ድለ

2020.06.23 Pe Mauricio Jardim-POM-Brasile-giovani-missionari 2020.06.23 Pe Mauricio Jardim-POM-Brasile-giovani-missionari  (Arquivo POM Brasil)

ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ብቁሩብ ቊራቦ ናይ ዘይዓግብ እምነት ናህሪ እዩ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንዝመጽእ ሰንበት ኣብ ከተማ ልዮን ሃገረ ፈረንሳ ንዝፍጸም ሥርዓተ ብፅዕና መሥራቲት ግብረ ሠናይ ምውዕዋዕ እምነት ፓውሊን ዣሪኮ ንምፍጻምን ዓመታዊ ጉባኤ ጳጳሳዊ ግብረ ሠናይ ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ንዝርከቡ መልእኽቲ ከምዝጸሓፉን ብተልእኮ ስብከተ ወንጌል ገቢርካ ንለውጢ ምዕዳም ብምስክርነት እምበር ብምስዳዕ ኣይኮነን ኢሎም።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ንመልእኽቶም ነቲ መሥራቲት ጳጳሳዊ ማሕበር ግብረ ሠናይ ንምውዕዋዕ እምነት ፓውሊን ዣሪኮ ደጋጊማ ንእትብሎ ዝነበረት ቃል ብምዝኽኻር ከምዚ ክብሉ ይጅምሩ።

ፓሊን ዣሪኮ ‘ቤተክርስትያን ብመሠረቱ መንነታ ተልእኮ ስብከተ ወንጌል እዩ በዚ ከኣ ነፍስ ወከፍ እተጠምቀ ዘበለ ተልእኮ ኣለዎ ብዓንዲ ርእሱ እውን እቲ ተልእኮ እዩ’። ቀንዲ እጃም ጳጳሳዊ ማሕበር ግብረ ሠናይ ንምውዕዋዕ እምነት ከስ ነዚ ተልእኮ እዚ ኣብ ልቢ ነፍስወከፍ ንምስራጽ እዩ ኢሎም።

ዓመታዊ ሓፈሻው ጉባኤ ጳጳሳዊ ማሕበር ግብረ ሠናይ ንምውዕዋዕ እምነት ናይዚ ዓመት እዚ ኣብ ማእክለ ቫልፕረ ዘልዮን ሃገረ ፈረንሳ ካብ ሎሚ ክሳብ ዕለት 23 ግንቦት 2022 ይካየድ ምህላውን ኣብዚ ጉባኤ እዚ ከኣ ካብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሃገራውያን ኣብያተጽሕፈታት ናይቲ ማሕበር ወኪላትን ሓለፍትን ከባቢ 120 ከምዝኾኑ እውን ምስዚ ተታሕሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ናይዚ ማሕበር እዚ ዋና ሓላፊ ብፁዕ አቡነ ዣምፕየትሮ ዳል ቶሶ ስለዝምንታይ ነዛ ከተማ ሃገረ ፈረንሳ ከምዝመረጹ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ናይ ሎሚ ክልተ ሚእቲ ዓመት ይገብር ነዚ ማሕበር እዚ ዝመሥረተት ፓውሊን ዣሪኮ ብፅዕና ንዚመጽእ ሰንበት ክእወጅ ስለዝኾነ ምሳኡ ክተሓሓዘልና ደሊና ኢና። ነቲ ሥርዓት ዝፍጽሙ ከኣ ናይ ስብከተ ወንጌል ኣሕዛብ ሓላፊ ብፁዕ ካርዲናል ልዊ ኣንቶንዮ ታግለ ክፍጽምዎ ምዃኖም እውን ኣመልኪቶም።

