ድለ

ፍራንቸስኮ፥ ተነቃፊ ምዃንካ ኣፍልጦ ብምሃብ ናብቲ ናይ ካልኦት ተነቃፍነት ገዛእ ርእስኻ ትሕት ምባል ፍራንቸስኮ፥ ተነቃፊ ምዃንካ ኣፍልጦ ብምሃብ ናብቲ ናይ ካልኦት ተነቃፍነት ገዛእ ርእስኻ ትሕት ምባል 

ፍራንቸስኮ፥ ተነቃፊ ምዃንካ ኣፍልጦ ብምሃብ ናብቲ ናይ ካልኦት ተነቃፍነት ገዛእ ርእስኻ ትሕት ምባል

ቤተ ክርስቲያን ንኻልኦት ብምግልጋል ህይወታ ክትህብን ከተገልግልን ተነቃፊ ምዃና ከተለልዮን ክትቅበሎን ካብቲ ዝዕድማ ጐይታኣ ተማሃረት፡ ካብዚ ተበጊሳ ድማ ናብቲ ናይ ካልኦት ተነቃፍነት ገዛእ ርእሳ ትሕት ብምባል ተገልግል

“ተኣፋፍነትን ሲኖዳውነትን”ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ካብ ዕለት 2 ክሳዕ ዕለት 6 ግንቦት ኣብ ዝተኻየደ ናይ መላእ ማሕበራት ደናግልን ገዳማውያትን ላዕለዎት ኣሕሉቕ ዝሓቍፍ ኣህጉራዊ ማሕበር ኣብ ዘዳለዎ ዓውደ ጉባኤ ተጋባእያን ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጒባኤ ኣድራሽ ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱን፥ እዚ ዓውደ ኣኼባ እዚ ነቲ ሲኖዳውነት ኣብ ዝብል መርሕ ቃል ተማእኪሉ ንዝካየድ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ዓቢይ ኣበርክቶ ዘለዎን ኣገድስቲ ሕቶታት ከይተረፈ ዘቕርብ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ነተን ናይ ዝተፈላለያ ማሕበራት ደናግልን ገዳማውያትን ብጠቕላላ 900 ላዕለዎት ኣህጉራዊ ሕብረት ላዕለዎት ኣሕሉቕ ኣብ ዘካየዶ ሓፈሻዊ ጉባኤ ተጋባእያን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጒባኤ ኣዳራሽ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥

ተነቃፊ እኳ እንተዀንና ገዛእ ርእስኻ ኣብ እግሪ ሰብኣውነት ትሕት ምባል ምግልጋል

ጴጥሮስ ኣመለኻኽታኡ ክቕየር ፍቒዱ መግደላዊት ዝነበራ ዝሓለፈ ታሪኽ ብዘየገድስ ሃዋርያት ክትከው ተመርጸት፡ ካብዚ ኣብዞም ክልተ ኣብ ሓድሽ ኪዳን እንረኽቦም ገጸ ባህርያት ነቒሎም ሎሚ ኣገዳስነት ጽንዓት ኣብ ኣገልግሎትን ጽን ምባልን ንሓድሕድካ ምስምማዕን ምሉእ ውህደትን ዘለዎ ኣገዳስነት እንከብርሁ፥

ቤተ ክርስቲያን ንኻልኦት ብምግልጋል ህይወታ ክትህብን ከተገልግልን ተነቃፊ ምዃና ከተለልዮን ክትቅበሎን ካብቲ ዝዕድማ ጐይታኣ ተማሃረት፡ ካብዚ ተበጊሳ ድማ ናብቲ ናይ ካልኦት ተነቃፍነት ገዛእ ርእሳ ትሕት ብምባል ተገልግል

እዚ ኣርኣእያ እዚ ስልጣን ኣገልግሎት ምዃኑ ከተስተውዕሎን በዚ መንፈስ እዚ ክንነብሮን ብሓጺሩ ትርጉም ስልጣን ኣገልግሎት ማለት ምዃኑ እዩ ዘረጋግጸልና። ነቲ ምስ ውፉይ ህይወትን ገዳማውን ጸዋዕታት ዘለዎ ተነቃፊ መዳያት ኣብ ግምት ብምእታው፥ ነቲ ዝርአ ዘሎ ዋሕዲ ውፉያን ነቲ ኣብ ማሕበራዊ መዳይ ጥራሕ ምውፋር ዝብል ኣመለኻኽታን እወታውን ትግሃትን ኣርእያ ንኽንሕዝ ዝድርኸና እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ ስለዚ ኣገልጋሊ ምዃን ጊላ ምዃን ማለት ከም ዘይኮነ ኣመላኺቶም፥

