ፍራንቸስኮ፥ ሶዳኖ ኣብነታውን ተፈቃርን ወዲ ቤተ ክርስቲያን!
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት እቶም ዕለት 27 ግንቦት 2022 ዓ.ም. ኣብ መበል 94 ዓመት ዕድመኦም ዝዓረፉ ካርዲናል ሶዳኖ፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ክታም ዝተብሮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ፥ ነፍሰ ሄር ብጹዕ ካርዲናል ሶዳኖ ኣብነታውን ተፈቃርን ወዲ ቤተ ክርስቲያን እንክብሉ ከም ዝዘከረዎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ብጹዕ ካርዲናል ሶዳኖ - ኣነ እውን ብፍላይ ናይ ብጹዓን ካርዲናላት ኣፈ ጒባኤ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ካብቲ ኤቅለሲያዊ ተውህቦኦምን ፍልጠቶምን ኤቅለሲያዊ ኣእምሮኦምን ክጥቀም ኣጋጣሚ ረኺበ እየ” እንክብሉ ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተዘክሮኦም ብምክፋል፥
ኣብ ዝኸድካሉ ኵሉ ሞባዅዕቲ ወንጌል ምዃን
ነፍሰ ሄር ብጹዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ሶዳኖ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝለዓለ ሓዋርያዊ ኣርካናት ዝገልገሉ ብፍላይ ኣብ ስነ መላዊ ክለኣዊ ርክባት ቅድስቲ መንበር ዝነበሮምን ዓቢይ ሓዋርያዊ ሓላፍነት ዘኪሮም ካብ 1991 ክሳዕ 2006 ዓ.ም. ኣብ ዝተፈላለያ ሓዋርያዊ ሓላፍነት ማለት “ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ” ከምኡ እውን ኣብ ኤኳዶርን ኡሩጓይ ደሓር እውን ኣብ ቺለ ዕርቅን ሰላምን ውሑስ ኣብ ምግባር ዝነበሮም ግደን ኣብ ኵርያ ሮማና - ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ ሓዋርያዊ መንበረ ምሕደራ ኣብ ኣገልግሎቶም ኣብነታዊ ተወፋይነት ዝፈጸሙ ኮታ ኣብ ኵሉ መዝነቶም መባዅዕቲ ወንጌል ብምዃን ናይ ዝፍጸም ኣስፍሆተ ወንጌል ባህጐምን ጻዕርታቶም ዘደንቕ ፈቓር ጓሳ” እንክብሉ ከም ዝገለጽዎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ቅዱስ ኣቦና እቲ ናብ ሓብቲ ነፍሰ ሂር ብጹዕ ካርዲናል ሶዳኖ ማሪያ ሶዳኖ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ፥ ምእንቲ ስድራ ቤት ሶዳኖን ኣብታ ንፈለማ ግዜ ጒስነቶም ናይ ዝጀመሩላ ሰበኻ ኣስቲ ዝርከብ ማሕበርሰብ ክርስቲያን ካብ እግዚኣብሔር ምጽንናዕ ክረኽቡ ጸሎትም ምዃኑ ኣረጋጊጾም፥ ነቲ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቶም ነቶም ብቐረባ ዝኣልዮኦም ዝነበራ ደናግል ቅድስቲ ማርታ ስለ እቲ ሰናይ ኣገልግሎተን ኣመስጊኖም፥ ዘለኣለማዊ ዕረፍት ንነፍሰ ሄር ካርዲናል ሶዳኖ ተመንዮም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።