ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ሞስኮ ምስ ርእሰ ብሔር ፑቲን ክራኸቡ ድልው ምዃኖም ይገልጹ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 2 ግንቦት ኮረረ ደላ ሰራ ምስ እተሰምየ ናይ ኢጣሊያ ዕለታዊ ጋዜጣ ዋና ኣሰናዳኢ ሉቻኖ ፎንታና ዘካየድዎ ዕለት 3 ግንቦት ንንባብ ኣብ ዝበቕዔ ቃለ መሕትት ፥ “ቅድሚ ናብ ኪየቭ ናብ ሞስኮ ክኸይድ ዘሎኒ ኮይኑ እዩ ዚስምዓኒ፥ እቲ ንጹር ዝኾነ ነገር ከኣ ኣብታ ሃገር ኣጽዋር ይፍተን ምህላዉ እዩ። ነቲ ዝተዳለወ ኣጽዋር ንምፍታን ውግእ ይግበር ምህላዉ እዩ።” ኢሎም።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ኣብዚ ቅነ እዚ ኣብ ብርኮም ዝስሞኦም ቃንዛ ናይ ጅማውቲ ብርኪ ጸገም ዘስዕበሎም ዘሎ ምዃኑ ሓቢሮምን መጥባሕቲ ክግበር ድየ ኣይክገብርን ክንርእዮ ኢና - ቢሎም - እዚ ቃንዛ እዚ ካብ ዝጅመሮም ነዊሕ ከም ዝገበረን ብዙሕ ደው ክብሉን ብእግሮም እውን ክጓዓዙ ጸገም ይፈጥረሎም እውን ከም ዘሎ ይሕብሩ።
ቅዱስነቶም ምስ ናይ ኢጣሊያ ኮረረ ደላ ሰራ ዕለታዊ ጋዜጣ ዋና ኣሰናዳኢ ፎንታናን ምኽትል ዋና ኣሰናዳኢ ፊዮረንዛ ሳርዛኒን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ ካብ ዕለት 24 ሚያዝያ 2022 ዓ.ም. ኣትሒዙ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ደው ክብል ደጋጊሞም ጻውዒት የቕርቡ ከም ዘለዉን ብስልኪ እውን ምስ ናይ ዩክረይን ርእሰ ብሔር ዜለንስኪ ተራኺቦምን ክሳዕ ሕጂ እውን ንሩሲያን ዩክረይንን ክሽምግሉ ስንደው ምዃኖም ብዘይ ምቑራጽ ከም ዝሓትቱ ገሊጾም። ብዙሕ እውን ከም ዝፈተኑ ይሕብሩ። “ንናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ድሕሪ ዕስራ መዓልቲ ምብጋስ እቲ ውግእ ናብ ሞክሶ ክኸይድ ፍቓደይና ምኻነይን ንርእሰ ብሔር ፑቲን ነዚ ዝገልጽ መልእኽቲ ክልእኹ ሓቲቶሞም ከም ዝነበሩ ኣዘኻኺሮም፡ ብርግጽ ናይ ክረምሊን መራሒ ንተስፋ ዝኸውን መስኮት ኣብ ምኽፋት ክርከቡ ብዝብል እምነት እዩ። ክሳዕ ሕጂ መልሲ ኣይረኸብናን። ኣብዚ እዋን እዚ ነዚ ክሌኣዊ ክርብ እዚ ክገብሩ ከም ዘይኽእሉን ኪገብሩ እውን ድላይ ከም ዘይብሎም ኮይኑ ይስምዓኒ እንተ ዀነ ግን ኣትሪርና ኢና ንሓትት ዘሎና። ነዚ ኵሉ ጭካነ እዚ ብኸመይ እዩ ደው ንኸተብሎ ዘይድለ? ቅድሚ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ምስ ሩዋንዳ እውን ተመሳሳሊ ተመክሮ እዩ ዘጋጠመና . . . ።
ነቲ ዘዳለናዮ ኣጽዋር ንምፍታን ውግእ ይግበር
