ክርስትያን ኦርቶዶክስን ተቀቢሎም ኣብ ዘዘራረብዎ ‘ሓድነትና ኣብ ምሥጢረ ጥምቀትን ሓዋርያዊ ግብረ ተልእኮን ክልልን’ ዝተመሥረተ ሓቀኛ ሓድነት እዩ እንክብሉ ገሊጾም።

ዜና ቫቲካን!

ካብ ካቶሊካውያንን ምሥራቃውያን ኦርቶዶክሳውያንን ሊቃውንቲ ዝተዋጽኤ ሓባራዊ ዓለምለኸ ኮሚሽን ዘተ ትምህርቲ ንባበ መለኮት ናይ ክልቲኤን ኣብያተ ክርስትንያን ካብ 1982 ጀሚሮም ኣብ ዝተፈላለየ ክፍለዓለማት እናተራኸበ በብግዜኡ ኩሎም ዝተሰማምዑሉ ሰነዳት በብዝተጋብእዎ ቦታ ስያሜ እናሃቡ ካብ ምሥጢራት ጀሚርካ ክልቲኤን ኣብያተክርስትያን ንዝቅበላኦን ዝተሰማምዑሉን ነጥብታት በብግዜኡ የቅርቡ። ትማሊ ምስ ር.ሊ.ጳ ኣብ ዝተራኸቡሉ ቅዱስነቶም በቲ ዝገብርዎ ጻዕርን ኣበርክቶን ምስ ኣመስገንዎም ካብ ልዕልና ኣስተንትኖን ተራቅቆን ኣብ ንቡር ዕለታዊ መነባብሮ ናይ ክርስትና ውርድ ቢሎም ነቲ ዕለት ዕለት ዘጋጥም ስቃያት እናተሳተፍካ ብመንፈስ ሓድነት እንክትምራሕ ነቲ ዝገብርዎ ትምህርተ ንባበ መለኮታዊ ዘተ ዓቢ ኣበርክቶ ከምዝኽእል እዚ ከኣ ኣብ ነፍስወከፍ ክልል መንፈስ ሓድነት ክርስትና ምድንፋዕ ከምዘድሊ ኣዘኻኺሮም።

ክልላዊ ሓድነት ኣብያተ ክርስትያን!

ቅዱስነቶም ሓሳባቶም ጭቡጥ ብዝኾነ መንገዲ ንምግላጽ እዚ ክልላዊ ሓድነት እዚ ኣብ ማእከላይ ምብራቅን ኣብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ምዕራብ ብስደት ዝነብሩ ኣብያተክርስትያን ብተግባር ይንበር ከምዘሎን ብዙሕ ኣዎንታዊ ፍረ ከምዘለዎን እንብከርሁ ‘መንፈስ ሓድነት ናይ መነባብሮ ዕለት ዕለት ኣብ ስድራቤታቶም ይኹን ኣብ ቦታ ሥራሕ ብተግባር እትነብሮ መንፈስ ሓድነት’ ምዃኑ ብቀንዱ ከኣ ስቃያትን ጸገማትን ሓድሕድ እናተኻፈልካ ከምዝኾነ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

[ ብዙሕ ግዜ ብሓባር መንፈስ ሓድነት ኣብያተክርስትያን ኣብ ዕለታዊ መነባብሮና ብስም ክርስቶስ ስቃይ ሓድሕድ እናተሳተፍና ወረ ሓንሳእ ሓንሳእሲ ስለኡ ሕይወትና እናኸፍልና ንነብሮ ኣሎና። ትምህርተ ንባበ መለኮታዊ ሓድነት ኣብያተ ክርስትያንከስ ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽ ዘጋጠመ ፍልልያት ዶግማ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ህልው ኩነታት ምእመናንና ብምትኳር ተመኲሮታቶም ክምልከት ኣለዎ፤ ብካል እ ኣዘራርባ እቲ ብዛዕባ መዝገበ እምነት ዝግበር ተራቅቆ ተሎግያ በቲ ዕለት ዕለት ኣብ ከክል ሉ ኣብ መንጎ ኣብያተክርስትያን ብተግባር ዝንበር መንፈስ ሓድነት ሓቀኛ ቦታኡ ክኸውን ይኽእል፤ ምሳኡ እቲ መሠረት ሓድነት ዝኾነ ብምሥጢረ ጥምቀት ዝተዋህበና ጸጋ እውን ዘይምዝንጋዕ ኢሎም። ]   

ብምሥጢረ ጥምቀት ዝተዓደልናዮ ጸጋ ሓድነት!

ቅዱስነቶም እቲ ኮሚሽን ካብ ዝጅምር ክሳብ ለይቲ ሎሚ ንሓድነት ኣብያተ ክርስትያን ዘወፈዮ ዓቢ ኣበርክቶ ብምምዝጋን ነቲ ኣብዚ ቀረባ ብዛዕባ መሠረታውያን ምሥጢራት ቤተክርስትያን ብሓባር ክወጽእ ትጽቢት ንዝግበረሉ ሰነድ ኣመልኪቶም ‘እዚ ሰነድ እዚ ናብ ምሉእ ሓድነት ንእንገብሮ ግስጋሴ ሓዲስ ስጒምቲ ከመልክት በዓል ምሉእ ተስፋ እየ’ እንክብሉ ምናዳ በቲ መሠረት ኩለን ምሥጢራትቢቤተክርስትያን ዝኾነ ምሥጢረ ጥምቀትን ብሓባር ንዝተገብረ ግስጋሴን ተዛሪቦም።

“ኣብ መንጎ ክርስትያን ዘሎ መንፈስ ሓድነት መሠረቱ ኣብ ምሥጢረ ጥምቀት ይርክብ፤ ንምሉእ ሓድነትና ጭቡጥ ምልክት ከኣ ንሱ እዩ። ነዚ ምሥጢር እዚ ምስጋና ይኹኖ ምስ ቅዱ ጳውሎስ ኰና ‘ንሕና ኩልና ብሓደ መንፈስ ኣብ ሓደ ኣካል ተጠሚቅና’ ክንብል ንኽእል ኢሎም።”

ህልው ኩነታት!

ኣብ መባእታ ከምዝጠቀስናዮ እዚ ኮሚሽን እዚ ካብ ዘፍረዮም ካብቲ ናይ መጀመርያ ሰነድ ማለት ብ1982 ዝወጸ ብሰነድ ሞናኮ ዘባቫርያ ዝፍለጥ ብዛዕባ ምሥጢረ ቤተክርስትያንን ምሥጢረቁቊርባንን ብመብህራቲ ምሥጢረ ቅድስት ሥላሴ ዝብል ጀሚርካ በብግዜኡ ዝወጸ ውዱእ ስምምዓት ሎሚ ከም ሎሚ ምእመናን ምሥጢረ ንስሓን ምሥጢረ ቅዱስ ቊርባንን ምሥጢረ ቀንዲልን ምስ ገሊኤን ናይ ምሥራቅ ኣብያተክርስትያን ኦርቶዶክስ ብሓባር ክንሳተፍ ንኽእል ኣብ ገለ ፍልይ ዝበለ ኩነታት ከኣ ሕውስ ቃል ኪዳን ክፍጸም ተኻኢሉ ኣሎ። ቅዱሰንቶም ነዙይ ምዕባሌ እዙይ ከምዚ ክብሉ ገለጽዎ።

“እዚ ኩሉ ክውን ክኸውን ዝኸኣለሉ ኣተኲሮና ኣብ ጭቡጥ ዕለታዊ ናብራ ም እመናንና ብምግባርን ክንዮ ዘሎ ንባበ መለኮታዊ ተራቅቆን ናይ ታሪኽ ፍልልያትን ሰጊርካ ካብዚ መጋበሪ ጸጋታት ዝኾነ ምሥጢራት ማንም ከይንፈጎ ንሠናይ ነገር ሕዝበ እግዚኣብሔር ብምሕሳብ እዩ ኢሎም።”

ብብርሃን መንፈስ ቅዱስ ንመራሕ!

