ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ልዕሊ ጽልእን ዓመጻን ሰላም ምዕዋት! ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ልዕሊ ጽልእን ዓመጻን ሰላም ምዕዋት! 

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ልዕሊ ጽልእን ዓመጻን ሰላም ምዕዋት!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ፥ “ንዅሎም እቶም በቲ ኪግለጽ ዘይከኣል ግብረ ዓመጽ እተተንከፉ ሰባት መንፈሳዊ ቅርበት” ከም ዘለዎም ድሕሪ ምግላጽ፥ “ነቶም ዝተቐትሉ ንምሕረት ኣምላኽ አወክፍ” ከምኡ እውን “ንዝቖሰሉ ምሕዋይ ነቶም ፉትዋቶም ዝተቐተለዎም ኣብ መሪር ሓዘን ንዝርከቡ መለኮታዊ ምጽንናዕ እልምን”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት እቲ ዕለት 5 ሰነ 2022 ዓ.ም. ኣብ ናይጀሪያ ሰበኻ ኦርዶ ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም እተነብሮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም፥ ነታ ሰበኻ ቅርበቶም ገሊጾም፡ እቶም ነቲ ግብረ ሽበራ ዝፈጸሙ ክልወጡ ጸሎቶም ምዃኑ የረጋግጹ ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ዙፒ እውን ናብታ ሰበኻ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ናይ ኢጣልያ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቅርበትን ጸሎትን ኣረጋጊጾም፥ “እከይ ናይ ምወዳእታ ቃል ኣይኪህልዎን እዩ” ከም ዝበሉ ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣይያ- ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም በቲ ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ኣዚዮም ከም ዝጓሃዩ ናብ ናይ ሰበኻ ኦንዶ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ጁድ ኣዮደጂ ኣሮጉንዳደ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ገሊጾም፥ በቲ ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ክልተ ቘልዑ ዝርከብዎም ብውሑዱ 23 ሰባት ከም እተቐትሉን ዓሰርተ ምእመናን ከቢድን ፎኪስን ማህሰይቲ እውን ከም ዝወረድዶም ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

እቶም ብጽልእ ዝዓወሩ ይለወጡ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ፥ “ንዅሎም እቶም በቲ ኪግለጽ ዘይከኣል ግብረ ዓመጽ እተተንከፉ ሰባት መንፈሳዊ ቅርበት” ከም ዘለዎም ድሕሪ ምግላጽ፥ “ነቶም ዝተቐትሉ ንምሕረት ኣምላኽ አወክፍ” ከምኡ እውን “ንዝቖሰሉ ምሕዋይ ነቶም ፉትዋቶም ዝተቐተለዎም ኣብ መሪር ሓዘን ንዝርከቡ መለኮታዊ ምጽንናዕ እልምን” ቢሎም ኣስዒቦም እውን “መገዲ ሰላምን ጽድቅን ምእንቲ ኪመርጹ ነቶም ብጽልእን ዓመጻን ዝዓወሩ ክቕየሩ” እጽልይ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ምእመናን መልእኽቲ ወንጌል “ብተኣማንነትን ብትብዓትን” ክነብሩን ክምስክሩን ጻውዒት ብምቕራብ፥ “መለኮታዊ በረኸት ምጽንናዕን ብርታዐን” ምሳኹም ይዅን እንክብሉ ብዘቕረብዎ ቡራኬ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሉ ቅዱስነቶም እቲ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ኣብ ዝተፈጸምሉ ዕለት 5 ሰነ 2022 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ፥ ቅዱስነቶም ኣብቲ ዝወረደ ስቓይ ከም ዝሓብሩን ምእንቲ እቶም ግዳያትን ምእንቲ እታ ሃገርን ከም ዝጽልዩን፥ እቲ ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቓዕቲ እውን ስቓይ ከም ዘሕደረሎም ንህዝቢ እታ ሃገር ንጐይታ ሕድሪ ይብሉ” እንክብሉ ገሊጾም ከም ዝነበሩ  ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

መልእኽቲ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር

ኣብ ኢጣሊያ ናይ ቦሎኛ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ማተዮ ዙፒ ናብ ናይጀሪያ ሰበኻ ኦንዶ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ጁደ ኣዮደጂ ኣሮጉንዳደ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ፥ ቅርበቶምን ጸሎትምን ኣረጋጊጾም “ስቓይኵም ስቓይና እዩ፡ ንኣባይቲ ስድራ ምሕረት ኣቦን ምጽንናዕ ጰራቅሊጦስን ንልምን”፡ ከም ዝበሉን ብጹዕነቶም ዕለት 5 ሰነ ንበዓለ ጰራቅሊጦስ ኣብ ዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝለገስዎ ስብከት፥ “መንፈስ ቅዱስ ኣመኔታና ከይነጥፍእ ወትሩ ብሓድሽ መንፈስ ክንብገስ ይዕድመና” ተንስእ ይብለናን ወትሩ እስትንፋሱ የንብረልናን ብኢድና ሒዙ የተንስኣናን፡ ልክዕ ከም ቀሬናዊ ጉዕዞና ወትሩ ብብርሃን ትንሳኤ ከም ዝበርህ ብምግንዛብ ክብደት መስቀልኵም ምሳዅም ሓቢርና ብምስካም ናይ ስቓይኵም ተኻፈልቲ ምዃንና ነረጋግጸልኵም፡ እከይ ናይ ምወዳእታ ቃል ፈጺሙ ኣይክህልዎን እዩ! ጸልማትን ሞትን ንዓለም ዝሸፈነ እኳ እተመሰለ ሓይሊ ጸሎትን ውህበትን እምነትን ነቲ ከቢቡ ዘሎ ደበና ከም ዝኣልዮ ርግጸይናታት ኢና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

07 Jun 2022, 15:24