መንፈስ ሓድነት ክርስትና ኣብ ሕይወትን ስቃያትን ሰባት የስተንፍስ! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ካብ ካቶሊካውያንን ምሥራቃውያን ኦርቶዶክሳውያንን ሊቃውንቲ ዝተዋጽኤ ሓባራዊ ዓለምለኸ ኮሚሽን ዘተ ትምህርቲ ንባበ መለኮት ናይ ክልቲኤን ኣብያተ ክርስትንያን ካብ 1982 ጀሚሮም ኣብ ዝተፈላለየ ክፍለዓለማት እናተራኸበ በብግዜኡ ኩሎም ዝተሰማምዑሉ ሰነዳት በብዝተጋብእዎ ቦታ ስያሜ እናሃቡ ካብ ምሥጢራት ጀሚርካ ክልቲኤን ኣብያተክርስትያን ንዝቅበላኦን ዝተሰማምዑሉን ነጥብታት በብግዜኡ የቅርቡ። ትማሊ ምስ ር.ሊ.ጳ ኣብ ዝተራኸቡሉ ቅዱስነቶም በቲ ዝገብርዎ ጻዕርን ኣበርክቶን ምስ ኣመስገንዎም ካብ ልዕልና ኣስተንትኖን ተራቅቆን ኣብ ንቡር ዕለታዊ መነባብሮ ናይ ክርስትና ውርድ ቢሎም ነቲ ዕለት ዕለት ዘጋጥም ስቃያት እናተሳተፍካ ብመንፈስ ሓድነት እንክትምራሕ ነቲ ዝገብርዎ ትምህርተ ንባበ መለኮታዊ ዘተ ዓቢ ኣበርክቶ ከምዝኽእል እዚ ከኣ ኣብ ነፍስወከፍ ክልል መንፈስ ሓድነት ክርስትና ምድንፋዕ ከምዘድሊ ኣዘኻኺሮም።
ክልላዊ ሓድነት ኣብያተ ክርስትያን!
ቅዱስነቶም ሓሳባቶም ጭቡጥ ብዝኾነ መንገዲ ንምግላጽ እዚ ክልላዊ ሓድነት እዚ ኣብ ማእከላይ ምብራቅን ኣብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ምዕራብ ብስደት ዝነብሩ ኣብያተክርስትያን ብተግባር ይንበር ከምዘሎን ብዙሕ ኣዎንታዊ ፍረ ከምዘለዎን እንብከርሁ ‘መንፈስ ሓድነት ናይ መነባብሮ ዕለት ዕለት ኣብ ስድራቤታቶም ይኹን ኣብ ቦታ ሥራሕ ብተግባር እትነብሮ መንፈስ ሓድነት’ ምዃኑ ብቀንዱ ከኣ ስቃያትን ጸገማትን ሓድሕድ እናተኻፈልካ ከምዝኾነ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።
[ ብዙሕ ግዜ ብሓባር መንፈስ ሓድነት ኣብያተክርስትያን ኣብ ዕለታዊ መነባብሮና ብስም ክርስቶስ ስቃይ ሓድሕድ እናተሳተፍና ወረ ሓንሳእ ሓንሳእሲ ስለኡ ሕይወትና እናኸፍልና ንነብሮ ኣሎና። ትምህርተ ንባበ መለኮታዊ ሓድነት ኣብያተ ክርስትያንከስ ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽ ዘጋጠመ ፍልልያት ዶግማ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ህልው ኩነታት ምእመናንና ብምትኳር ተመኲሮታቶም ክምልከት ኣለዎ፤ ብካል እ ኣዘራርባ እቲ ብዛዕባ መዝገበ እምነት ዝግበር ተራቅቆ ተሎግያ በቲ ዕለት ዕለት ኣብ ከክል ሉ ኣብ መንጎ ኣብያተክርስትያን ብተግባር ዝንበር መንፈስ ሓድነት ሓቀኛ ቦታኡ ክኸውን ይኽእል፤ ምሳኡ እቲ መሠረት ሓድነት ዝኾነ ብምሥጢረ ጥምቀት ዝተዋህበና ጸጋ እውን ዘይምዝንጋዕ ኢሎም። ]
ብምሥጢረ ጥምቀት ዝተዓደልናዮ ጸጋ ሓድነት!
