ፍራንቸስኮ ስለ ምንዋሕ እቲ ናብ ኣፍሪቃ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ይቕረታ ይሓትቱ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 12 ሰነ ፍርቂ መዓልቲ ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም ብሓባር ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ሓቢሮም መሪሖም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ፥ ብዛዕባ እቲ ሓኻይሞም እቲ ናብ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ካብ ዕለት 2 – 7 ሓምለ ከካይድዎ ተወሲኑ ዝነበረ ሓዋርያዊ መገሻ ከናውሑ ዘቕረቡሎም ሕቶ መሰረት እቲ ጉዕዞ ምስግጋሩ ብሓቂ ከም ዘሕዘኖምን ንኣፍሪቃ እቕረታ እሓትት ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ብሩኒ፡ ዕለት 10 ሰነ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ እቲ ሓዋርያዊ መገሻ ተመሓላሊፉ ማለት ተሰሪዙ ማለት ኣይኮነን ከም ዝበሉን። ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ወልባይ እውን ብወገኖም፥ “ምስ ጣዕሳ እቲ ፍቝር ሓው ፍራንቸስኮ እሓብር” እንክብሉ ከም ዝገለጹ የዘኻኽር።
ቅዱስነቶም ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥ እቲ ናብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ከካይድዎ ዝነበረ ሓዋርያዊ መገሻ ብምንዋሑ ዝተሰምዖን ዓቢይ ጣዕሳ፥
ንህዝብታትን ሰበ ስልጣንን ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን እናሕሰብኩ፥ ፍቝራተይ ብምኽንያት እቲ ኣብ ኣእጋረይ ዘጋጠመኒ ጸገማት -ሕማም ብርኪ ነቲ ኣብ መባእታ ወርሒ ሓምለ ኣብ ሃገራትኵም ከካይዶ ዝነበረኒ ምብጻሕ ንኸመሓላልፎ ስለ ዘገደደኒ እዚ ኽኣ ዓቢይ ጣዕሳ ይፈጥረለይ። ነዚ ጒዕዞ እዚ ናብ ካልእ ግዜ ክመሓላልፍ ኣዚየ እጠዓስ። ይቕረታ ድማ እሓትት። ብእተኽኣለ መጠን ምሳኻትኩም ብቝልጡፍ መታን ክራኸብ ብሓባር ንጸሊ፥ ርግጸይናታት ድማ ኢና!
ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ዕለት 10 ሰነ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ፥ “እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መባእታ ወርሒ ሓምለ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ከካይድዎ ዝነበሮም መደብ ሃዋርያዊ መገሻ ንኸመሓላልፍዎ ይግደዱ፥ ምንዋሕ ዝብል ውሳኔ ግን ነቲ መደብ ኣይስርዞን እዩ፡ ይናዋሕ እምበር ኣይተሰረዘን” እንክብሉ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝሓበሩን ናይ ካንተርበይ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ወልባይ፥ “ኣብቲ ጣዕሳ ናይ ፍቝር ሓው ፍራንቸስኮ እሓብር” ዝብል መግለጺ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ሓምለ ቀዳመይቲ ሰሙን ናብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ሓዋርያዊ መገሻ ከካይዱን ነዚ ሓዋርያዊ መገሻ እዚ ምስንዳዋት እውን ክግበር ከም ዝጸንሐን ብመሰረት ሕቶ ሓኻይም ናብ ካልእ ግዜ ከመሓላልፍዎ ከም እተገዱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ዕለት 10 ሰነ ድሕሪ ፍርቂ መዓልቲ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዘፍለጡ የዘኻኽር።
መግለጺ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ
“ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ እቶም ሓኻይም ዘቕረብዎ ሕቶ ብምቕባል ውጽኢት ናይቲ ገና ዝግበር ዘሎ ሕክምና ብርኪ ምእንቲ ከይፈሽል ነቲ ካብ ዕለት 2 – 7 ሓምለ 2022 ዓ.ም. ኣብተን ክልተ ሃገራት ኣፍሪቃ ከካይድዎ ዝነበሮም ሓዋርያዊ መገሻ ከም እተናወሐን መዓዝ ከካይድዎ ኪግለጽ እዩ” ምስ በሉ፥ “እቲ ናብ ኣፍሪቃ ኪግበር ዝነበሮ ዝተመሓላለፈ ሓዋርያዊ መገሻ፥ ቅዱስነቶም ኣብ ኪንሻሳን ከተማ ጎማን ኣብ ርእሰ ከተማ ደቡብ ሱዳን ጁባ ዘካይድዎ ምብጻሕ ዜጠቓልል ከም ዝነበረ የዘኻኽሩ።
ነቲ መደብ ምድንጓይ ምስራዝ ማለት ኣይኰነን
ብሩኒ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ህንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ንጋዜጠይናታት
ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ “እቲ መደብ ተመሓላሊፉ ማለት ተሰሪዙ ማለት ኣይኰነን” ቢሎም - ቅዱስነቶም ብዝሓደሮም ነዊሕ ዝገብረ ሕማም ብርኪ ንምፍዋስ ዘካይድዎ ዘለዉ ሕክምና እወታዊ ውጽኢት ዘለዎ እውን እንተዀነ ሓኻይሞም እቲ ዝግበረሎም ዘሎ ሕክምና ምሉእ ብምሉእ ውጽኢታዊ መታን ክኸውንን እቲ ሕክምና ዘርክቦ ዘሎ ውጽኢት ንድሕሪት ንኸይምለስ እቲ ጉዕዞ ከሰጋግርዎ እንክብሉ ንዘቕረቡሎም ሙያዊ ምኽሪ ክቕበሉ ከም እተገዱን ይዅን እምበር ተሰጋጊሩ ማለት ተሰሪዙ ማለት ኣይኮነን ኢሎም።
ወልባይ፥ ምእንቲ ፍቑር ሓው ፍራንቸስኮ እጽሊ
ቅዱስነቶም እቶም ኣብ ናይ ደቡብ ሱዳን ሓዋርያዊ መገሻኦም ምስ ናይ ስኮትላንድ ፕረስቢተራዊት ቤተ ክርስቲያን ሓፈሻዊ ባይቶ መራሒ ያይን ግሪንሻይልድስ ብሓብሩ ከሰንይዎም ዝነበሮም ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ሊቀ ጳጳሳት ጃስቲን ወልባይን፥ “ምእንቲ ፍቑር ሓው ፍራንቸስኮ እጽሊ - ቢሎም - ንህዝቢ ሱዳን ስለቲ ዜጋጥሞም ብድሆታትን ብዛዕባ ሰላምን ዘለዎም ተስፋ ብቐጻል እጽሊ፥ ነዚ ታሪኻዊ ምብጻሕ እዚ ኣብ ካልእ እዋን ክንገብሮ ድማ ብሃንቀውታ እጽበ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።