ድለ

2022.05.30 Delegazione del B'Nai B'rith International 2022.05.30 Delegazione del B'Nai B'rith International 

ውግእ ወትሩ የደናግር! እንተ ሕውነት ግን ሰላም የስፍን! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣባላት ዓለምለኸ ውድብ ብናይ ብሪዝ ዝበሃል ኣብ ኒው ዮርክ ብ1843 ዓም ንድኻታት ንምሕጋዝን ጸረ ሰማውነት ንምቅላስን ዝቆመ ማሕበር ተቀቢሎም ኣዘራሪቦም። ኣብ መጻኢ ክስዕብ ንዝኽእል ምግንፋል ክፍኣት ንምክልኻል ዝኽሪ ሕሉፍ ምግባር ኣድላዪ ምዃኑ ከምዝገለጹሎም ተመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ዘዝሓልፈ እናረሳዕና ብግዝያዊ ጸገማትን ግጭታትን ደኣ ንድነቅ ኰና እንበር እዚ ሎሚ ንዓለምና ዘቊስል ዘሎን ንውሕስነት ሕይወት ኩልና ኣብ ሓደጋ ዘውድቅ ዘሰክፍ ግጭታት ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ዝነበረን ዝኾነ ዓመጽ ከኣ ሓሶትን ሸለልትነትን ከም ቀንዲ መጋበሪ ከም ዝጥቀም ብሩህ ምዃኑ ዝገልጹ ቅዱስነቶም እግዚኣብሔር ግን ክፈጥረና እንከሎ ነዛ ዓለምና ናይ ኣሕዋትን ኣሓትን ዓለም ክትከውን ተመንዩ ከምዝፈጠራ ኣዘኻኺሮም።

እቲ ውድብ ኣብ ልዕሊ ዕብራውያን ብዝወረደ ስደትን መከራን ንዝሰዓበ ድኽነትን ጸረ ሰማዊ ምንቅስቃስን ንምግታእን ንምሕጋዝን ኣብ ኒዮርክ ብስደት ብዝኸዱ ዕብራውያን ዝቆመ እዩ፤ ቅዱስነቶም ነቲ ኣይሁድን ክርስትያንን ከም ሓባራዊ ውርሻ ዝዝክርዎ ቃል ኣምላኽ ብምዝኽኻር ቃሎም ከምዚ ክብሉ ጀመሩ።

“እግዚኣብሔር ነቲ ሓው ዝቀተለ ቃኤል ‘ሓውካ ኣበይ ኣሎ!’ ክብል ይሓቶ፤ እዛ ተዂታዂት ዝኾነት ሕቶ እዚኣ ሎሚ ንዓና እውን ትምልከት ኰይና ቀንዲ መልእኽታ ኸኣ ሓውኻ ኣበይ ከምዘሎ ኣመቱ ከይገበርካ ገዛእ ርእስኻስ ንፈጠሪ ኩልና ዝኾነ ዘለዓለማዊ ኣቦ ክንረክብ ኣይንኽእልን፤ ስለዚ ነቲ ናይ ኣሕዋት ዓለም ተኣኒኑ ዝፈጠረ መደብ ኣምላኽ ንውልቅና ከምዝተወለድናን ናይ ውልቅና ዓለም ብዓመጽን ብዛዕባ ካልኦት ኣይምልከተንን ዝብል ሸለልትነትን ዝወረሮ ናትና ዓለም ክንትክኦ ኣይንኽእልን፤ ነቶም ናይ መጨረሻ ክፍሊ ሕብረተሰብና ንደግፍ ኢሎም።”

ንጽጉማት ምድጋፍ!

ነዚ ንዓለምና ኣጸጊሙ ቀንዲ ፍታሕ ይኸውን ዝበልዎ ሓሳብ እንከቅርቡ ከኣ ሰፊሕ ሕውነት ዝዓሰሎ ናብራ ምድንፋዕ ነዚ ንምግባር ከኣ ነቶም ናይ መጨረሻ ክፍሊ ሕብረተሰብና ዝኾኑ ማለት ንድኻታትን ንሕሙማትን ብምርዳእ ምዃኑ ገሊጾም። እዞም ሎሚ ኣብ ብርቱዕ ጸገም ዝርከቡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንክሕገዙ መሰል ከምዘለዎም ናብራኦም ንክቅጽሉ ብተስፋ ንክጐዓዙ ደገፍ ከምዘድልዮም ብሩህ እዩ። ንዕብራውያንስ ይኹን ንክርስትያን ንጽጉማት ምርዳእ ናይ ልዑል እግዚኣብሔር ፍቃድ ኣብ ግብሪ ምውዓል ስለዝኾነ ነቲ ጽልእን ምስሕሓብን ክፈጥር ዝኽእል ድኽነት ነወግድ ኢሎም።

ድኽነት ጽልኢ የጐሃህር!