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ቃሎም ዘተኰሩለን ክልተ ነጥብታት ሓንቲ ብብርሃን መንፈስ ቅዱስ ክንምራሕ እታ ካልኣይቲ ከኣ ወትሩ ሓቢርካ ምጉዓዝ ዝብላ ነበራ።

“በዚ መንገዲ ሓድነት እዚ ንምጒዓዝ መንፈስ ቅዱስ የብርሃልና! ንሠናይ ደቂሰባትን ንሠናይ ነፍሳትን ንሠናይ ሕዝበ እግዚኣብሔር ንሠናይ ኩልናን ብዘይ ምንም ሞራላውን ንባበ መለኮታውን ሥነሓሳባውን ሌላን ጉሌላን ይዓቅበልና! እቲ ሠናይ ነገር ሕዝብና ኣባኡ ኣሎ ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ሥጋ ለቢሱ ኣካል ሕዝቡ እዩ ኰይኑ እምበር ኣብ ሓሳብን መጐተን ኣይወዓለን፤ ንሕና ከኣ ሠናይ ናይ ደቂሰባትን ሕዝበ እግዚኣብሔርን ክንደሊ ኣሎና ኢሎም።”

ሓቢርካ ምጒዓዝ!

ቅዱስነቶም ነዛ ሓቢርካ ምጒዓዝ ትብል ዳርጋ ከም ለበዋ እንከቅርብዋ ምኽንያቱ እንክገልጹ ከኣ ነንሕድሕድካ ጽን ቢልካ ንምስማዕ ብመንፈስ ሕውነት ምርኻብ የድሊ ሽዑ ሓሳባትካ ተኻፊልካ ብሓባር ክትጐዓዝ ይከኣል እንክብሉ ዘላትና እንኮ ምርጫ ንሳ ምዃና ከምዚ ክብሉ ሓደራ ኢሎም።

“እታ መንገዲ እዚኣ እያ፤ ሓድነት ኣብያተ ክርስትያን ከኣ ብሓሳብ ጥራይ ዘይኮነ ሓቢርካ ብምጒዓዝ እዩ ዝግበር፤ ኣብ ምቅርራብ ኣብያተ ክርስትያናትና ንመንእሰያትና ከምዝሳተፉ ምግባር ኣብ ከክልሉ ከምዝዋስ ኡ ምግባሮም ብጣዕሚ ጽቡቅ እዩ ከመይ እቲ ዘተ ዓምዲ እምነት ካብ ዘተ ዕለታዊ ናብራ እንክነቅል ፍረ ኣለዎ ኢሎም።”

ቅዱስነቶም ከም መዛዘሚ ጸሎትን እታ ኣብ ዝመጽ እ ግዜ እዚ ኮሚሽን እዚ ክዝትየላ መዲቡ ዘሎ ኣደ ቤተክርስትያንን ኣደናን ዝኾነት እኖና ድንግል ማርያም ኣብ ትምህርትን ሕይወትን ቤተክርስትያን ስለዝኾነ ናባኣ ብምምዕቋብ በዛ ሓጻር ጸሎት ዛዚሞም።

“ኣ ቅድስት እመ ኣምላክ ኣብ ትሕቲ ሓለዋኺ ንምዕቆብ ኣሎና፤ኣብ ፈተና ናይ እንርከብ ደቅኺ ልመና ኣይተስተናዕቅዮ፤ ኦ ክብርትን ብርኽትን ድንግል ማርያም ካብ ኩሉ ሓደጋ ሰውርና።”

ብድምጺ ንምክትታል!
24 June 2022, 12:48