ርሕራሔን ምቅባል ጋሻን ክነደንፍዕ ብሓባር ንሥራሕ! ር.ሊ.ጳ ንቡዱሂስት
ዜና ቫቲካን!
ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ካብ ወትሩ ኣትሒዛ ምናዳ ኸኣ ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ክርስትያን ምስ ዘይኮኑ እምነታት ኣብ እተካይዶ ውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተ ቀንዲ ኣተኲሮና ኣብታ ዓባይ ሥድራቤት ዘመደ ኣዳም ብምትኳር ነቲ ንዓለምና ከም ቀንዲ ግድል ኰይኑ ነንሕድሕድካ ምቅባልን ብዓይኒ ርሕራሔ ምጥምማትን ኣብ ምድንፋዕ ዓቢ ኣበርክቶ ከምዝገበረት ዝገለጹ ቅዱስነቶም ምናዳ ሕጂ ኣብዚ ዘሎናዮ ዘመን ነዚ ግድላት እዚ ንምፍታሕ ውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተን ብኩሉ ኩሉ ምትሕብባርን ናይ ግድን እዩ ኢሎም፤ ምናዳ ኣብ መንጎ ብዱሃውያንን ካቶሊካውያንን ነዚ መንፈስ እዚ ኣስሪጽካ ብሓባር እንተደኣ ተሰሪሑ ንድኻታትን ዝተገለሉ ረዳኢ ዘይብሎም ክፍሊ ማሕበረ ዓለምና ዘቀደመ ንኩሎም ደቂሰባት ዝኸውን ርሕራሔን ምቅባል ኣጋይሽን ክንኲስኲስ ከምዝከኣል ገሊጾም።
እቶም ካብ ሃገረ ታይላንድ ነቂሎም ጳጳሳዊ ዩኒቨርሲቲ ኡርባንያና ዝተሰናደወ ባህሊ ርክብ ኣብ መንጎ ቡዳሃውያንን ክርስትያንን ዕርክነት ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዘቅረቦ ኮንፈረንስ ንምስታፍ ዝመጹ ሰባት ካብ ተራቫዳን ማሃያናን ዝበሃሉ ኣብያተ ትምህርቲ ምንኲስና ብደሃውያን ዝመጹ 30 ዓበይቲ መነኮሳትን 60 ዝኾኑ ዓለማውያን ብደሃውያንን እንክኾኑ ምሳኣቶም ከኣ ወከልቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ታይላንድ ከምዝነበሩ ተገሊጹ።
ወርቃዊ ኢዮቤል!
ቅዱስነቶም ናብ ታሪኽ ርክብ ብዱሃውያንን ካቶሊካውያንን ምልስ ብማለት ነቲ ብዕለት 5 ሰነ 1972 ዓም ዝተገብረ ታሪኻው ርክብ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይን ዓቢ መምህር ሶምደጅ ፍራ ዋናራት መበል 17 ልዑል ፓትርያርክ ታይላንድን ብምዝካር እዚ ሎሚ ዝግበር ርክብ ከኣ ወርቃዊ ኢዮቤል ናይቲ ታሪኻዊ ርክብ ከምዘዘኻኽር ብምጥቃስ ነዚ ኣብ መንጎ ቤተክርስትያንን ቡድሃውያንን ዘሎ ናይ ዕርክነትን ምድግጋፍን ርክብ ንክድንፍዕ ዘለዎም ሠናይ ምንዮት ገሊጾም፤ ናይ ሎሚ ሓምሳ ዓመት ይገብር ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ነቶም ናይ ሽዑ ልኡኻት ታይላንድ ‘ኣብቲ ብክቡር ባህሊ ዝወረስክምዎ መንፈሳውን ሞራላውን ማሕበራውን ባህላውን ሃብታትኩም ዘሎና ኣኽብሮት ብጣዕሚ ዓሚቊ እዩ’ እንክብሉ ንዝገለጽዎ እንደገና ብምዝካር ቅዱስነቶም እውን ነዚ ብምሉእ ልቦም ከምዝሰምረሉ ኣረጋጊጾም፤ ኣብ መንጎ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን እታ ንሳቶም ዝውክልዋን ልዑል ሕውነታዊ ዘተን ጥቡቅ ርክብ ክልቲኡ ባህልታትን ክህልዎ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾምሎም።
ምስዚ ብምትሕሓዝ ቅዱስነቶም ዘዘኻኸርዎ እቲ ቅድሚ ሓምሳ ዓመት ዝጀመረ ኣብ መንጎ ክልቲኡ እምነታዊ ባህልታት ዚካየድ ምሕዝንታዊ ዘተን ቀረባ ምትሕብባርን ቀስ ብቀስ ይዓቢ ከምዝሎን ነዚ ከኣ ኣብቲ ብ2019 ኣብ ሃገሮም ሃገረ ታይላንድ ዝገበርዎ ሓውጾተ ኖልዎ ብዘርኣይዎ ልቢ ዝትንክፍ ኣደናቂ ተቅባል ከምዘስተማቀርዎ ገሊጾም፤ እዚ ጥራይ ከይ ኣክል ከኣ እቲ ማሕበሮም ምስ ላዕለዋይቢቤትጽሕፈት ውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተ ናይ ቅድስት መንርበ ዘካይዶ ቀጻሊ ምርድዳእ ከማኡ እውን ምስታ ኣብ ሃገረ ታይላንድ ዘላ ካቶሊካዊትቢቤተክርስትያን ዘካይድዎ ሃናጺ ዘተን ምድግጋፍን ኣመስጊኖም።
ኢየሱስን ቡድሃን ሕውነት ከምዘድሊ ምሂሮም!
ዘተን ምትሕብባርን ወትሩ ኣድላዪ ምዃኑ ዘዘኻኸሩ ቅዱስነቶም ምናዳ ኸኣ ሎ ሚከም ሎሚ ዓለምና ብዝተፈላለየ ብድሆታት ትናወጸሉ ኣብ ዘላ ብቀንዱ ከኣ እታ ዓባይ ስድራቤተ ዘመደ ኣዳም ኣብ ቅልውላው ኣትያትሉ ዘላ ዘተን ምትሕብባርን ብህጹጽ የድሊ ኢሎም። ብዘሕዝን መንገዱ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለምና ብኽያትን ቊዘማን ዝቈሰለ ሰብ ኣውነትን ዝተሰባበረት መሬትን ይስማዕ ኣሎ፤ ኢየሱስን ቡድሃን ነቲ ኣብ ግጭትን ዓመጽን ዘምርሕ ንዓይ ጥራይ ይጥ ዓመኒ ዝብል መንፈስ ብኣጋኡ ተሪዲኦሞ፤ ድሃማፓዳ ንትምህርቲ ቡድሃ እንከጠቃልል ‘ክፍኣት ክተወግድ ሠናይ ንክትዓጽድ ኣእምሮ ንክተንጽሕ’ ብማለት እንክገልጾ ኢየሱስ ከኣ ንሓዋርያቱ ‘ሓዲስ ትእዛዝ እህበኩም ኣሎኹ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም ነንሕድሕድኩም ተፋቀሩ’ በሎም፤