ድለ

ር.ሊ.ጳ. ናብ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን፥ ኣብ መንጐ እተመዛበሉን መንእሰያትን ግዳያት ዓመጻን ር.ሊ.ጳ. ናብ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን፥ ኣብ መንጐ እተመዛበሉን መንእሰያትን ግዳያት ዓመጻን 

ር.ሊ.ጳ. ናብ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን፥ ኣብ መንጐ እተመዛበሉን መንእሰያትን ግዳያት ዓመጻን

ክልተ ሃገራት፥ ሰለስተ ከተማታት ሾምንተ ወግዓዊ መደረታት ሰለስተ ስብከት ምስ ናይ መንግስትን በርገሳውያን ላዕለዎት ኣካላትን ምስ ናይ ሃይማኖት መራሕትን መንእሰያትን ካብ መረበቶም ምስ እተመዛበሉ ግዳያታ ዓመጻን ክራኸቡ እዮም

ወግዓዊ መርሓ ግብሪ ናይቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይቲ ካብ ዕለት 2 – 7 ሓምለ ኣብ ክልተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘካይድዎ መበል 37 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ ድሮ ወግዓዊ ከምዝኾነን ቅዱስነቶም ኣብቲ ናብ ጁባ ዘካይድዎ ምብጻሕ ብናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ናይ ካንተርበሪ ሊቀ ጳጳሳት ወልባይ ናይ ስኮዚያ ፕረስብተራዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ ሽማግለ ኣወሃሃዲ መጋቤ ኤይን ግርንሻይልድስ ክስነዩ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ክልተ ሃገራት፥ ሰለስተ ከተማታት ሾምንተ ወግዓዊ መደረታት ሰለስተ ስብከት ምስ ናይ መንግስትን በርገሳውያን ላዕለዎት ኣካላትን ምስ ናይ ሃይማኖት መራሕትን መንእሰያትን ካብ መረበቶም ምስ እተመዛበሉ ግዳያታ ዓመጻን ክራኸቡ እዮም። ቅዱስነቶም ካብ ዕለት 2 – 7 ሓምለ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ንብዙሕ እዋን ሃረር ዝብልዎ ዝነበረን እቲ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘካይድዎ መገሻ፥ “ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ብሓባር ሓዋርያዊ ጒዕዞ ምእንቲ ሰላም” ዝብል ከም ዝኸውን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ኮንጎ
ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ኮንጎ

ዕለት 2 ሓምለ ካብ ሮማ ናብ ደሞክራሳዊት ረፓብሊክ ኮንጎ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፥ ቅዱስነቶም ዕለት 2 ሓምለ 2022 ዓ.ም. ሮማ ካብ ዝርከብ ፊውሚቺኖ መዓርፎ ነፈርቲ ንጐሆ ልክዕ ሰዓት 09.30 ክነቕሉን ድሕሪ ናይ ሽዱስሽተ ሰዓት ጒዕዞ ነፋሪት ኣብ ርእሰ ከተማ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ - ኪሻሳ ኣብ ዝርከብ “ንድጂሊ” ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ክኣትዉን ብናይታ ሃገር ርእሰ ብሔር ፈሊክስ ትሺከዲ ወግዓዊ ኣቀባብላ ምስ ተገብረሎም ብቐጥታ ኣብ ቤተ መግንስቲ ምብጻሕ ካካይዱን ኣብኡ ምስ ናይታ ሃገር ላዕልዎት ናይ መንግስቲ ኣካላትን ኣብ ኪንሻሳ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት በርገሳውያን ማሕበራትን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕትን ተራኺቦም መደረ ከምስዑን ቀዳማይ ውዕሎ ሓዋርያዊ መገሻኦም ኪንሻሳ ኣብ ዝርከብ ኣብዚ ምብጻሕ እዚ ኣብ ዝዓርፍሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሕንጻ ኣብታ ሃገር ምስ ዘገልግሉ ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን ብምርኻብ ክዛዝሙ ምዃኖም ይሕብር።

መስዋዕተ ቅዳሴን ርክብ ምስ ውሉደ ክህነት ደ.ረ. ኮንጎ

ሰንበት ዕለት 3 ሓምለ ኪሻሳ ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ንዶሎ ኣብ ዝርከብ ኣደባባይ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጒን ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ክደግሙ ኢዮም፡ ምሸት ሰዓት ሽዱሽተ ኣብ ካተድራል “ኖትረ ዳም ዘኮንጎ” ምስ ኣቡናትን ካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ክራኸቡን ቃለ ምዕዳን ክልግሱ እዮም።