ቅዱስነቶም ናብ ኩነታት ግጭትን ምኽንያቶምን ብምትኳር ‘ነዚ ኣብ ዓለምና ዝረኤ መጠን ኣልቦ ግጭታትን ሓደገኛታት ጽንፊ ዝረገጹ ምስሕሓባትን ብምሕሳብ እቲ ዚዓበየ ምኽንያትን ንሕይወት ኩልና ኣብ ሓደጋ ዘውድቅን ብቀንዱ ድኽነት ምዃኑ፤ ድኽነት ብድኽነቱ ከኣ ንዋታዊ ድኽነትን ይኹን ድኽነት ኣእምሮን ትምህርትን ከማኡ እውን መንፈሳዊ ድኽነት እዩ። እዚ ድኽነት እዚ ከኣ ጽልእን ቊጥዓን ከማኡ እውን ተስፋ ቊርጸትን ጽንፊ ዝረገጸ ኣተሓሳስባ ንምዝውታርን ጥጡሕ ባይታ ይፈጥር ኢሎም።

“ዘሎናዮ ዘመን ሰላም ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ዓለምና ኣብ ሓደጋ ዘላትሉ ዘመን እዩ፤ ፍሉይ ጉዳያትን ጸቢብ ሃገራውነትን ብግላዊ ረብሓን ህርፋንን ተደፊኦም ንኩሉ ክቆጻጸሩ ዝደለዩ ይመስል፤ እንተኾነ ኣብ መወዳእታ እታ ትጭፍለቅ ክብሪ ወዲሰብ መሰል ወዲሰብ እያ።”

ቅዱስነቶም ንዝኽሪ ከም መምሃርን መአረምን ንምጥቃም ዝሓለፈ ውግኣት ናይ ሸዋ ጽንተት ዕብራውያን ብምዝካር ካባኡ ዝገደደ ከይክሰት ምክልኻል ከምዘድሊ ኣዘኻኺሮም። ከም ባህሪ ኣብ ዝኾነ እምነታውን ማሕበረሰባውን ባህሊ ሓደጋ ቂመበቀልን ኣብቲ ክትንከፍ ዘይግብኦ መሠረታዊ ዕላማታትን ቅዱሳት ጉዳያትን ከይተረፈ ክጓንፍ ስለዝኽእል እዚ ዝኽሪ እዚ ንምእራምን ከማኡ ንከይድገም መምሃርን እምበር ናይ ጽልኢ መጋበሪ ከይከውን ሓድራ ኢሎም።

“ንቃኤል ዘውደቀ ፈተና ዓመጽ ኩሉ ግዜ ኣብ ኣፋፈት ልብና ኣሎ፤ እዚ ፈተና እዚ ብዓመጽን ብውግእን ሽግራት ክፍትሑ ይከኣል እዩ ዝብል እዩ፤ እንተኾነ ዓመጽ ወትሩ ዓመጽ እዩ ዝወልድ፤ ኣጽዋር ውግእ ሞት እዮም ዘስዕቡ ውግእ ብምንም ተኣምር ፍታሕ ግድል ኰይኑ ኣይፈልጥን ናብ ውግእ ምእታው ወትሩ ሽንፈት እዩ ኢሎም።”

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ቃሎም ነቲ ኣብ መንጎ ዕብራውያንን ካቶሊካውያንን ዝግበር ዘተ ንከደንፍ ዑን እዚኣ ከኣ ንመሰል ደቂሰባት ንምክልኻልን ሰላምን ፍትሕን ንምንዳይን ንፍጡር ንምክንኻንን ክኸውን ሓደራ ኢሎም።

 

31 May 2022, 23:14