ቤተክርስትያን ማለት ብመንፈስ ቅዱስ ዝምራሕ ሕዝበ እግዚኣብሔር እምበር መቆጻጸሪ ድጓና ኣይኮነን! ር.
ዜና ቫቲካን!
ንኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ብቀረባ ኣብ ቅድስት መንበር ኮይኑ ብዛዕባ እቲ ብላቲን ኣመሪካ ዝፍለጥ ሰፊሕ ግራት ስብከተወንጌል ደቡብ ኣመሪካን ካሪብያንን ምምሕዳር ንምሕጋዝ ዝቆመ ር.ሊ.ጳጳሳዊ ኮሚሽን ላቲን ኣመሪካ ሓፈሻዊ ዓመታዊ ጉባኤ ኣብ ዘካይደሉ ቅዱስነቶም ብቪድዮ ኣብ ዝለኣኽዎ መልእኽቲ ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ኮሚሽን ዝኾና ኅብረትን ተሳትፎን ኣብ ዝብላ ቃላት ምልስ ኢሎም ኅብረቶም እንተደኣ ኣደልዲሎም ተሳትፎ ኩሉ ከኣ ክውን እንተገሮም ብሓቂ ኣብ ጒዕዞ ሲኖዶስ ከምዘለው ብምግላጽ እዘን ክልተ ቃላት መምዘኒ ኩሉ ኣገልግሎቶም ክኾና ኣዘኻኺሮም።
ምስዚ ብምትሕሓዝ ቅዱስነቶም ናብ ምንጪ እዘን ጠመርቲ ኩሉ ተልእኮ ዝኾና ቃላት ምልስ ይብሉ እሞ ‘ኣበው ጳጳሳት ላቲን ኣመሪካ ኣብ ፕወብላ ዘካይድዎ ሳልሳይ ሓፈሻዊ ኮንፈረስ ረኪበ ጳጳሳት ደብብ ኣመሪካ እንክኸውን ካብዘን ቃላት እዚኤን ዘይትሰንፍ ለውጢ ጒስነታዊ ተልእኮ ዝብል ኣምር እውን ኣብ ሳንቶ ዶመኒጎ ዝተኻየድ ራብዓይ ሓፈሻዊ ኮንፈረንስን ኣብ ኣፓረሲዳ ዝተኻየደ ሓሙሻይ ሓፈሻዊ ጉባኤ ከምዝተጠቅሳ ዘክሩ’ እንክብሉ ሎሚ ዘሕልፉሎም መልእኽቲ ሓዲስ መልእኽቲ ሲኖዶስነት ዘይኮነ ነቲ ድሮ ኣቀዲሞም ኣበው ዘቀመጥዎ መሪሕ ሓሳባት ንመንፈስ ቅዱስ ጽን ቢልካ ብምስማዕ ሓዲስ ሓይሊ ኣልቢስካ ተበግሶ ምውሳድ ኮይኑ እዚ ከኣ ትልሚ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ሒዝካ ሓቢርካ ምጒዓዝ እንደገና ሀ ሁ ቢልካ ክትምሃሮ የድሊ ኢሎምዎም።
ሓቢርካ ምጒዓዝ ብትልሚ ጉባኤ ቫቲካን ዳግም ምጽናዕ!
ቅዱስነቶም ነቲ ቤተክርስትያን ኣብዘን ሰለስተ ዓመታት ብምሉእ ሓይላ ኣብ ኩሉ ኲርናዓት ምስ ዝርከባ ኣባላታ ተካይዶ ንዘላ ጒዕዞ ሲኖዶስ ሽሕ’ኳ ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ድሒራ እንተሰዓበቶ ምሥራቃውያን ኣብያተ ክርስትያን ግን ወትሩ ብሲኖዶስ ከምዝተመርሓ ብምዝኽኻር፤ ነዚ ዘበራበሩ ከኣ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ምዃኖምን ብቀንዱ ከኣ ቤትጽሕፈት ሲኖዶስ ኣበው ጳጳሳት ኣብ መንበረ ሮሜ ብምቋም ከምዝጀምርዎ ኣብሪሆም።
ጒዕዞ ሲኖዶስ ከምቲ ሕጻን ኣብ መጀመርያ ናይ ምንቅስቃስ ዓመታቱ ብሓገዝ ወለዱ ናኣሽቱ ምንቅስቃሳትን ተግባራትን ምግባር ዝመሃሮ ቤተክርስትያን እውን ብሓባር ንምጒዓዝ በብቁሩብ ክትመሃሮ ዘለዋ ጉዳይ ስለዝኾነ ብቀንዱ ከኣ ግላዊ ንስሓን ለውጥን ከማኡ እውን ለውጢ ሓዋርያዊ ግብረ ተልእኮ ንምክያድ ብቀዳምነት ኣስተፍንሶ መንፈስ ቅዱስ ከብርሃልካ ብምፍቃድ ንኩሉ ነቲ ንሱ ዘብርሆ ጽን ቢልካ ብምስማዕ ንኩሉ ቅድመ ኩነታዊ ፍርድን ፍልጠንትን ሰጊርካ ብሓዲስ ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ክሕደሱ ሓደራ ኢሎምዎም።
ጐዶሎ ምዃንካ ምፍላጥ ንሥራሕ መንፈስ ቅዱስ ይሕግዝ!
