ውግእ ወትሩ የደናግር! እንተ ሕውነት ግን ሰላም የስፍን! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ዘዝሓልፈ እናረሳዕና ብግዝያዊ ጸገማትን ግጭታትን ደኣ ንድነቅ ኰና እንበር እዚ ሎሚ ንዓለምና ዘቊስል ዘሎን ንውሕስነት ሕይወት ኩልና ኣብ ሓደጋ ዘውድቅ ዘሰክፍ ግጭታት ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ዝነበረን ዝኾነ ዓመጽ ከኣ ሓሶትን ሸለልትነትን ከም ቀንዲ መጋበሪ ከም ዝጥቀም ብሩህ ምዃኑ ዝገልጹ ቅዱስነቶም እግዚኣብሔር ግን ክፈጥረና እንከሎ ነዛ ዓለምና ናይ ኣሕዋትን ኣሓትን ዓለም ክትከውን ተመንዩ ከምዝፈጠራ ኣዘኻኺሮም።
እቲ ውድብ ኣብ ልዕሊ ዕብራውያን ብዝወረደ ስደትን መከራን ንዝሰዓበ ድኽነትን ጸረ ሰማዊ ምንቅስቃስን ንምግታእን ንምሕጋዝን ኣብ ኒዮርክ ብስደት ብዝኸዱ ዕብራውያን ዝቆመ እዩ፤ ቅዱስነቶም ነቲ ኣይሁድን ክርስትያንን ከም ሓባራዊ ውርሻ ዝዝክርዎ ቃል ኣምላኽ ብምዝኽኻር ቃሎም ከምዚ ክብሉ ጀመሩ።
ንጽጉማት ምድጋፍ!
ነዚ ንዓለምና ኣጸጊሙ ቀንዲ ፍታሕ ይኸውን ዝበልዎ ሓሳብ እንከቅርቡ ከኣ ሰፊሕ ሕውነት ዝዓሰሎ ናብራ ምድንፋዕ ነዚ ንምግባር ከኣ ነቶም ናይ መጨረሻ ክፍሊ ሕብረተሰብና ዝኾኑ ማለት ንድኻታትን ንሕሙማትን ብምርዳእ ምዃኑ ገሊጾም። እዞም ሎሚ ኣብ ብርቱዕ ጸገም ዝርከቡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንክሕገዙ መሰል ከምዘለዎም ናብራኦም ንክቅጽሉ ብተስፋ ንክጐዓዙ ደገፍ ከምዘድልዮም ብሩህ እዩ። ንዕብራውያንስ ይኹን ንክርስትያን ንጽጉማት ምርዳእ ናይ ልዑል እግዚኣብሔር ፍቃድ ኣብ ግብሪ ምውዓል ስለዝኾነ ነቲ ጽልእን ምስሕሓብን ክፈጥር ዝኽእል ድኽነት ነወግድ ኢሎም።
ድኽነት ጽልኢ የጐሃህር!
ቅዱስነቶም ናብ ኩነታት ግጭትን ምኽንያቶምን ብምትኳር ‘ነዚ ኣብ ዓለምና ዝረኤ መጠን ኣልቦ ግጭታትን ሓደገኛታት ጽንፊ ዝረገጹ ምስሕሓባትን ብምሕሳብ እቲ ዚዓበየ ምኽንያትን ንሕይወት ኩልና ኣብ ሓደጋ ዘውድቅን ብቀንዱ ድኽነት ምዃኑ፤ ድኽነት ብድኽነቱ ከኣ ንዋታዊ ድኽነትን ይኹን ድኽነት ኣእምሮን ትምህርትን ከማኡ እውን መንፈሳዊ ድኽነት እዩ። እዚ ድኽነት እዚ ከኣ ጽልእን ቊጥዓን ከማኡ እውን ተስፋ ቊርጸትን ጽንፊ ዝረገጸ ኣተሓሳስባ ንምዝውታርን ጥጡሕ ባይታ ይፈጥር ኢሎም።
ቅዱስነቶም ንዝኽሪ ከም መምሃርን መአረምን ንምጥቃም ዝሓለፈ ውግኣት ናይ ሸዋ ጽንተት ዕብራውያን ብምዝካር ካባኡ ዝገደደ ከይክሰት ምክልኻል ከምዘድሊ ኣዘኻኺሮም። ከም ባህሪ ኣብ ዝኾነ እምነታውን ማሕበረሰባውን ባህሊ ሓደጋ ቂመበቀልን ኣብቲ ክትንከፍ ዘይግብኦ መሠረታዊ ዕላማታትን ቅዱሳት ጉዳያትን ከይተረፈ ክጓንፍ ስለዝኽእል እዚ ዝኽሪ እዚ ንምእራምን ከማኡ ንከይድገም መምሃርን እምበር ናይ ጽልኢ መጋበሪ ከይከውን ሓድራ ኢሎም።
ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ቃሎም ነቲ ኣብ መንጎ ዕብራውያንን ካቶሊካውያንን ዝግበር ዘተ ንከደንፍ ዑን እዚኣ ከኣ ንመሰል ደቂሰባት ንምክልኻልን ሰላምን ፍትሕን ንምንዳይን ንፍጡር ንምክንኻንን ክኸውን ሓደራ ኢሎም።