ር.ሊ.ጳ. ብርእደ መሬት ንዝተተቕዑ ህዝቢ ኣፍጋንሲታን ቅርበቶምን ጸሎቶም የረጋግጹ
ቅዱስነቶም ምእንቲ እቶም ዕለት 22 ሰነ ንጐሆ ኣብ ምብራቓዊ ኣፍጋኒስታን ብዘጋጠመ ርእደ መሬት ዝሞቱ ሰባት ኵሎም ጸሎቶምን ቅርበቶምን ኣረጋጊጾም፥
ንምዉታትን ንኣባይቲ ምውታትን ስድራ ቤቶም ንዝሰኣኑ እጽሊ! ብሓገዝ ኵላትና ንስቓይ እቶም ፍቑራት ህዝቢ ኣፍጋኒስታን ከነፍኵስ ተስፋ እገብር”
ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ኣብ መክሲኮ እተፈጸመ ዓመጽ
ቅዱስነቶም ቀጺሎም እውን ዕለት 21 ሰነ ኣብ መክሲኮ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋተይ ክልተ ካህናት ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን እተፈጸመ ቅትለት ዘኪሮም፡ ዝተሰምዖም ጓህን ሓዘንን እንክግለጹ፥
ኣብ መክሲኮ ብዙሓት ሰባት ይቕተሉ! ነቶም በቲ ዘሕዝን ፍጻመ ዝተተንከፉ ማሕበረሰብ ካቶሊክን ኣዚየ እጽሊ ቅርበተይ ድማ እረጋግጽ፡ ሎሚ እውን ደጊመ ዓመጽ ንጸገማት ዝፈትሕ ዘይኮነስ መሊሱ ካብቲ ዝነበሮ እዩ ዝግድዶን ዘስፍሖን!
ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ንሕዝቢ ዩክረይን ኣይንረስዓዮ
ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ከምቲ ዝሓለፈ ሰንበት ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ዝበልዎ፥
እቶም ኣብ ዩክረይን ዝነብሩ ቈልዑ ኣይንረስዓዮም - ንዩክረይን ኣንረስዓያ እቶም ከቢድ ስቓይ ዘሕልፉ ዘለዉ ሰባት ስቓዮም ኣይንረስዓዮ!
ከምዝበሉን እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቶም ካብ ዩክረይን ዝመጹ ኣብቲ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዝተሳተፉ ኣብታ ቅዱስነቶም ንህዝቢ ስላም ክብሉ ኣብ ዝተሳፈሩላ ክፍትቲ መኪና ዝደየቡ እቶም ብሓልዮቶም ናብ ሮማ መጺኦም ትምህርቶም ክቕጽሉ ዝተሓገዙ ቈልዑ ዩክረይን ምኻኖም ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።