ቅዱስነቶም እቲ ኮሚሽን ካብ ዝጅምር ክሳብ ለይቲ ሎሚ ንሓድነት ኣብያተ ክርስትያን ዘወፈዮ ዓቢ ኣበርክቶ ብምምዝጋን ነቲ ኣብዚ ቀረባ ብዛዕባ መሠረታውያን ምሥጢራት ቤተክርስትያን ብሓባር ክወጽእ ትጽቢት ንዝግበረሉ ሰነድ ኣመልኪቶም ‘እዚ ሰነድ እዚ ናብ ምሉእ ሓድነት ንእንገብሮ ግስጋሴ ሓዲስ ስጒምቲ ከመልክት በዓል ምሉእ ተስፋ እየ’ እንክብሉ ምናዳ በቲ መሠረት ኩለን ምሥጢራትቢቤተክርስትያን ዝኾነ ምሥጢረ ጥምቀትን ብሓባር ንዝተገብረ ግስጋሴን ተዛሪቦም።
ህልው ኩነታት!
ኣብ መባእታ ከምዝጠቀስናዮ እዚ ኮሚሽን እዚ ካብ ዘፍረዮም ካብቲ ናይ መጀመርያ ሰነድ ማለት ብ1982 ዝወጸ ብሰነድ ሞናኮ ዘባቫርያ ዝፍለጥ ብዛዕባ ምሥጢረ ቤተክርስትያንን ምሥጢረቁቊርባንን ብመብህራቲ ምሥጢረ ቅድስት ሥላሴ ዝብል ጀሚርካ በብግዜኡ ዝወጸ ውዱእ ስምምዓት ሎሚ ከም ሎሚ ምእመናን ምሥጢረ ንስሓን ምሥጢረ ቅዱስ ቊርባንን ምሥጢረ ቀንዲልን ምስ ገሊኤን ናይ ምሥራቅ ኣብያተክርስትያን ኦርቶዶክስ ብሓባር ክንሳተፍ ንኽእል ኣብ ገለ ፍልይ ዝበለ ኩነታት ከኣ ሕውስ ቃል ኪዳን ክፍጸም ተኻኢሉ ኣሎ። ቅዱሰንቶም ነዙይ ምዕባሌ እዙይ ከምዚ ክብሉ ገለጽዎ።
ብብርሃን መንፈስ ቅዱስ ንመራሕ!
ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ቃሎም ዘተኰሩለን ክልተ ነጥብታት ሓንቲ ብብርሃን መንፈስ ቅዱስ ክንምራሕ እታ ካልኣይቲ ከኣ ወትሩ ሓቢርካ ምጉዓዝ ዝብላ ነበራ።
ሓቢርካ ምጒዓዝ!
ቅዱስነቶም ነዛ ሓቢርካ ምጒዓዝ ትብል ዳርጋ ከም ለበዋ እንከቅርብዋ ምኽንያቱ እንክገልጹ ከኣ ነንሕድሕድካ ጽን ቢልካ ንምስማዕ ብመንፈስ ሕውነት ምርኻብ የድሊ ሽዑ ሓሳባትካ ተኻፊልካ ብሓባር ክትጐዓዝ ይከኣል እንክብሉ ዘላትና እንኮ ምርጫ ንሳ ምዃና ከምዚ ክብሉ ሓደራ ኢሎም።
ቅዱስነቶም ከም መዛዘሚ ጸሎትን እታ ኣብ ዝመጽ እ ግዜ እዚ ኮሚሽን እዚ ክዝትየላ መዲቡ ዘሎ ኣደ ቤተክርስትያንን ኣደናን ዝኾነት እኖና ድንግል ማርያም ኣብ ትምህርትን ሕይወትን ቤተክርስትያን ስለዝኾነ ናባኣ ብምምዕቋብ በዛ ሓጻር ጸሎት ዛዚሞም።