ዓለም ለኻዊ ጒባኤ ኣባይቲ ስድራ፥ ንሮማ ምስ ዓለም ዘራኽብ ቆጸራ ዓለም ለኻዊ ጒባኤ ኣባይቲ ስድራ፥ ንሮማ ምስ ዓለም ዘራኽብ ቆጸራ 

ዓለም ለኻዊ ጒባኤ ኣባይቲ ስድራ፥ ንሮማ ምስ ዓለም ዘራኽብ ቆጸራ

እዚ ናይ ለምዘበን ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣባይቲ ስድራ፡ ር.ሊ.ጳ. Amoris Laetitia - ናይ ፍቕሪ ሓሴት ብዝብል ኣርእስቲ ደሪሶም ዝለገስዋ ዓዋዲት መልእኽቲ ዝኽሪ ሻድሻይ ዓመት፡ Gaudete et Exsultate - ተፈስሑ ወተሃሰዩ ዘርእስታ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዝኽሪ ራብዓይ ዓመት ኣብ ዝበዓለሉ እዋን ዝካየድ ምዃኑ

“ፍቕሪ ስድራ ቤት ጸዋዕታን ቅድስናን” ብዝብል መርሕ ቃል ተሰንዩ ዝካየድ ዓስራይ ሕታም ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣባይቲ ስድራ ኣብ ቅድሚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ቅዱስነቶም ብዝልግስዎ ቃለ ምዕዳን ብወግዒ ከም እተኸፍተ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ካብ ዕለት 22 – 26 ሰነ 2022 ዓ.ም. “ፍቕሪ ስድራ ቤት ጸዋዕታን ቅድስናን” ኣብ ዝብል ቅዉም ነገር ዘስተንትን ዓስራይ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣባይቲ ስድራ ሮማ ቀንዲ መንበሩ ዝገበረ እኳ እንተዀነ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰበኻታትን ቍምስናታትን ማሕበረሰብ ኣባይቲ ስድራን ርክብ ዘተባብዕ እዩ። እዚ ናይ ለምዘበን ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣባይቲ ስድራ፡ ር.ሊ.ጳ. Amoris Laetitia - ናይ ፍቕሪ ሓሴት ብዝብል ኣርእስቲ ደሪሶም ዝለገስዋ ዓዋዲት መልእኽቲ ዝኽሪ ሻድሻይ ዓመት፡ Gaudete et Exsultate - ተፈስሑ ወተሃሰዩ ዘርእስታ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዝኽሪ ራብዓይ ዓመት ኣብ ዝበዓለሉ እዋን ዝካየድ ምዃኑ ቅዱስነቶም ብምኽንያት እዚ ዓውደ ጒባኤ ኣባይቲ ስድራ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ክሱት ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከም ዘዘኻኸሩ፥

ብዝተኻእለ መጠን እዚ ዓውደ ጒባኤ ኣባይቲ ስድራ ኣብ ኵለን ሰበኻታት ብዝተፈላለየ መዳበት ክካየድ እዕድም። ምስቲ ኣብ ሮማ ዝካየድ ብዝሰማማዕ ኣገባብ ህያውን ንጡፍን መሃዝነትን ብዘሰንዮ ኣገባብ ክኸውን እላበው። እዚ ኸኣ ንመጻምድትን ስድራ ቤትን ጓሶትን ብሓባር ኴንና ንኽንከናኸን ብውዕዉዕ ስምዒት ገዛእ ርእስና ንኸነወፊ ዘኽእለና ክቡር ኣጋጣሚ እዩ። ስለዚ ፍቑራት ጓሶትን ፍቑራት ኣባይቲ ስድራን ኣብ ኵሉ ክፍሊ ዓለም ኣብ ዝርከባ ሰበኻታትን ነዚ መደብ እዚ ንምክያድን ንምውዳብን ድልዋት እያቶም ሰናይ ጉዕዞ ዓስራ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣባይቲ ስድራ እብል!

ታሪኻዊ ኣበጋግሳ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣባይቲ ስድራ

ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም 1994 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ዓመት ኣባይቲ ስድራ እንክብል ምስ ኣወጀ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ እታ ዓመት እቲኣ ዓመት ስድራ ቤት ኣንክብሉ ሰምዮም፡ ኣብ ሮማ ቀዳማይ ዓለም ሓቆፍ ጒባኤ ኣባይቲ ስድራ ክካየድ ከም ዝገበሩን ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ኣብ 1997 ዓ.ም.ር.ሊ.ጳ. ዎይትይላ “ስድራ ቤት ህያብን ቈራጽነትን ተስፋ ደቅሰብ”ብዝብል ቅዉም ነገር ተመሪሑ ዓለም ሓቆፍ ኣባይቲ ስድራ ኣብ ብራዚል - ሪዮ ደ ጃንየሮ ክካየድ ገበሩ። እቲ ሳልሳይ ዓለም ሓቆፍ ጒባኤ ኣባይቲ ስድራ ኣብ 2000 ዓመት ኢዮቤል ኣብ ሮማ “ክርስቲያናዊት ስድራ ቤት - ብስራት ንሳልሳይ ሺሓዊ ዓመት” ብዝብል መርሕ ቃል ተሰንዩ  ተኻየደ። ድሕሪ እዚ ናይ ሮማ ኣብ ከተማ መክሲኮ “ስድራ ቤት ቀራጺት ሰብኣውን ክርስቲያናውን ዋጋታት” ብዝብል ቅዉም ነገር ተመሪሑ ከም እተኻየደ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ከተማ ሚላኖ ሻብዓይ ዓለም ሓቆፍ ጒባኤ ኣባይቲ ስድራ ከም ዘአንገደትን ኣብ 2015 ዓ.ም.  እዚ ፍጻሜ እዚ ኣብ ፊላደልፊያ፥ “ፍቕሪ ተልእኾና ስድራ ቤት ምሉእ ብምሉእ ህያው እያ” ብዝብል ቅዉም ነገር ተመሪሑ ክካየድ እንከሎ እቲ ታሽዓይ ድማ ኣብ ኣየርላንድ - ዱብሊን “ናይ ፍቕሪ ሓሴት፥ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ድህረ ሲኖዶስ ድሕረ ባይታ ገይሩ ከምእተኻየደን እቲ ዓስራይ ድማ ካብ 22 – 26 ሰነ ኣብ ሮማ ዝእንገድ ዘሎ ምዃኑ የመላኽት።

22 June 2022, 16:05