ድለ

ፍራንቸስኮን ፎን ደር ለየን፥ ጥምረት ነቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ድው ንምባል ፍራንቸስኮን ፎን ደር ለየን፥ ጥምረት ነቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ድው ንምባል 

ፍራንቸስኮን ፎን ደር ለየን፥ ጥምረት ነቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ድው ንምባል

ኣብቲ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ፥ “ዛዕባ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ዛዕባ ክንክን ተፈጥሮ - መሓድሮ” ምይይጥ ምክያዱን እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ደው ንምባል ዝካየድ ዘሎ ሓባራዊ ቈራጽነት ማእከል ናይቲ ዝተኻየደ ርክብ ምንባሩን እቲ ሳዕቤን ናይቲ ንነውሒ እዋን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ብፍላይ ከኣ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣቃልቦ ክግበረሉ ዘለዎ ህጹጽ ጒዳይ ምዃኑ ከም እተሰመረሉ

ዕለት 10 ሰነ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዋ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ድርገት ኣደ መንበር ፎን ደር ለየን ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን፥ ኣብቲ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ ብፍላይ ነቲ ብሰንኪ እቲ ግጭት ኣብ ዩክረይን እተፈጥረ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣቃልቦ ክግበረሉ ከም ዝመኸሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 10 ሰነ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ መንጎ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምኡ እውን ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ድርገት ኣደ መንበር ኡርሱላ ፎን ደር ለየን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ዕስራ ደቓይቕ ክሌኣዊ ርክብ ድሕሪ ምክያዱ ፎን ደር ለየን ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢተን ብናይ ቅድስቲ መንበር ጒዳያት ወጻኢ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፖል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸባ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

ክሌኣዊ ርክብ

ኣብቲ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ፥ “ዛዕባ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ዛዕባ ክንክን ተፈጥሮ - መሓድሮ” ምይይጥ ምክያዱን እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ደው ንምባል ዝካየድ ዘሎ ሓባራዊ ቈራጽነት ማእከል ናይቲ ዝተኻየደ ርክብ ምንባሩን እቲ ሳዕቤን ናይቲ ንነውሒ እዋን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ብፍላይ ከኣ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣቃልቦ ክግበረሉ ዘለዎ ህጹጽ ጒዳይ ምዃኑ ከም እተሰመረሉን ዛዕባ መጻኢ ኤውሮጳ ኣማእኪሉ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባን ኣብ ቅዋም ሕብረት ኤውሮጳ ዘምጽኦ ሳዕቤን እውን ምይይጥ ምክያዱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣፍሊጦም።

ገጸ በረኸት

ድሕሪ ዝተኻየደ ምይይጥ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓምዲ ቅዱስ ጴጥሮስ ድሕረ ባይታ ዝገበረ ሰላም ዝበሃሃላ ክልተ ኣእዳው ዝተነብሮ ብነሓስ እተሰርሐ ምስልንን ናይ 2022 ዓ.ም. ናይ ቅዱስነቶም መልእኽቲ ሰላምን ዕለት 27 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ለብዒ ኮሮና ተህዋስ ኣዚዩ ብርቱዕ ኣብ ዝነበረሉ ኣብ ተፈናተት እዋን ቅዱስነቶም በይኖም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እግዚኣብሔር ካብቲ ለብዕ ንኸናግፈና ዘዕረግዎ ጸሎትን ፍኖተ መስቀልን ብኣሳእል ዘርእን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣጋይሽን መንፈሳዊ ነጋድያን ዝቕበልሉ ዝተፈላለዩ ሓዋርያዊ ጽርሓታት ብስእሊ ዘርኢ ብቤት ማሕተም ሃገረ ቫቲካን ዘሓትመ መጻሕፍቲ ንፎን ደር ለየን ገጸረ በረኸት ከም ዘቕረቡለንን ንሰን እውን ብወገነን ብዛዕባ ቤት ትምህርቲ ባኡሃኡስ ዝዛረብ መጽሓፍን ቀዋምን ተቐባልነት መደብ ህንጸት ከተማታት ብኣሳእል ዝሕብር መጽሓፍን ንቕዱስነቶም ገጸ በረኸት ከም ዘቕረባሎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ፎን ደር ለየን

ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ድርገት ኣደ መንበር ፎን ደር ላየን ድሕሪ እቲ ምስ ቅዱስነቶም ዘካየደኦ ርክብ ኣብቲ ኣብ ትዊተር ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣድራሻኤን ኣቢለን፥ “ምስ ቅዱስነቶም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምርኻበይ ኣብ ሮማ ምብጻሕ ምክያደይ ብሓቂ የሐጒሰኒ፥ ምስቶም ኣብቲ ኣብ ዩክረይን ብዘሎ ግጭት ዝሳቐዩ ዘለዉ ኢና፡ እዚ ውግእ እዚ ኣብ ኤውሮጳ ሰላም ከም ዝምለስ ብምግባር ክውዳእ ኣለዎ።” ከም ዝበላ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ፎን ደር ለየን ዕለት 22 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተራኺበን ከም ዝነበራን ኣብቲ ርክብ እውን ብዛዕባ ጸኣት  ስደተይናታትን ቅልውላው መሓድሮን ምይይጥ ምክያዱ የዘካኽር።

Photogallery

ፍራንቸስኮን ፎን ደር ለየን፥ ጥምረት ነቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ድው ንምባል
11 Jun 2022, 16:22