ድለ

ብጹዓን ጳጳሳት ካናዳ፥ ናይ ር.ሊ.ጳ. ምብጻሕ ናብ ካናዳ ናብ ምሕዋይን ዕርቅን ዝመርሕ ስጒምት ብጹዓን ጳጳሳት ካናዳ፥ ናይ ር.ሊ.ጳ. ምብጻሕ ናብ ካናዳ ናብ ምሕዋይን ዕርቅን ዝመርሕ ስጒምት  (Vatican Media)

ብጹዓን ጳጳሳት ካናዳ፥ ናይ ር.ሊ.ጳ. ምብጻሕ ናብ ካናዳ ናብ ምሕዋይን ዕርቅን ዝመርሕ ስጒምት

ቅዱስነቶም ቅድም ኣቢሎም ምስ ደቀባት ካናዳ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ብምርኻብ ብታሪኽ እቶም ደቀባት ብዘሕለፍዎ ኵነታት ልቦም ከም እተተንከፉን ካብኡ ሓሊፎም እውን ኣብ ኣገዳሲ ኣጋጣሚታት ብዘካይድዎ ዘተ ኣቢሎም ክሃንጽዎ ከም ዝደልዩ ፍሉጥ እዩ። እዚ ጉዕዞ እዚ ናይ ምሕዋይን ምትዕራቕን ስጒምቲ ከም ዝኸውን ተስፋ ንገብር፡ ምእንቲ እዚ ጒዕዞ ቅዱስነቶም ድማ ንጽሊ!

ናይ ካናዳ ብጹዓን ጳጳሳት ነቲ ናይ ር.ሊ.ጳ.ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 24 -30 ሓምለ 2022 ዓ.ም. ናብ ካናዳ ዘካይድዎ ምብጻሕ ብሓጐስ ሓንጎፋይ ቢሎም ብምቕባል እቲ ምብጻሕ ቅዱስነቶም ናይ ምሕዋይን ዕርቅን ስጒምቲ ዝህብ ከም ዝኸውን ዘለዎም ተስፋ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ናብ ካናዳ ዝገብርዎ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ምሕዋይን ምትዕራቕን ደቀባት ዘተኰረ ክኸውን እንከሎ፡ ንጓሶት ናይቶም ኣብ ዓለም ዝርከቡ 1.2 ቢሊዮን ዝዀኑ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ እውን ምስቶም ኣብ ካናዳ ዝርከብ ካቶሊክ ምእመን ንኽራኸቡ ኣጋጣሚ ዝኸፍተሎም እዩ። ነዚ ዝበሉ ናይ ካናዳ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ነቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ካናዳ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻን ዝርዝር መደባቱን ዕለት 23 ሰነ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ወግዓዊ ምስ ገበሮ ነዚ ስዒቡ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስነቶም ሰንበት ዕለት 24 ሓምለ ንግሆ ሮማ ካብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ፊውሚቺኖ ክነቕሉን ኣብ ካናዳ ኤድሞንት ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርት ክበጽሑን ኣብኡ ብመንግስቲ ካናዳን ወከልቲ ኣቢያተ ክርስቲያንን ሃይማኖታትን ብናይ ካናዳ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣባላት ምእመናን ወከልቲ ደቀባት ካናዳን ኣቀባብላ ክግበረሎም ምዃኑ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ዕለት 25 ሓምለ ካብ ኤድሞንቶን ብሸነኽ ሰሜን 70 ኪሎ ሜትር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ማስክዋሲስ ብምኻድ ምስ ደቀባት ሃገረ ካናዳ ክራኸቡን ምሸት ምስ ደቀባትን ምስ ኣባላት ቁስምና ቅዱስ ልቢ ክራኸቡን ዕለት 26 ሓምለ ኤድሞንቶን ኣብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ ናይ ስፖርት ሜዳ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ምዃኖም ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ካናዳ ምብጻሕ ዘካይዱ ራብዓይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ከም ዝኾኑን እቲ ኣብ 2002 ዓ.ም. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዘካየድዎ ምብጻሕ ናይ መጀመርታ ከም ዝነበረ ይሕብር።


ድሩት ንውሓት ፍጻሜታት

ር.ሊ.ጳ. ብዝሓደሮም ናይ ብርኪ ሕማም ነቲ ካብ ዕለት 2 – 7 ሓምለ ኣብ ደቡብ ሱዳንን ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ዝነበሮም መደብ ሓዋርያዊ መገሻ ኬደናጒይዎ ከም እተገዱን፥

ብዕድመ ምድፋእን ዱሩት ዓቕምን ቅዱስነቶም ኣብ ህዝባዊ ኣጋጣሚታት ዝገብርዎ ሱታፌ ኣብ ሓደ ሰዓት ጥራይ ክሕንጸር ትጽቢት ይግበር!

