ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብዚ ቤት ውግእን ውጥረት ዝኾነ ዓለም እቶም ሓደስቲ ቅዱሳን መገዲ ዘተ ይሕብሩ ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብዚ ቤት ውግእን ውጥረት ዝኾነ ዓለም እቶም ሓደስቲ ቅዱሳን መገዲ ዘተ ይሕብሩ  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብዚ ቤት ውግእን ውጥረት ዝኾነ ዓለም እቶም ሓደስቲ ቅዱሳን መገዲ ዘተ ይሕብሩ

እዞም ቅዱሳን እዚኣቶም በቲ ወንጌላዊ ምስክርነቶም ኣቢሎም መንፈሳውን ማሕበራውን ዕቤት ናይ ሃገሮምን ካልኦት ሃገራትን ንብምሉኦም ሰብኣዊ ስድራ ቤትን ዘተባብዑን ዘስፋሕፍሑን እያቶም!

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 15 ግንቦት 2022 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ፥ መራሕቲ ዓለም ናይ ሰላም ደኣ እምበር መጋበርያ ውግእ ከይኰኑን ናይ ዘተ ባህሊ ክቕበሉን ከነቓቕሑን ኣብዚ ውግእን ዓመጽን ውጥረትን ዝመልኦ ዓለም ናይ ሰላም ባህሊ ሓንጐፋይ ቢሎም ብምቕባል ነዚ ባህሊ እዚ ከስፍሑ ሓደራ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ እቲ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ልዕሊ 50 ሺሕ ምእመናን ዘሳተፈ ን10 ብጹዓን ደቂ ቤተ ክርስቲያን ቅድስና ዝኣወጀሉ መስዋዕተ ቅዳሴ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ “እዞም ቅዱሳን እዚኣቶም በቲ ወንጌላዊ ምስክርነቶም ኣቢሎም መንፈሳውን ማሕበራውን ዕቤት ናይ ሃገሮም ከምኡ እውን ናይ ብምሉኦም ሰብኣዊ ስድራ ቤት ከም ዘስፍሑ ምርኣይ ዘሕጒስ እዩ” ቢሎም መራሕቲ ዓለም ነቲ ሎሚ ንዓለም ዝሳቕያ ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ ውግእ ኣወጊዶም መጋበርያ ሰላም ናይ ምዃን ሓላፍነቶም ክስከሙ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እዞም ሓደስቲ ቅዱሳን “ናይ ምትሕብባርን ምይይጥን መገድታት” ክሕብሩ ተስፋ ብምግባር፥ “እቲ ዘሕዝን ኣብ ዓለም ምርሕሓቕን ውጥረትን ውግእን ክሰፍሕ ምርኣይ እዩ፡ እሞ ነዚ ንምውጋድ ዘኽእል መፍትሒ ከም ዘነቓቕሑ ተስፋና እዩ።”

ብፍላይ ኣብ ኣልባብን ኣእምሮን እቶም ዓብይ ሓላፍነት ዘለዎም ቀንደይና ናይ ሰላም ተዋሰእቲ ደኣ እምበር መጋበርያ ውግእ ንኸይኰኑ ዝተጸውዑ ምዃኖም ከስተውዕሉ ዝድርኹ እያቶም!

ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ቅዱስነቶም ነቶም ኣብቲ ስነ ስርዓቅ ቅዳሴ ምእዋጅ ቅድስና ንዝተረኽቡ ናይ መግስትን ማሕበራትን ተወከልቲ ኣመስጊኖም፥ ነቶም ቤተ ክርስቲያን ቅድስና ዝኣወጀትሎም ክቡር ምስክርነቶም እንከጒልሑ፥

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብዚ ቤት ውግእን ውጥረት ዝኾነ ዓለም እቶም ሓደስቲ ቅድሳን መገዲ ዘተ ይሕብሩ
ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብዚ ቤት ውግእን ውጥረት ዝኾነ ዓለም እቶም ሓደስቲ ቅድሳን መገዲ ዘተ ይሕብሩ

እዞም ቅዱሳን እዚኣቶም በቲ ወንጌላዊ ምስክርነቶም ኣቢሎም መንፈሳውን ማሕበራውን ዕቤት ናይ ሃገሮምን ካልኦት ሃገራትን ንብምሉኦም ሰብኣዊ ስድራ ቤትን ዘተባብዑን ዘስፋሕፍሑን እያቶም!

ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብዚ ቤት ውግእን ውጥረት ዝኾነ ዓለም እቶም ሓደስቲ ቅድሳን መገዲ ዘተ ይሕብሩ
ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብዚ ቤት ውግእን ውጥረት ዝኾነ ዓለም እቶም ሓደስቲ ቅድሳን መገዲ ዘተ ይሕብሩ

ቅዱስነቶም ድሕሪ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ምስቶም ኣብቲ ስነ ስርዓት ቅዳሴ ኣዋጅ ቅድስና ምስ ዝተረኽቡ ምእመናን ሓቢሮም ጸሎተ ንግስተ ሰማይ መሪሖም ምስ ኣዕረጉ ነቶም ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝሓበሩ ጳጳሳትን ካህናትን ኣመስጊኖም እናተዘዋወሩ ንምእመናን ሰላም ቢሎም ንሕጻናት ባሪኾም ከም እተፋነዉ ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብዚ ቤት ውግእን ውጥረት ዝኾነ ዓለም እቶም ሓደስቲ ቅድሳን መገዲ ዘተ ይሕብሩ
ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብዚ ቤት ውግእን ውጥረት ዝኾነ ዓለም እቶም ሓደስቲ ቅድሳን መገዲ ዘተ ይሕብሩ
16 May 2022, 17:14