ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ብሰንኪ ስቓይ ህዝቢ ዩክረይን እሳቐን እነብዕን
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 1 ግንቦት 2022 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ምእመናን ኣብ ዝተረኽብሉ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም መሪሖም ብሓባር ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ምስ ደገሙ፥ “ቈልዑ ከይተረፉ ኣደዳ መስጐግትን ንስደትን ይዳረጉ ከም ዘለዉ ዝስምዓላ ዘላ ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳ ናብ እትርከብ ሃገረ ዩክረይንጳ” ሓሳቦም ኣቕኒዖም፥ “ደቅሰብ ንኸቢድ ጭንቀት ተዳሪጉን ኣብ ኣብ ዘርዕድ ኵነት ምህላዉን ኣብ እንርእየሉ ዘለናሉ እዋን ብሓቂ ብሓባር ኴይና ሰላም ንደሊ ንህልው ዶ ንኸውን?” ዝብል ሕቶ ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ድሕሪ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ንወላዲተ ኣምላኽ እተወፈየት ወርሒ ግንቦት ንጅምር ከም ዘሎና ኣዘኻኺሮም፥ “ኵሎም ምእመናንን መላእ ማሕበረሰብን መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት ሰላም ንኽርከብ ጸሎት ምቝጸሪያ ክደግሙ ሓድራ” እንክብሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ናብታ ከተማ ቅድስተ ማርያም ዝኾነት ማሪዩፖል ብቦምብታት ዓንያ ናብ ዘላ ከተማ ገይሮም፥ እቲ ዝርአ ዘሎ ኵነት ዘሰንብድ እዩ፥
ሕጂ እውን እንተዀነ ካብዛ ከተማ እዚኣ ኣትሒዘ ነቶም ከም ኣብ መንጐ መጥሓን እምኒ እተቐርቀረ ህዝቢ ረድኤት ዝረኽበሉ ዘተኣማምን መተሓላልፎ ክፍጠር ደጊመ ጻውዒት አቕርብ። ብዛዕባ ስቓይ ተቐማጦ ዩክረይን ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ እቶም ኣዚዮም ዝሳቐዩ ዘለዉ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ቈልዑን ክሓስብ ከለዅ እሳቐን እነብዕን። ቘልዑ ይስጐጒን ይስደዱን ከም ዘለዉ ዚሕብር ዜስካሕክሕ ጸብጻባት ሓበሬታ ይስማዕ ኣሎ። ናይ ደቅሰብ ዘስካሕክሕ ጭንቀትን ኣብ ራዕድን ዘለዉ ሰባት ኵነት ኣብ እንርእየሉ ዘለናሉ እዋን ብሓቂ ሰላም ንደሊ እንተ ኣሎና ገዛእ ርእስና ንሕተት። ቀጻሊ ወተሃደራውን ኣፍኣውን መጥቓዕቲ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን እዚ ኵነት እዚ ዝግ ንምንባልን ኣጽዋር ክዕበስን ፍቓደይናታት ኰይንና ዝከኣለና ንገብር ኣሎናዶ?
ዝብል ሕቶ ኣቕሪቦም፥ ኣብ መወዳእታ፥ “ነቲ ብልሽው ኣብ ኣጽዋር ዝኣምን ርትዓዊ ኣተሓሳስባን ዓመጽን ጒዕዙይ ኣብ እጽዋር ውግእ ዝብል ትውክልትን ኢድና ኣይንሃብ”፥ ናብ ናይ ዘተን ሰላምን መገዲ ነብል” እንክብሉ ምሕጽንታ ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።