ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ስደተይናታት ወረርቲ ኣይኰኑን፣ ኣበርክቶኦም ንሕብረተሰብ የሀብትም ር.ሊ.ጳ.፥ ስደተይናታት ወረርቲ ኣይኰኑን፣ ኣበርክቶኦም ንሕብረተሰብ የሀብትም 

ር.ሊ.ጳ.፥ ስደተይናታት ወረርቲ ኣይኰኑን፣ ኣበርክቶኦም ንሕብረተሰብ የሀብትም

ሕንጸት መንግስቲ ኣምላኽ ምሳታቶም እዩ ዘሎ፡ ከመይሲ ብዘይ ብኣታቶም እቲ ኣምላኽ ዝደልዮ መግንስቲ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኣይምኾነን። እቶም ኣዚዮም ተነቀፍቲ ዝኾኑ ሰባት ምሕዋስ ምሉእ ዜጋ መንስግስቲ ኣምላክ ንምዃን ኣድላዪ ቅድመ ኵነት እዩ!

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመበል 108 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዕለት 25 መስከረም፡ “ዕዮኦም ናይ መስዋእቲ ዓቕሞም ውