ድለ

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ኮንፈደራላዊት ሃገረ ስዊዘርላንድ ርእሰ ብሔር ካሲስን ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ኮንፈደራላዊት ሃገረ ስዊዘርላንድ ርእሰ ብሔር ካሲስን 

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ኮንፈደራላዊት ሃገረ ስዊዘርላንድ ርእሰ ብሔር ካሲስን

ቅዱስነቶም ንናይ ኮንፈደራላዊት ስዊዘርላንድ ርእሰ ብሔር ኢግናዚዮ ካሲስ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዘካየድዎ ክለኣዊ ርክብ

ዛዕባ እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእን ኣብ ኵነታት ስደተይናታትን ኣብ ኤውሮጳን ዘምጽኦ ሳዕቤናትን ሓደ ካብቲ ዕለት 6 ግንቦት ር.ሊ.ጳ. ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ምስ ዝኣተዉ ናይ ኮንፈደራላዊት ስዊዘርላንድ ርእሰ ብሔር ካሲስ ተቐቢሎም ኣብ ዘካየድዎ ክሌኣዊ ርክብ ዝተመያየጥሉ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብታ ዕለት እቲኣ እውን ርእሰ ብሔር ካሲስ ኣብ ዝተረኽብሉ ርክብ ቅዱስነቶም ቃለ መሓላ ንዝፈጸሙ ሓደስቲ ኣባላት ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ኣባላት ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ዝዊዘርላንድ ዘበርክቶ ልግሲ ጥራይ ዘይኮነ እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ እውን ኣብቲ ዕለት 6 ግንቦት 2022 ዓ.ም. ቅዱስነቶም ንናይ ኮንፈደራላዊት ስዊዘርላንድ ርእሰ ብሔር ኢግናዚዮ ካሲስ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዘካየድዎ ክለኣዊ ርክብ ከም እተዘራረቡን ርእሰ ብሔር ካሲስ ድሕሪ ምስ ቅዱስነቶም ዘካየድዎ ርክብ ኣስዒቦም ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊንን ምስቶም 36 ቃለ ማሕላ ምስ ዝፍጽሙ ሓደስቲ ኣባላት ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ተረኻቡ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ናይቲ ክሌኣዊ ርክብ ቀንዲ ኣርእስታት

ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ከም ዝገለጾ፥ “ዛዕባ ኣብ መንጐ ክልተኣተን ሃገራት ዘሎ ሰናይ ርክባትን ከምኡ እውን ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ስዊዘርላንድ ልኡከ መንግስቲ ቤት ጽሕፈት ናብ ሮማ ምግዓዙን ዘረጋግጾን ኣብ ሓባራዊ ጒዳያት ብፍላይ ከኣ ኣብ ዓውዲ ፍትሕን ሰላምን ምትሕብባር ንምድልዳል ዘሎ ድሌት ዝሕብር ምልክት እውን ምዃኑ ኣፍሊጡ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣብ ኤውሮጳ ዘለዎ ሳዕቤናትን ብፍላይ ዛዕባ ስደተይናታት ዩክረይንን ቀረብ ረድኤት ንዅሎም እቶም በቲ ውግእ ምኽንያት ካብ መረበቶም ንዝመዛበሉ ዘለዉ ሰባት ኣብ ዝምልከቱ ኣርእስታት እውን ምይይጥ ምክያዱ የመላኽት።

ገጸ በረኸት ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት

ድሕሪ እቲ ሳላሳ ደቓይቕ ዝወሰደ ክሌኣዊ ርክብ ኣብ ዝተኻየደ ገጸ በረኸት ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት፥ ቅዱስነቶም ንርእሰ ብሔር ካሲስ ካብ ነቢይ ኢሳያስ ምዕ. 32 ዝተወስደ “ምድረ በዳ ስፍራ ኣታኽልቲ ክኸውን እዩ” ዝብል ጥቕሲ ዝተጻሕፎ መዳሊያ ናይ ቅዱስነቶም ናይ 2022 ዓ.ም. መልእኽቲ ሰላምን ሰብኣዊ ሕውነት ዘርእስቱ ሰነድን ንርእሰ ብሔር ካሲስ ገጸረ በረኸት ከም ዘቕረቡሎምን ርእሰ ብሔር ካሲስ እውን ብወገኖም ኣብ ሉቸርና ናይ ያቡርባኪ ጽባቔ ዘርኢ ምስሊ ከም ዝለገሱሎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

07 May 2022, 17:16