ጳውሊን ንተልእኮ ስብከተወንጌል ቤተክርስትያን ምድጋፍ ኣብ መበል 23 ዓመታ እያ ጀሚራ። ድሕሪ ቁሩብ እዋን ሕያው መቊጸርያ ብዝብል ምንቅስቃስ ስለ ተልእኮ ስብከተወንጌል ጸሎት ምዕራግን መባእ ምቅራብን ጀመረት። ካብ ሃብታማት ስድራቤት እኳ እንተተወልደት ብድኽነት እያ ሕይወታ ዛዚማቶ። ነዚ ምርጫ እዚ ከኣ ቤተክርስትያን ሰማያዊ መዝገብ ሃብቲ ንምውራስ ዝተገብረ ንዘሎካ ኩሉ ብምውፋይ ዝግበር ምዃኑ እውን ገሊጾም።

ዝኽሪ 100 ዓመት ጳጳሳዊ ማሕበር ግብረ ሠናይ ንምውዕዋዕ እምነት

ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ዘዘኻኸርዎ ሓደ ዓቢይ ጉዳይ እዚ ማሕበር እዚ ምስተን ካልኦት ክልተ ክፍልታት ምግባረ ሠናይ ማሕበር ስብከተወንጌል ኣህዛብ ዝኾና ቅዱስ ሕጻንነትን ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዋርያ ዝብላ ኣካላት እውን ር.ሊ.ጳጳሳዊ ኣብ ዝብል ብፖንቲፊቻ ዝፍለጥ ደረጃ ክብ ካብ ዝብላ ድሮ ሚእቲ ዓመት እንክዝከር ብዓንዲ ርእሱ ሕብረት ር.ሊ.ጳጳሳዊ ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ዝመሥረተ ብፁዕ ፓውላ ማና መበል 150 ዓመት ልደቱ ምዃኑ ገሊጾም። እታ ብፕሮፓጋንድ ፊደ ትፍለጥ ማሕበር ስብከተወንጌል ኣህዛብ እውን መበል 400 ዓመት ምሥረታኣ ትዝክረሉ ሠናይ ግዜ ምዃኑ ዘኪሮም እዚ ኩሉ ኩለን እተን ኣብ ትሕቲኣ ዝመሓደራ ኣገልግሎታትን ቤተክርስትያን ኣብ ትሕቲ ጒስነት እዛ ማሕበር እዚኣ ዝመደበቶም ክልላትን ነቲ እዛ ማሕበር እዚኣ ስብከተ ወንጌል ክሳብ ኣጽናፈ ዓለም ንምብጻሕ ንምድጋፍን ንምውህሃድን ከምዝቆመ እውን ኣመልኪቶም።

ቤተክርስትያንን ስብከተወንጌልን!

ቅዱስነቶም ብዓንዲ ርእሱ ቤተክርስትያን ባህርያ ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ምዃኑ ይገልጹ እሞ ካብ ትምሥረት ኣትሒዛ ካብዚ ተልእኮ እዚ ኣብኲራ ከምዘይትፈልጥ እኳ ደኣ ሕጂ ኣብ ዘመን ጵጵስናኦም ንሕዳሴ ናይቲ ብኩርያ ሮማና ዝፍለጡ ላዕለዎት ቤት ጽሕፈታት ቅዱስት መንበር ንልዕሊ ትሽዓተ ዓመት ዝተሠርሓሉ ሰነድ ብሓዋርያዊ ኣዋጅ ፕረዲካተ ኢቫንጀልዩም ነታ ሑሩ ወመሐሩ እትብል ትእዛዝ ጐይታ ብዝበለጸ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝዓበየ ሓላፍነት ናይዚ ከኣ ማሕበር ስብከተ ወንጌል ንኣህዛብ ከምዝኾነ ገሊጾም። እዛ ማሕበር እዚኣ ነቲ ዚካየድ ለውጢ ስብከተወንጌል ቤተክርስትያን ካብ ክተስድዕ ቢልካ ምስራሕ ብምስክርነት ክግበር ነዚ ከኣ ካብ ገዛእ ርእስኻ ውጽእ ኢልካ ብሕይወትካ ነቲ እግዚአብሔር ብነጻ ዝዓደለና ፍቅሩን ድሕነቱን ብምብሳር ኩልና ኣሕዋትን ኣሓትን ክንከውን ዝተጸዋዕና ምዃንና ምብሳር እዩ ኢሎም።