ትሕት ምባል ኪበሃል ከሎ ናብ ናይ ገዛእ ርእስኻ እቝሳል ምጉባጥን ምስሉይ ምዃንን ማለት ዘይኩነስ ከምቲ ጴጥሮስ ዝገበሮ ሓደ ሰብ ብቝዕ ንኪኸውንን ንኺሓውን ከምኡ እውን ምስ ኢየሱስ ሓድሽ ጒዕዞ ንኺጅምር ነቲ ብቑዕን ምሕዋይን ናብ ዚገብር ምልዋጥ ንዝመርሕ ምርኻብ ክፉት ምዃን ማለት እዩ

እንክብሉ ኣብሪሆም ቅዱስነቶም እቲ ናይ ብሓቂ ቲዮሎጊያዊ ቦታ እቲ ገዛእ ርእስኽ ትሕቲ እተብለሉ እግሪ ሰብኣውነት እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ እዚ ኣረኣእያ እዚ ምንጪ ሓጐስን ዕብየትን እዩ። ምኽንያቱ ነፍሲ ወከፍና ነቲ ናይ ምምሃዝ ክእለትናን መንፈሳዊ መስህብናን ከነንብቦ ስለ ዘኽእለና። ብወንጌል መንፈስ ንኽትንቀሳቐስን ንኸተገልግል ዘኽእል ሓድሽ ዓይነት ናይ ኣገልግሎት መገድን ሓድሽ ኣገባብን ንምርካብ ከፍርሓና የብሉን።

ህልዮን ርእየተ ዓለምን ወንጌል ዘሰንኵሉ ስለ ዝዀኑ፡ ካብ ትርጋጽ ማሕበርሰብ ጀምርካ ናብ ዝቖሰለ ሰብኣዊ ፍጥረት ቀሪብካ ምስ ዝቖሰሉ ኣሕዋትን ኣሓትን ምዃንን ሓቢርካ ምጉዓዝን ዘኽእል መገዲ ምልላይ የድሊ እዚ እዩ ንወንጌል ዘቕርበካ

ኣብ መስርሕሲኖዳውነት፥ “ሃነጽቲ ሕብረት” ምዃን

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ነተን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ናይ ዝተፈላለያ ናይ ደናግል ማሕበራትን ገዳማውያት ማሕበራት ኣሕሉቕ ዝሓቁፍ ኣህጉራዊ ማሕበር ኣሕሉቕ ኣባላት፥ ኣብቲ ናይ ሲኖዳውነት መስርሕ ብንጥፈት ክሳተፋ ዓዲሞም፡ “ልዕሉ ኵሉ ግን ኣብ ውሽጣዊ ህይወት ነፍሲ ወከፍ ማሕበርክን በመንፈስ ቅዱስ ንዝጸውገዎ መንፈሳዊ መስህብ ብምንባር ከሀብትመኦ” ተማሕጺኖም፡ ናይ ሱታፌን ሓድነትን ሓነጽትን ኣለምቲ ርክባትን ምዃን ከም ዘድሊ ኣተሓሳሲቦም፥

ንሓድ ሕድና ንኽንሰማማዕ ንኽንተባባዕ ከምኡ እውን ብዛዕባ እቲ ሎሚ ኣገዳሲ ክፍሊ ገዳማዊ ሕይወትን ውፉይ ሕይወትን ዘቕርቦ ሕቶታት ንኸነቕርብ ሓቅን ግልጽን ብዝኾነ ኣገባብ ክንዛረብ ይግባኣና። ነቃፍነትክን ከፍርሃክን የብሉን ንኢየሱስ ኣቕርባሉ!

ቢሎም፥ ዓለማውያን ምእመናን ኣብቲ ናይ ነፍሲ ወከፍ ማሕበራትን ገዳማትን መንፈሳዊ ውህበት ክካፈሉ ዘኽእሎም ሓድሽ ዓይነት ኣገባብ ኣገልግሎት ምልላይ ህጹጽ ምዃኑ ኣጒሊሖም፡ ብፍላይ ብዛዕባ እተን ዋሕዲ ጸዋዕታ ዝረኣየለን ብቑጽሪ እናነከያ ዝኸዳ ዘለዋ ማሕበራትን ገዳማትን እናሓሰቡ፥ “እቲ ሲኖዳውነት ዝብል ባህ ዘብል ምልክት ሓባራዊ ፈውሲ እዩ ክኸውን” እንክብሉ ተማሕጺኖም፥ “እቲ ኣገዳሲ ነገር ወትሩ ንጐይታ እሙንን መሃዝን መልሲ ምሃብ እዩ” እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

06 May 2022, 16:55