ቅዱስነቶም ነቲ ውግእ እተኻየደሉ ምኽንያት ነቲ ወትሩ ዝጻረርዎ ወርደት እንክብሉ ዝገልጽዎ ንግድ ኣጽዋር ውግእ ዘንጸባርቕ ምዃኑ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣብሪሆ፥ ኣስዒቦም ክረምሊን ክፉት ስጒምቲ ክትወስድን ነቲ ውግእ ከተካይዶ ዝገበራ ኣብ ኣፍደግኣ ናይ ሰሜን ኣትላንትክ ቃል ኪዳን ብጭቡጥ ክህሉ እዩ ካብ ዝበሃል ሓሳብ ዝነቐለ ምዃኑ ይንገር። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ነቲ ውግእ ኣቀላጢፋቶ ትኸውን እዚ ግን መፍትሒ ኣይኮነን . . . ንዩክረይ ኣጽዋር ውግእ ምቕራብ ወይ ዘይምቕራብ ዝብል ጒዳይ ካባይ ዝርሓቐ እዩ . . . ከመይ ገይረ መልሲ ከም ዝህብ እውን ኣይፈልጥን . . . ሩሲያውያን ታንክታት ጥቕሚ ከም ዘይብሉ ይፈልጡ እዮም . . . ካብዚ ወጻኢ ክሓስቡ ዝጀመሩ እውን ይመስል። ንዝተመሃዘን ዝተዳለወን ኣጽዋር ንምፍታን ዝግበር ውግእ እዩ። ንግድ ኣጽዋር ውግእ ዝቃወሙ ሒደት እያቶም እቲ ብርቱዕ ጐስጓስ ክግበረሉ ዘለዎ እዚ ጒዳይ እዚ እዩ። ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣቢሉ ይኸውን ብዝመስለኒ ሓንቲ ኣጽዋኣር ውግእ ናብ የመን ንኸተብጽሕ ብወደብ ጀኖቫ ትሓልፍ ዝነበረት መርከብ ከም እተዓገተት ይዝከር። እቲ ብብርቱዕ ክስርሓሉ ዘለዎ ንግድ ኣጽዋር ውግእ ምውጋድ እዩ . . . ።
ናብ ሩሲያ ክግበር ዝድለ ሓዋርያዊ መገሻ
ነቲ ዘሎ ግጭትን ዓመጽን ዝተመልኦ ኵነት ኣብ ግምት ብምእታው ቅድሚ ናብ ኪየቭ ናብ ሩሲያ ከብጽሑ ድላይ ከምዘለዎም ገሊጾም። ብህጹጽ ምስ ፑቲን ክራኸቡ እውን ድላይ ከም ዘለዎምን ኣነ ካህን እየ ከም ካህን ድማ ዝከኣለኒ ኵሉ ክግበር እየ ዚደሊ . . . ርእሰ ብሔር ፑቲን ማዕጾኦም እንተድኣ ከፊቶምለይ ዝፍጸም ክሌኣዊ ርክብ ይኸውን . . . ።
ምስ እዚ ኣተሃሒዞም ቅዱስነቶም ብሓባር ምስ ናይ መላእ ሩሲያን ሞስካን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ ኪሪል ኮይኖም ነዚ ውግእ እዚ ደው ንምባል ክጽዕሩ ዘለዎም ድላይ ብርቱዕ ምዃኑ ኣረጋጊጾም፡ ዕለት 15 መጋቢት 2022 ዓ.ም. ምስ ብጹዕ ወቅዱስ ፓትሪያርክ ኪሪል ብኽሱት ምስማዐ ርእየት ተራኺቦም ነርብዓ ደቓይቕ ዘካየድዎ ርክብ ዘኪሮም፡ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ውግእ እውን ነቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ወርሒ ሰነ ዕለት 14 ብመደብ ተታሒዙ ዝነርበ ክሌኣዊ ርክብ በቲ ውግእ ምኽንያት ንግዚኡ ይጽናሕ ዝብል ካብ ፓትሪያርክ ኪሪል ዝቐረበሎም ሓሳብ ዘኪሮም . . .ኣነ ብውገነይ፥ ኣንሕና ናይ መንግስቲ ኣቕሽሽቲ ኣይኮናን ናይ ፖለቲካ ቋንቋ ክንጥቀም እውን ኣይግባእን የግዳስ ናይ ኢየሱስ ቋንቋ ኢና እንጥቀም፡ ጓሶት ናይቲ ቅዱስ ህዝቢ ኣምላኽ ኢና፡ ስለዚ ከኣ ነቲ ውግእ ደው ብምባል መገዲ ሰላም ከነናዲ እዩ ዘሎና። እቲ መደብ ክሌኣዊ ርክብ ምስ ውግእ ዘራኽብ ስለ ዘይብሉ ገጽ ንገጽ ክንራኸብ እዩ ድላይ ዝነበረኒ። እዚ ሓሳብ እዚ እውን ይሰማምዑሉ እዮም። ንድሕሪት ምምላስ ግና ዘይንጹር ምልክት እዩ ክኸውን ዝኽእል።
