ፍራንቸስኮ፥ ድንጋጸ ንህይወት ሰባትን ማሕበረሰባትን ይቕይር!
ነታ “ዓለም ምእላም” እትብ ቃል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣርእስቲ ዝገበረትን ምስ ካልኣ ዝተፈላለዩ ምሁርን ኣካላት ዘቕርብዎ ሓሳብ ብምትሕሓዝ እተብህሮ ሓዳስ መጽሓፍ ንንባብ ከም ዝበቐዔትን እዛ ዕለት 26 ግንቦት ኣብ ኣባይቲ መጻሕፍቲ እተዘርገሔት ሎ ሶርቫቶረና ናይ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ሞንዳ ዝደረስዋ ብቤት ማሕተም ሃገረ ቫቲካን እተሓትመት ናይ ባህሊ ቀንዲ ተዋሳእቲ ድምጺ እተቃልሕን ብፍላይ ቃል ቅዱስነቶም መሰረት ዝገብረት ምዃና ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እዛ መጽሓፍ እዚኣ ር.ሊ.ጳ. ፍንቸስኮን ኣርብዓን ኣርባዕተን ደረስትን ስነ ጥበባውያንን ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንትን ጋዜጠይናታትን ናብ ሓድነት ዝመርሕ መገዲ ገይሮም ዘቕርብዎ ሓሳብ እትእክብ “ዓለም ምእላም” ዝብል ምዕዳን ቅዱስነቶም ኣርእስቲ ዝገበረት መጽሓፍ 240 ገጽ ዘለዋ ከምዝኾነት ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ዛንታ ከም ዓለባ
ር.ሊ.ጳ. እታ “ዛንታ ከም ዓለባ” እትብል ቃል ክሓስቡ ከለዉ ነቲ ዶና ታርት ዝበሃላ ኣመሪካዊት ደራሲት እተዛረበኦ ቃላት ይዝክሩ፡ ዶና ታርት እንቲ እንነግሮን እንነግረሉን ንሓድሕድና እነመሓላልፎ ዛንታታት “ኣብ ዓውዲ ውግእ ዘሎ እንእከበሉ ዳስ እንስዕቦ ሰንደቕ ዕላማ ንህያዋንን ንምዉታትንን ዘራኽብ ዘይጠፍእ ማእስር” ምዃኑ ይገልጻ። እዚ ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት እተገብረ ሰፊሕ ውዲት “ንሓድሕድና ምስ ታሪኽ ኣጸቢቑ ዘተኣሳስርን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝመርሓና እዩ። ቅዱስ ኣቦና ከም ዝገልጽዎ ካብዚ ኣረኣእያ እዚ ዝተበገሰ ዛንታ ንዅሉ ነገራትን ንዅሉ ሰብን ዜራኽብ “ዘይብተኽ ገመድ” እተሰርሐ ኮይኑ “መጻኢ ብናይ ምታምማንን ተስፋን ስምዒት ንኸነርህዎ” ዘኽእለና እዩ።
ናይ 2020 ዓ.ም. መልእኽቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን ኣስተንፍሶ ዝገበረ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣስዕብ ኣቢሎም እቲ ዛንታታት ቀንዲ መልእኽቲ ናይ 2020 ዓ.ም. መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን ሕመረት ገይሮም ከም ዘቕረብዎን እዚ እቲ ናቶም ዛንታ ኣብ ሕብረተሰብ ዘለዎ ክብሪ ዝገልጽ ሓሳብ ናይታ መጽሓፍ መንቀሊ ኮይኑ ነዚ መሰረት ዝገበረ ካብ ለካቲት ክሳዕ ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ኣብ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ዕለታዊ ጋዜጣ ቅድስቲ መንበር በቢ ሕታም ንንባብ ዝቐረበ ጽሑፍ ዝጠርነፈት መጽሓፍ ምዃና ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
መልእኽቲ ምክፋል
እታ መጽሓፍ መልእኽቲ ተኻፋሊ ምዃኑ ቅዱስነቶም ዘብርህሉ ኣምር እተጠቓልል፡ መልእኽቲ ምክፋል ንገዛእ ርእሱ ገዛእ ርእስኻ ምውፋይ ምስ ዝብል ተግባር ክተሓሓዝ ከም ዝክእልን ነቲ መልእኽቲ ንምክፋል ዘቕርቦ ብድሆታትን ዝሓትቶ ዋጋን ከም ዘሎ ዝገልጽዎ ሓሳብ ነቲ መልእኽቲ ንምክፋል እትጥቀመሉ መላን ኣብ ዛንታታት እቲ ዘገድስ “ምዝራብ” ጥራይ ዘይኮነስ ምናልባት እውን “ምስማዕ” ምዃኑ እዩ ዘርኢ። ኣብዚ መዳይ እዚ እዛ መጽሓፍ እዚኣ “ኣብ መወዳእታ ገጽ ብዛዕባ ኣብ ቃልን ሱቕታን ዘማእከለ ሰፊሕ መብርሂ ከም እተቕርብ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።