ቅዱስነቶም ኣብ ጒዕዞ ተሓድሶን ሲኖዶስን ቀንዲ ዓንቃጺ ዝበልዎን ኩልና ክነወግዶ ዘሎናን ደስ ዘይብሎም ጉዳይ እንተልዩ ‘ኣነ ፍጹም እየ ቢልካ ዕጽው ምዃን’ እዩ እንክብሉ መንፈስ ቅዱስ ኣባና ንከይሠርሕ ዝዕንቅጽ ቀዳማይ ዕንቅፋት ዝጐደለኒ የብለይን ዘድልየኒ የብለይን ባዕለይ ኩሉ ቢልካ ካልኦት ከይሳተፉ ማዓጹኻ ምርጋጥ ምዃኑ ገሊጾም።
እንተደኣ ክንሕደስን ብሓባር ክንጐዓዝን ንደሊ እንተኾና እታ እንኮ ፍታሕ ነቲ ንኩሉ ነገራት ዘሕድስን ዝፈጥርን መንፈስ ቅዱስ ልብና ክንከፍት ሓደራ ዝበሉ ቅዱስነቶም ተሳተፍቲ ጉባኤ እውን ነዚ ምስ ዝገብሩ ሕዳሴ መንፈስ ቅዱስ ከመይ ከምዝሠርሕ ክርእዩ ምዃኖም ገሎጾምሎም።
እዚ ግን ምንም ጸገም ዘይብሉ ዋጋ ዘይክፈሎ ከይመስሎም ከኣ ኣብ ምጅማር ሥራሕ መንፈስ ቅዱስ ሕንፍሽፍሽ ዝመስል ጉዳይ ከጋጥም ይኽእል፤ ከምዚ ምስ ዘጋጥም ከኣ ናብ ዕለተ ጴጠቆስጠ ምልስ ብምባል ሓዋርያት መንፈስ ቅዱስ ምስ ተቀበሉ ዝነበረ ናይ መጀመርያ ሕንፍሽፍሽን ቀስ ብቀስ ዝወረደ ውህደትን ምዝካር የድሊ፤ ቅዱስ ባሲልዮስ ከምዝብሎ እቶም መጀመርያ ሰኺሮም ዝበሃሉ ዝነበሩ ሓዋርያት መንፈስ ቅዱስ ከመይ ገቢሩ ካብቲ ኩሉ ዕግርግር ውህደት ከምዝፈጠረ ክንርዳእ ኢና።
ጒዕዞ ሲኖዶስ ሰብኣዊ ስርርዕን ሥርዓትን ዘይኮነ ካብ መኣዲ ቅዱስ ቊርባን ዝምንጩ ሕብረትን ውህደትን ስለዝኾነ ፓርላመንታራዊ መልክዕ ካብ ምትሓዙ ምጥንቃቅ ከምዝደሊ ምስ ገለጹ ኩሎም ዝተጠምቁ ዘበሉ ናይዚ ሲኖዶሳዊ ጒዕዞ ኣባላት ኮይኖም ንጐይታ ኣብ ጒዕዞኡ ዘሰንዩ እዮም፣ ነዚ ከኣ ብውህደት ቅድስት ሥላሴ ተገንዚቦም እቲ ቅዱስ ሕዝቢ እግዚኣብሔር ዝተባህለ ምእመን እውን ድምጹ ድምጺ እግዚኣብሔር ምዃኑ ብምግንዛብ ቤተክርስትያን ንምቊጽጻር መጓሰ ዝተገብረ ሓደ ዕጽው ድጓና ዘይኮነ ብመንፈስ ቅዱስ ዝምራሕ ሕዝበ እግዚኣብሔር ምዃና ኣይትረስዑ ክብሉ መል እኽቶም ዛዘሙ።