ውግእ ዝካየደሉ ምኽንያት
ቅዱስነቶም ብዛዕባ ውግእ ኣብ ዝምልከት ጒዳይ ራእዮም ኣስፍሕ ኣቢሎም ብዛዕባ መሰላት እቶም ኣብታ ውግእ ዝካየደላ ዓለም ዘለዉ ህዝብታት ይዛረቡ። እዚ ኸኣ መብዛሕቲኡ ግዜ እቲ ዘሎ ውግእ “ሳልሳይ ውግእ ዓለም” ዘለዓዕል ክኸውን ይኽእል ዝብል ፍርሂ ኣሎ ቢሎም . . . ሶርያ የመን ዒራቕ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ውግእ እውን እናሓሰቡ፡ ኣብ ውግእ ኣህጉራዊ ረብሓታት ኣሎ። ሓደ ናጻ ሉዑላዊ ሃገር ምስ ካልእ ናጻን ሉዑላውን ሃገር ኪዋጋእ ይኽእል ቢለ ክሓስብ ኣይክእልን ኣይደልን እውን። ነቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ዘበገሱ ካልኦት ኢዮም ዚመስሉ። ዩክረይን ኣብ ጉዳይ ዶባንስ ብዛዕባ ዝፈጸመቶ ምላሽ ክትህበሉ ክትሕትት ትኽእል እዚ ቅድም ዓሰርተ ዓመት ዝተፈጸመ ጉዳይ እውን እዩ። ጥንታዊ ጒዳይ እዩ። . . .
ብዛዕባ ኢጣሊያ
ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ብዛዕባ ኢጣልያ ኣብ ዝምልከት ጒዳይ ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፡ ምስ ናይ ኣገልግሎት ዘመኖም ምስ ዘብቅዑ ድዩ ምስቶም ኣብ ኣገልግሎት ዘለዎ ርእሰ ብሔርን መራሔ መግንስትን ሰናይ ርክብ ከም ዘለዎምን ምስቶም ምስ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣመለኻኽታ ምስ ዘይሰማማዑ ናይ ፖለቲካ ኣካላት እውን ከይተረፈ ሰናይ ርክብ ከም ዘለዎም ገሊጾም . . . ኣስዒቦም ብዛዕባ ኣብ ቫቲካን ዝተበገሰ ሕዳሰን ኣመልኪቶም። እቲ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኢጣሊያ ዘድሊ ሕዳሴ ንኣቡናት ምቕያር ኣኮነን ዘረጋግጾ፡ ካርዲናል ጋንቲን “ኣቡን መራዓዊ ቤተ ክርስቲያን እዩ። ነፍሲ ወከፍ ኣቡን መላእ ህይወቱ ዝነብሮ ጸዋዕታ እዩ” እንክብሉ ኣብ ሓደ እዋን ዝገለጽዎ ሓሳብ ጠቒሶም፥ ስለዚ እዩ ድማ ካህናት ዝመረጽኵ፡ ከምቲ ኣብ ጆኖቫን ቶሪኖን ካላብርያን ዝሰመኽዎም ጳጳሳት። እዚ ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኢጣሊያ ሕዳሴ እዩ። ምስ በሉ ዝቕጽሉ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ዝኾኑ ክሓርዩ ምዃኖምን በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ለውጢ ክገብር ዚደል ሰብ ክረክብ እጽዕር ኣለዅ፥ ዝውስን ቆራጽን ካርዲናል ክኸውን እምነ። እቶም ዝስመዩ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብቐረባ ምስኦም ዝዓዩ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፍ ናይቲ ቤት ምኽሪ ዝመርጹ ክኾኑ ኣለዎም እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።