ር.ሊ.ጳጳሳት፥ ንጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ኣባላት፥ ‘ከም ኣሕዋት ኮይንኵም ኣገልግሉ’
ር.ሊ.ጳ.ፍራንቸስኮ ዕለት 6 ግንቦት ነቶም 36 ቃለ ማሕላ ዝፈጸሙ ሓደስቲ ኣባላት ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ ነቶም መንእሰያት ሓደስቲ ኣባላት ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ፡ “ከም ክርስቲያንን ከም ማሕበረሰብን መጠን ዝህብዎ ኣገልግሎት ልባውን ሕውነታዊ መንፈስ” ዝዓሰሎን ክኸውን ተማሕጺኖም፥ “ቅድስቲ መንበር ኣባዅም ዓቢይ እምነት ኣለዋ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶ ነቲ ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ዝዊዘርላንድ ዘቕርቦ ኣገልግሎት፥ “ዜደንቕ ዕማም ኣብ ማእከል ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ሓላፍነት ዝመልኦ”፥ እንክብሉ ገሊጾም፡ ነቶም 36 ዕለት 6 ግንቦት ድሕሪ ቐትሪ ቃለ ማሕላ ንዝፍጽሙ 36 ሓደስቲ ኣባላት ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ፥ እቲ ሓለዋ ጸጥታ ኣገዳስነት ዘለዎ መንፈስዊ ህይወት ዘጒልሕ ባህርያቱ ገሊጾም፡ እዚ ድማ ንነፍሲ ወከፎም ኰነ ማሕበረሰብ መደብ ኣምላኽ ንኸለልዩ የኽእሎም፥”
ከምቶም እምነት ክርስትና ዝናዘዙ ኣሕዋትን ኣሓትን ነቲ እተወሃበኵም ዕዮ ኣብ ምፍጻም ኰነ ኣብ ዕረፍቲ ግዜዅምን ሓባራዊ ርክብን ኣገባብ ሕውነት ክህልወኩም እምሕጸን፡ ልባውን ሕውነታውን ዘተ ሓድሓደ ግዜ ኣድካሚ ክኸው ይኽእል እዩ። በዳሂ እውን ክኸውን ይኽእል እንተዀነ ግን መንነትካ ንኸተማዕብል ኣገዳሲ ባይታ እዩ
ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኤቅለሲያዊ ዕማም
እቶም ኣባላት ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ኮይኖም ንኸገልግሉ ዝጽውዑ ዝፍጽምዎ ኣገልግሎት ናይቶም ኣብ ዝሓለፉ ብዙሓት ብጅግንነት ገዛእ ርእሶም ብምኽሓድ ኣብ ምግልጋል ሓዋርያዊ መንበር ዝፈጸምዎ ታሪኽ ዝተመልአ ምዃኑ እዘኻኺሮም፥ እቲ ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ዝህቦ ኣገልግሎት ህይወቶም ክሳዕ መስዋዕቲ ምግባር ዝብል ልግሲ ዘጒልሕ እዩ፥
ፍቑራት ሓደስቲ ኣባላት ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ዝዊዘርላንድ ገዛእ ርእስዅም ኣብ ኣዚዩ ዘደንቕ ዕዮ ከተወፍዩ ከም ክርስትያንን ማሕበረሰብን እተህብዎ ምስክርነት ክኸውን እምሕጸን፡ ንጥፈታትኵም ብውልቃውነት ዘይኮነስ ከም ማሕበረሰብ ዝርአ እዩ፡ ምእንቲ እዚ እዩ ናይ ስዊዘርላንድ ዘበዓይና ሰራዊት ተባሂልኵም እትጽውዑ፥ ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ!
ኣገልግሎት ንቤተ ክርስቲያን
እቶም ኣባላት ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ዝዊዘርላንድ ኰዮኖም ንኸገልግሉ ዝጽውዑ ስዊዘርላንዳውያን ኣገልግሎቶም ዝፍጽሙሉ ቦታ ናይቶም ዝሓለፉ ኣባላት ክሳዕ ገዛእ ርእስኻ ምኽሓድን መስዋዕትነትን ዝመልኦ ታሪኽ ዝተፈጸመሉ፥ ኣብ ሓዋርያዊ መንበር ዝፍጸም ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን መንበሪኡን ድሕንነት ክህልዎን ኣገዳሲ ዕማም ህይወተይ ክሳብ ምስዋዕ ብዝብል ቃለ ማሕላ ዝንበር ለጋስነት ዘጒልሕ እዩ፥ ማሕበርሰብ እትብል ቃል ኣገዳሲት ቃል እያ፡ እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ሮሜ እትጸንሕሉ እዋን ከም ሰባትን ክርስቲያንን መጠን እናዓበየ ዝኸይድ መንፈስ እዩ፥
ከም ማሕበረሰብ ኴንካ ምግልጋል በዳሂ እዩ። ከመይሲ እተፈላለየ ባህርያትን ጠባያትን ስምዒታትን ዘለዎም ውልቀ ሰባት ብሓር ኪጐዓዙ ስለ ዘለዎም። ይዅን እምበር ንቤተ ክርስቲያን ብኣካል ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንምግልጋል እተገብረ ምድላው ነቲ ውዒሉ ሓዲሩ ዘይተረፍ ጸገማት ንኽትዋጽእሉ ዚሕግዝ ሓይሊ እዩ ዘመልክት
ብጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ዝዊዘርላንድ ንሕበን
ኣብ ምወዳእታ ቅዱስነቶም ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ነቶም ናይቲ ሓለዋ ጸጥታ ሓለውቲ ቅዱሳን ቅዱስ ማርቲኖን ቅዱስ ሰባስቲያን ከምኡ እውን ንናይ ኮንፈደራላዊት ሃገረ ስዊዘርላንድ ሓለዊ ቅዱስ ኒኮላ ዘፍልዪ ሕድሪ ብምሃብ፥
ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ተጠቂመ ንብምሉኦም ኣባላት ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ስለ እቲ መዓልታዊ ቀጻሊ ዘደንቕን ክቡር ምትሕብባሮም አመስግን። ቅድስቲ መንበር ኣባዅም ትተኣማመን። ሃገረ ቫቲካን እውን ብህላወዅም ይሕበን!
ቢሎም ኣብ ቀረባ እዋን ብሞት ዝተፈልዩ መንእሰይ ኣባል ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ሲልቫን ዎልፍ ዘኪሮም፥
በዚ ምኽንያት ደው ቢሎም፥
ሲልቫን ዎልፍ መሳርሕትኵም እውን ኣብዚ እንተዝርከብ ክንደይ ባህ ምበለኒ፥ እዞም ሕያዋይን ሕጉስን ብዘጋጠመ ሓደጋ ብሞት ክፍለዩና ዘሕዝን እዩ። ብናይ ጽሞና ጸሎት ንነፍሰ ሄር ዎልፍ ንዘክር!
ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።