መንገዲ ዘተን ምርድዳእን ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ክዝውተር ይግባእ! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ቅዱስነቶም ድሕሪ ሰላምታን ምስጋናን ብቀጥታ ዝገለጽዎ ቀንዲ ባህርይ ዩኒቨርሲቲ እንተወሓደ ክኾኖ ዘለዎ ንምግላጽ ዕላማን ተልእኮን ላዕለዋይ ተቊዋማት ትምህርት ምናዳ ኸኣ እቲ ብስሩዕ መንገዲ ከም ዪኒቨርሲቲ ዝስመ ትካላት እንታይነት ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።
ኣብቲ ርክብ ብቁጽሪ ብዙሕ ዝበሉ መማህራንን ተማህሮን ዪኒቨርሲቲ ማቸራታ ከምዝነበሩን እቲ ርክብ ኣብ ህንጻ ክለመንትና ዝበሃል ሓዋርያዊ ኣደራሽ ከምዝተገብረን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።
ኣብ ኩሉ መካነ ጥበባት ምናዳ ኸኣ ኣብ ዩንቨርሲታት ክልተ ዓበይቲ ዓውድታት እዮም ዝራኸቡ ዝበሉ ቅዱስነቶም እዚኦም ኸኣ ዓለምና ንፍልጠት እትገብሮ ጻዕርን ባህርይ ደቂሰባትን ማዕረ ማዕረ ጻዕርን ውህደትን ከምዘድልየን ገሊጾም። ወዲሰብ ክንብል እንኮሎና ግን ሓፈሻዊ ጉዳይ ዘይኮነ ነፍሲወከፍ ሰብ መንነቱ ተሓልዩ ምስ ሕልምታቱን ኣእምሮኣውን ሞራላውን መንፈሳውን ሃብታቱ እኳ እንተኾነ ድሩትነታት እውን ከምዘለዎ ዘይምዝንጋዕ። እዚ ዓውዲ እዚ ብምልኣት ዝፈልጦ እግዚአብሔር ጥራይ እንክኸውን ንሱ ግን ብምሉእ ኣኽብሮ እዩ ዝፈልጦ፣ ምስ በሉ እሞኸ ደኣ ግደ ኣካዳምያዊ ዓለምና እንታይ ኮን ይኸውን ንዝብል ሕቶ ከምዚ ክብሉ መሊሾም።
እዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስክዎ ቀንዲ ግድል ኣካዳምያዊ ዓለምና ምበልኩ፣ ንሰፊሕ መኣዝን ዓለምናን ጽብብ ዝበለ መኣዝን ግለሰብን ከምዝራኸቡ ምግባር ነዚ ከኣ ክልቲኦም ማለት ሰፊሕ መኣዝን ዓለምና ጸቢብ ዓለም ግለሰባትን ከምዝዛተዩ ምግባር እዩ። ከመይ ዘተ ጥራይ ዘይኮነ ካብዚ ዘተ ሰብኣዊ ምዕባሌን ዕቤትን ከምዝውለድ ምግባር የድሊ። እዚ ዕብየት እዚ ጭቡጥ ሰብኣዊ ዕብየትን ምዕባሌን ናይቲ ዝመሃር ዘሎ ግለሰብ ኮይኑ ብስለት ብዝመልኦ ፍልጠትን ነጻነትን እናተኰስኰሰን እናተሃንጸን ኣብ ማሕበራዊ መነባብሮን ሕይወት ዜግታትን ብቅርጥውን ምህዞ ዝመልኦን ኣገባብ ብባህላውን ትምህርታውን ብቅዓቱ ከምዝሳተፍን ከምዝዋሳእን ምግባር እዩ። ስለዚ ንዝበለጸ መጻኢ ወፍሪ ምግባር ዝሓሸ ምርጫ እዩ ቢሎም።
ንዝበለጸ መጻኢ ወፍሪ ኲስኰሳ ምግባር የድሊ!
ቅዱስነቶም ብዛዕባ ዕላማ ዩኒቨርሲቲ ካብ ዝጸሓፉ ሓደ ንዝኾኑ ቅዱስ ዮሓንስ(ጆን)ሀንሪ ብምጥቃስ `ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሓደ መንእሰይ ንምሉእ መዋዕል ሕይወቱ ዘሰንዮ ጠባይ ኣእምሮ የጥሪ` እዚ ከኣ ንመምርሒታት ነጻነትን ማዕርነትን ብምስልሳል ህድኣትን መጠንን ጥበብን የጥሪ። ዩኒቨርሲቲ እንክንብል ብኢዶምን ልቦምን ምንም ክሰርሑ ዘይክእሉ ገንጋን ኣራእስ ሒዝካ ብሓበሬታ ሓንጐልካ እትመልኣሉ ቦታ ኣይኮነን፣ ወዲሰብ ብምልኣት ብነፍስን ብሥጋን ብኣእምሮን ምሉእ ብስለት ዝረኽበሉን ምስ ኩሉ ኣብ ውህደት ሰብኣውነት ዝዋሳኣሉን ቦታ እዩ። እዚ ከኣ ነታ ነዚ እተበርክተሉ ማሕበረሰብ ተመሊሱ ዝልገስ ኣዎንታዊ ውጽኢት እዩ ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።
ማተዮ ሪቺ ኣብነት ርክብን ዘተን!
ኣብ ዩኒቨርሲታት ዝግበር ኲስኰሳ ክንዮ ትምህርትን ምርምርን ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ባህልታት ዝግበር ርክብ እውን ከም ንማለቱ ዝተፈላለዩ መማህራንን ተማህሮን ከምዝተሓዋወሱ ምግባር ዘይኮነ ጽጹይ ርክብ ዝተፍላለየ ባህልታትን ምጽውዋር ዝመልኦ ነንሕድሕድካ ምህብታምን ከምዘድሊ ዝገለጹ ቅዱስነቶም፣ እታ ትውልዲ ዓዲ ናይ ዘመንና ዚዓበየ ሰባኬ ወንጌልን ኣብ መንጎ ባህልታት ናይ ዝግበር ዘተ ሃንዳስን ኣደንፋዕን ኣብነት ርክብን ዘተን ከምዝኾኑ ገሊጾም። እዚ ዘተንርክብን እዚ ግን ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ክግበር ዘለዎ ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኺሮም።
ናይ ዓለምና ሥልጣናት ናይ ምውጋድ መንገዲ ማለት ናይ ምጒሓፍ ባህሊ የዘውትሩ። ዘተ ኣየድልዮም መንገዲ ዘተ ኣየድልዮም። ግዜኻ ብከንቱ ምጥፋእ እዩ ይብሉ! እንተኾነ ንዘተ እተጠፍኦ ግዜ ንዝዓበየ ሠናይ ነገር ስለዘፍሪ ዓቢ መኽሰብ እዩ እንክብሉ ምኽሮም ዛዚሞም።