ምብጻሕ ኣብ ሰሜናዊ ኪቩ

ዕለት 4 ሓምለ ቅዱስነቶም ኣብ ሰሜናዊ ኪቩ ምብጻሕ ካካይዱን ኣብኡ ናይ ኢጣሊያ ልኡከ መንግስቲ ሉካ ኣታናስዮ ዕለት 22 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ኣብ ዝተቐትልሉ ቑሸት ኣብ ዝርከብ ደንበ ኪቡምባ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጒን ድሕሪ ቐትሪ ኣብ በኒ ምስቶም ግዳያት ዓመጻ ኪራኸቡ እዮም። ሰሜናዊ ኪቩ ብለብዒ ኢቦላ ብዝተፈላለየ ብባህርያዊ ሓደጋታት ብዙሕ ዕንወት ዘጋጠሞን ልዕሊ ዅሉ በቲ ከም ጭውያን ዘመተን ቅለትን ኣብ መንጎ ዕጡቓት ሓይልታትን ናይ መንግስቲ ሓይሊ ምክልኻልን ውግእ ዝካይደሉ ካልኣይቲ ዓባይ ከተማ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ኣብ ዘካይድዎ ምብጻሕ ኣብቲ ናይ ሰበኻ ጎማ ኣብ ዝርከብ ናይ ጒባኤ ኣዳራሽ ምስቶም ግዳያት ክራኸቡን ካብታ ከተማ ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት 06.30 ናብ ኪንሻሳ ክምለሱ እዮም።

ደቡብ ሱዳን

ዕለት 5 ሓምለ ካብ ኪንሻሳ ናብ ደቡብ ሱዳን ክነቕሉ እዮም። ኣብ ርእሰ ከተማ ደቡብ ሱዳን  -  ጁባ ንጐሆ ሰዓት 08.40 ኣብ ናይ ስፖርት ሜዳ ሰማዕታት ምስ መንእሰያትን ናይ ትምህርተ ክርስቶስ መምሃራንን ክራኸቡ እዮም። ቅዱስነቶም ኣብዚ ሓዋርያዊ መገሻ እዚ ብናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ናይ ካንተርበሪ ሊቀ ጳጳሳት ወልባይን ናይ ስኮዚያ ፕረስብተራዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ ሽማግለ ኣወሃሃዲ መጋቤ ግሪንሻልድስ ብሓባር ካብቲ ጅድጂሊ መዓርፎ ነፈርት ወግዓዊ ኣቀባብላ ምስ ተገብረሎም ብሓባር ሰዓት 15.00 ኣብ ቤተ መግስቲ ምስ ርእሰ ብሔር ሳልቫ ኪርን ማያርዲ ኣስዒቦም ምስ ምኽትል ርእሰ ብሔር ክራኸቡን ኣብቲ ቤተ መንግስቲ ምስ ናይ መንግስቲ ላዕለዎት ኣካላትን ኣብ ደቡብ ሱዳን ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታትን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን በርገሳውያን ማሕበራትን ላዕለዎት ኣካልት ክራኸቡ ኣብኡ እውን መደረ ከስምዑ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ደቡብ ሱዳን
ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ደቡብ ሱዳን

ርክብ ምስ ዝተመዛበሉ ሰባት

ዕለት 6 ሓምለ ንግሆ ሰዓት 08.45 ኣብ ጁባ ምስቶም ተመዛበልቲ ውሽጢ ሃገር ኣብቲ ዝርከብሉ መእለዪ ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ ተራኸቡ ተሰናቢቶም ልክዕ ሰዓት 11.30 ኣብ ደቡብ ሱዳን ምዝ ዘገልግሉ ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን ጁባ ኣብ ዝርከብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሕንጻ ናይ ግሊ ርክብ ምስ ኣካየዱ ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት 17.00 ኣብ ካቴድራል ቅድስቲ ተረዛ ምስ ኣቡናትን ካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ክራኸቡን ቃለ ምዕዳን ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ ልክዕ ሰዓት 18.30 ኣብቲ ናይታ ሃገር ናይ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ዕጡቓት ሓይሊ መራሒ ድሕሪ ዝተበጽሐ ናይ ሰላም ስምምዕ ናይ ደቡብ ሱዳን ምኽትል ርእሰ ብሔር ጆን ጋራንግ መካነ መቓብር ኣብ ዝርከበሉ ማእከል ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ሓቢሮም ኣብ ናይ ጸሎት ስነ ሰርዓት ክሳተፉ እዮም።

መስዋዕተ ቅዳሴን ንቕሎ ናብ ሮማ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 7 ሓምለ ልክዕ ሰዓት 08.00 ንግሆ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ሰዓት 10.45 ደቓይቕ ጁባ ካብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ንኽብሮም ናይ ስንብታ ስነ ስርዓት ምስ ተፈጸመ ሰዓት 11.15 ደቓይቕ ናብ ሮማ ክነቕሉን ሰዓት 18.05 ሮማ ፊውሚቺኖ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ክኣትዉ እዮም።

30 May 2022, 17:01