ለውጢ ተልእኮ ስብከተወንጌል፣

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም መልእኽቶም ኣብ ታሪኽ ጳጳሳዊ ማሕበር ግብረ ሠናይ ንምውዕዋዕ እምነት ምልስ ይብሉ እሞ፣ ምስጋና ንሥራሕ መንፈስ ቅዱስ ይኹን ንስፍሓት ወንጌል ኣብ ታሪኽ እዚ ማሕበር እዚ ከምዝድንፍዕ ዝገበሩን ዓቢ ኣበርክቶ ዝሃቡን ሠለስተ ጉዳያት ጠቂሶም። እዚአን ሰለስተ ነገራት ለውጢ ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ጸሎትን ብግብሪ ናይ ፍቅሪ ሥራሕ ምዝውታርን እየን ኢሎም። ብዓንዲ ርእሱ ጽባቄ ተልእኮ ስብከተወንጌል ካብ ገዛእ ርእስኻ ውጽእ ቢልካ ኣተኲሮ ናብ ኢየሱስ እምበር ናብ ገዛእ ርእስኻ ከይከውን ምጥንቃቅ የድሊ። እዚ ከኣ ነቲ ከገልግል እምበር ክግልገል ዘይመጸ ኢየሱስ ምስዓብ እዩ። ነዚ ኣብነት ትኾነና ከኣ መሥራቲት ጳጳሳዊ ማሕበር ግብረ ሠናይ ንምውዕዋዕ እምነት ፓውሊን ዣሪኮ ብስቃይ እውን ከይትረፈ እታ ሽግ ፍቅሪ ጐይታ ናብ ነፍስወከፍ ሰብ ክተበጽሕ ናይ ዘለዋ ኩሉ ገቢራ።

ጸሎት!

ቅዱስነቶም ብዛዕባ ጸሎት እንክዛረቡ ብዘይካ ጸሎት ምንም ክግበር ስለዘይከኣል ቀዳማይ ጉዳይ ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ጸሎት እዩ፣ ስለዝኾነ ፓውሊን ዣሪኮ ሕያው መቊጸርያ ስለዚ ዕላማ እዚ ብምድጋም እያ ጀሚራ፣ እዚ ከኣ መንፈስ ኣምላኽ ወትሩ ቀቅድሚ ተባርና ብምምራሕ ሠናይ ተግባር ንምፍጻም ብቀዳምነት ጸጋኡ ከምዘድልየና እንተዘየሎ ኩሉ ተልእኮ ስብከተወንጌልና ብከንቱ ምጒያይ ክኸውን እዩ ኢሎም።

ብግብሪ ዝግለጽ ናይ ፍቅሪ ሥራሕ!

ኣብ መወዳእታ ነታ ሳልሰይቲ ነጥቢ ንምግላጽ ቅዱስነቶም ናብቲ ፓውሊን ዣሪኮ ነቲ መደብ ጸሎተ መቊጸርያ ስለ ተልእኮ ስብከተወንጌል ንንውሕ ዝበለ ግዜ ድሕሪ ምዝውታር ንዋታዊ ደገፍ እውን ከምዘድሊ ስለዝተገንዘበት ሰፊሕ ምእካብ መባእን ሓገዝን ብምእካብ ናብቶም ኣብ ኩሉ ኲርናዓት ዓለም ናብ ዝርከቡ ምስቲ ካብ ካልእ ዝተፈላለያ ማሕበራት ረድኤት ዝልገስ ሓገዝ ብምውህሃድ ክትልእኽ ጀመረት። ነዚ ኣብነታዊ ዝኾነ ኣሰር ዓባይ ልእኽቲ ስብከተ ወንጌል ዝኾነት ፓውሊን ዣሪኮ ብምስዓብ ብጭቡጥ እምነታን ዝነኣድ ትብዓታን ምህዞ ዝመልኦ ልግሳን ክንምራሕ ሓደራ ብማለት መልእክቶም ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
17 May 2022, 12:42