ባህላዊ ውርሻ ንእምነትና ኣገዳሲ ኣበርክቶ ኣለዎ! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
‘ካሪዝም ኤንድ ክሪኣቲቪቲ’ ተውህቦን ምህዞን ብዝብል መሪሕ ቃል ብናይ ቅድስት መንበር ማሕበር ሓልዮት ሰብ ውፉይ ሕይወትን ማሕበራት ሕይወት ሓዋርያዊ ተልእኮን ከማኡ እውን ጳጳሳዊ ቤትምኽሪ ባህሊ ዝተዳለወ ዓለምሓቆፍ ኮንፈረንስ ኣብ ሮማ ይካየድ ኣሎ። ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ኮንፈረንስ ከኣ ኣብ መላእ ሃገርን ካልእ ሃገራትን ዝርከብ ብገዳማውያንን ዝተፈላለያ ማሕበራት እምነትን ዝውነን ባህላዊ ሃብታትን ውርሻታትን ንመጻኢ ከመይ ገቢሮም ክወሃሃዱን ብሕብረት ከበርክትዎ ንዝኽእሉ ጒዳያት ንምጽናዕን ምዃኑ እንክምልከት እዚ ከኣ ብቀዳምነት ኣብ ነንሕድሕዶም ዝተኣሳሰሩሉን ዝበለጸ ተመኲሮታቶም ኣብ መንጎታቶም ዝከፋፈሉሉን በዚ ከኣ ናይ እምነት ማሕበራት ንዘለዎም ባህላዊ ሃብታትን ውርሻታትን ብብልሓትን ብምህዞን ክከላኸሉሉን ከመሓይሹሉን ዝኽ እሉሉ መንገዲ ንምንዳይ እዩ።
ቅዱስነቶም ንተሳተፍቲ እቲ ኮንፈረንስ ኣብ ዝለኣኽዎ መልእኽቲ ንሰብ ውፉይ ሕይወትን ማሕበራት ሕይወት ሓዋርያዊ ተልእኮን እትግደስ ማሕበር ካብ ዓመታት ኣትሒዛ ነተን ንሳ ተመሓድረን ዝተፈላለያ ገዳማትን ተቊዋማት ሰብ ውፍይ ሕይወትን ንዘለወን ንብረት ቤተርክርስትያን ኣብ ኣገልግሎት ወዲሰብን ተልእኮ ቤተክርስትያንን ብዝበለጸ ንክጥቀሙ መምርሒ ከምእትህብ፤ ነዚ ንምግባር ከኣ ዝተፈላለየ ኮንፈረንሳት ከም ዘካየደትን ዝተፈላለየ ዓምደ እምነታዊ መምርሒ ዝሓዘ ሰነዳትን ብሱል ኣመሓድራ ናይዚ መዛግብ ሃብቲ ቤተክርስትያን ንክህሉ ንጹር መምርሒታት ክትህብን ጸኒሓ። እዚ ዘመልክቶ ከኣ ቤተክርስትያን ነቲ መንነታ ዝትንክፍ መዛግብታ ግቡእ ጥንቃቄ ክግበረሉን እተን ብቤተክርስትያን ነዚ መዛግብ ከማሕድራ ሓደራ ዝተባህላ ተቊዋማት ክፍጽምዎ ዘለዎም ግዴታን ሓላፍነትን ንምዝኽኻር እዩ ኢሎም.
ቅዱስነቶም ካብዚ ብምቅጻል ነዚ ተልእኮ ቤተክርስትያን ንሶም እውን በትረ ሥልጣን መንበረ ጴጥሮስ ካብ ዝቅበሉ ጽባሕ ጀሚሮም ነቲ ዝተቀበልዎ ንብረት ቤተክርስትያን ብግቡእ ንምምሕዳር ዳግመ ስርር ዕን ሕዳሴን ካብ ዝገበሩሉ ቀዳሞት ጉዳያት ምዃኑ ገሊጾም። ነቶም ነዚ ኮንፈረንስ እዚ ዝመርሓ ክልተ ላ ዕለዎት ቤት ጽሕፈታት ቅድስት መንበር ብምምስጋን ከኣ ቀንዲ ተልእኮአን ብጠቅላላ ኩሉ ንብረትን መዛግብን ቤተክርስትያን ዘለዎም ቤተክርስትያናዊ ታሪኻዊ ባህላዊ ዋጋኦም ንምጽናዕን ዘድሊ ቅርጥው ምሕደራ ንምስፋንን ምዃኑ እውን ኣዘኻርሮም።
ኣደንፋዕቲ ሥነ ጥበብን ባህልን!
