ድለ

ፍራንቸስኮ፥ ምእንቲ ሰላምን ጽላለ ውግእ ክእለን ጸሎት መቝጸርያ ንድገም

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 8 ግንቦት ፍርቂ መዓልቲ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ምእመናን ኣብ ዝተረኽብሉ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ካብ ሓዋርያዊ መስኰት ኮይኖም ጸሎተ ንግስተ ሰማይ መሪሖም ብሓባር ምስ ደገሙ፡ ብሰንኪ ውግእ ናብ ዝሳቐዩ ህዝብታት ሓሳቦም ኣቕኒዖም ብፍላይ ንህልው ኵነታት ዩክርይን ዓቢይ ግምት ብምሃብ፡ ዕለቱ መዓልቲ ጸሎተ ምህለላ ቅድስተ ማርያም ዘፖፐይ ምዃኑ ኣዘኻኪሮም ምእንቲ ሰላምን ጽላለ ውግእ ክእለን ጸሎት መቝጸርያ ክንደግም ሓደራ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ቅድሚ እቲ ዝረአይ ዘሎ ጽላለ ዝኾነ ውግእ መዓልታዊ ምእንቲ ሰላም ጸሎተ መቝጸሪያ ክንጽልን፡ “ነታ ክብርቲ ዝኾነት ቅድስተ ማርያም ዘፖፐይ ቅዱስ ምስሊ እናጠመቱ ነቶም ብሰኪ ውግእ ዝሳቐዩ ዘለዎ ህዝብታት ዘኪሮም፥

ኣብዘን ሰዓታት እዚኣተን ብዙሓት ምእመናን እቲ ካብ ብጹዕ ባርቶሎ ሎንጎ መዓሙቕ ልቢ ዝፈለፈለ ጸሎት ልመናን ምልዶትን ንቅድስተ ማርያም ዘፖፐይ ንምቕራ ኣብ ዙርያ ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ዘፖፐይ ተረኺቦም ኣብ ቅዱስ ስፍራ ቅድስተ ማርያም ዘፖፐይ ተኣኪቦም ኣብ ዝርከብሉ እዋን፡ ብመንፈስ ኣብ ፊት ቅድስተ ማርያም ዘፖፐይ ተንበርኪኸ ምስቶም ኣብቲ ቤተ መቕደስ ማርያም ምስ ዝርከቡ ሓቢረ ኣብ እተፈላለየ ክፍልታት ዓለም ዝርአ ዕሽነት ዝመልኦ ኣዕናዊ ውግእ ዜጋጥሞም ዘሎ ብዙሓት ህዝብታት ሰላም ምእንቲ ክረኽቡ ነቲ ብርቱዕ ናይ ሰላም ባህጊ ብሕድሪ አቕርበላ፡

ብፍላይ ነቲ ኣብ ዩክረይን ኣጋጢሙ ዘሎ ዘሕዝን ፍጻሜ ንእኖ ኣምላኸ፥

ነታ እተባረኸት ድንግል ብፍላይ ስቓይን ንብዓትን ህዝቢ ዩክረይን አቕርበላ። ጽላለ ዝኾነ ውግእ ኣብ ዘለሉ ኣብዚ እዋን እዚ በጃዅም መዓላታዊ ምእንቲ ሰላም፡ ጸሎት መቝጸርያ ክትደግሙ ሓደራ፡ ስቓይ ሕዝቢ ዩክረይን ነቕርበላ!

ኣስዒቦም፥ ንመራሕቲ ሃገራት “ናይቲ ሰላም ሃረር ዝብል ኣጽዋር ውግእ ክጭብጥ ናይ ዘይደሊ ህዝቢ ዓሚቝ ባህጊ ከስተውዕሉ እሓትትን እጽልን ቢሎም ንዅሎም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ መንፈሳውያን ነገዶ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከም እተፋነዉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

09 May 2022, 16:19