እቲ ቅዱስነቶም ኣብ ካናዳ ዘካይድዎ ምብጽሕ “ብሓባር ምጒዓዝ” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ዘተኮረ ከም ዝኾነን እዚ እውን ምስ ደቀባት ካናዳ ዘካይድዎ ዝተፈላለዩ ርክባት ማእከል ዝገበረ ምዃኑ ኣብ ካናዳ ናይ ቅዱስነቶም ምብጻሕ ሓፈሻዊ ኣወሃሃዲ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ሪቻርድ ስሚዝ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም፥

ቅዱስነቶም ቅድም ኣቢሎም ምስ ደቀባት ካናዳ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ብምርኻብ ብታሪኽ እቶም ደቀባት ብዘሕለፍዎ ኵነታት ልቦም ከም እተተንከፉን ካብኡ ሓሊፎም እውን ኣብ ኣገዳሲ ኣጋጣሚታት ብዘካይድዎ ዘተ ኣቢሎም ክሃንጽዎ ከም ዝደልዩ ፍሉጥ እዩ። እዚ ጉዕዞ እዚ ናይ ምሕዋይን ምትዕራቕን ስጒምቲ ከም ዝኸውን ተስፋ ንገብር፡ ምእንቲ እዚ ጒዕዞ ቅዱስነቶም ድማ ንጽሊ!

ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ንኽብሪ ቅዱስቲ ሃና ዝግበር ጒዕዞ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ናይ ካናዳ ሓዋርያዊ መገሻኦም ኣብታ ናይ ምዕራባዊ ኣውራጃ ኣልበርታ ኣብ ዝኾነት ከተማ ኤድሞንተን ብምእታዊ ዝጅመር ክኸውን እንከሎ፡ ከተማ ኤድሞንተን ኣብ ካናዳ እታ ዝበዝሐ ሓዳሪ ኣባይቲ ትምህርቲ ዝነበራ ከም ዝዀነትን ኣብዛ ከተማ እዚኣ ቅዱስነቶም ምስ ነበር ናይ ነበር ሓዳሪ ኣባይቲ ትምህርቲ ተማሃሮ ክራኸቡን ዕለት 26 ሓምለ ዓመታዊ በዓል ኣደሓጎ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ቅድስት ሃና ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሰርዑ እውን እዮም፥ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ቅድስቲ ሃና ዓቢይ ስፍራ ከም ዘለዋን ብፍላይ ከኣ ደቀባት ካናዳ እዚዮም ዘኽብርዋ ከም ዝኾነትን ቅዱስነቶም ምስቶም ደቀባት ሓቢሮም ናብ ቃላይ - ቅድስቲ ሃና ንግደት ክፍጽሙ ምዃኖም ናይ ካናዳ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ የመላኽት።

ኣብ ምሕዋይን ዕርቅን ዘተኰረ ስጒምቲ

ቅዱስነቶም በቲ ዘለዎም ዝክረ ነገር ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ካናዳ መሰረት ዕለት 28 ሓምለ ናብ ምብራቓዊ ከተማ ኵበክ ድሕሪ ምጒዓዝ ኣብቲ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ኣዚዩ ጥንታዊ ምዃኑ ዝንገረሉ ብዙሓት መንፈሳውያን ነጋዶ ዘአንግድን በቢ ዓመቱ ደቀባት መንፈሳዊ ነጋዶ ኣብ ዝበጽሕዎ ቅዱስ ስፍራ ቅድስቲ ሃና ዘበውፕረ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ እዮም ምስ ብጹዓን ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ካናዳ ክራኸቡን ምስ ኣቡናትን ደቀባት ካናዳን መኣዲ ድራር ብሓባር ክቋደሱ እዮም።

እቲ ናይ ቅዱስነቶም ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ካናዳ ዕለት 29 ሓምለ ኣብ ኣኳሊት ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ መራሕቲ ማሕበረሰብ ደቀባት ካናዳን ካብቲ ነበር ሓዳሪ ኣባይቲ ትምህርቲ ዝተረፉ ነበር ተመሃሮ ክፍሊ ሕብረተሰብ ደቀባት ክራኸቡን ዕለት 30 ሓምለ ንጐሆ ናብ ሓዋርያዊ መንበሮም ንኽምለሱ ናብ ሮማ ክነቕሉ ምዃኖም ኣብቲ ናይ ቅድስቱነቶም ናብ ካናዳ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ዝክረ ነገር ተመልኪቱ ከም ዘሎ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

25 June 2022, 16:36