ቅዱስነቶም ዘዘኻኸርዎ ካልእ ነጥቢ ብመሠረቱ ኣብ ምሉእ ዓለም ተዘርጊሖም ዘለው ገዳማትን ተቁዋማትን ሰብ ውፉይ ሕይወትን ማሕበራት ሕይወት ሓዋርያዊ ተልእኮን ካብ ጥንቲ ጀሚሮም ሥነ ጥበብን ባህልን ኣብ ኣገልግሎት እምነት ንምውዓል ናይቲ ንቤተክርስትያንን ንመላእ ዘመደ ኣዳምን ዓቢይ ባህላዊ ውርሻ ዝኾነ መዛግብትን መጻሕፍትን ሊጡርግያዊ ሥነ ጽሑፋትን ብዓቢኡ ከኣ ኣፍ ከፊቱ ዝዛረብ ዝመስል ሕንጻታትን ኣብያተ ክርስትያንን ገዳማትን ኣወፍዮም፤ ስለዚ ኣብዚ ናይ ሎሚ ኮንፈረንስ ብቀዳምነት ትርጉምን ቊምነገርን ናይዘን ንብረታት ምርዳእ ቀጺልካ ከኣ ታሪኻውን መንፈሳውን ተሎግያውን ቤተክርስትያናውን ሕጋውን ጠባያቶም ኣነጺርካ ምግላጽ የድሊ ኢሎም።
ካቶሎግ ስሩዕ ዝርዝር!
ነዚ ዘመናት ዘቁጸረ ዓቢይ ዋጋን ትርጉምን ዘለዎ ሃብትን ውርሻን ቤተክርስትያን ብግቡእ ንምርዳእን ንምዕቃብን ምስ ካልኦት ንምክፋሉን ከም መበገስን ቀንዲ መጋበርን ዘገልግል እንታይ እንታይ ከምዘሎ ንምፍላጥ ዘገልግል ካቶሎጊንግ ዝበሃል ስሩዕ ዝርዝር ምስንዳው ኮይኑ ንኩሉ መዛግብትን መጻሕፍትን ዝንቀሳቀስን ዘይንቀሳቀስን ሥነ ጥበባዊ ቅርስታት ወዘተ ኣብ ስሩዕ ዝርዝር ምስ ኣእቶኻ፤ ዝስዕብ ሥራሕ መጽናዕትን ሕጋዊ ውሕስነትን ሳይንሳዊ ዕቀባን ምምዕባል ሓዋርያዊ ጒስነትን እዩ። ነዚ ንምግባር ቀንዲ ምኽንያታት ከኣ ንቅኑዕ ኣገልግሎት ባህልን ግሉጽ ምሕደራን ንኩሉ ባህርያውን ሰብኣውን ሓደጋታት ኣብ ግምት ብምእታው እዚ ተኣፋፊ መዛግብ ክወርዶ ካብ ዝኽእል ዕንወት ንምክልኻል ምዃኑ ገሊጾም።
ባህላዊ ውርሻታትን ሃብትን!
ሽሕ’ኳ ባህሊ እንክብል ኣብ ምዕቃብ ዝዝንብል እንተመሰለ ምስ ምዕባሌ ተታሒዙ ዝጐዓዝ ኣብ ምምዝጋብን ምስራዕን ምዕቃብን ዘገልግል ናይ ዘመንና ተክኖሎጂ ኮምፒተር ክንጥቀም እዚ ከኣ ንኩሉ ዝኸውንን ሥቱር ንዝምልከቶ ጥራይ ዝኸውንን ኣጻፊፍካ ንምቅማጥ ስለዝሕግዝ ቅርጥው ብዝኾነ መንገዲ ምጥቃሙ ከምዘድሊ ዝገለሹ ቅዱስነቶም፤ ኣብ ምምሕዳር ባህላዊ ውርሻታትን ሃብትን ብክልተ መንገዲ ጥንቃቄ ከምዘድሊ እዚ ከኣ ንክትሕዞምን ክትዕቅቦምን ዘድሊ ቊጠባዊ ወጻኢታትን ነቲ ንስብከተወንጌን ምዕማቊ እምነትን ዘበርክትዎ ጒዳያትን ተጠንቂቅካ ምሓዝ የድሊ ኢሎም።
ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ዘዘኻኸርዎ ውርሻ ክንብል እንከሎና ምሳኡ ተታሓሒዙ ዝኸይድ ተኣፋፊ ጉዳያት እውን ስለዘሎ ብመሠረቱ ሕጋዊ ጒዳያት ካብ ግላዊ ሕልና ኣልቦ ጥቅሚ ምድላይን ዕንቅፋት እምነት ካብ ምዃንን ነቲ ገርሀይናታት ከም ርግቢ ጐራሓት ከም ተመን ምዃን ዝብል መሪሕ ብምኽታል ንኩሉ ኩሉ መስመሩ ከምዝሕዝ ኣብ ርእሲ ምግባር ንንብረት ቤተርክስትያንን መዛግብትን ብግቡእ መስርሕ ክንጥቀመሉ ሓዲስ ባህሊ ቊጠባ ክንምህዝ እዚ ኸኣ ናይ ምትሕግጋዝን ምትሕብባርን ሃጐፋይ ቢልካ ናይ ምቅባልን ባህሊ ክኸውን ዘለዎም ሠናይ ምንዮት ብምግላጽ መልእኽቶም ዛዘሙ።
[ Audio Embed ብድምጺ ንምክትታል!]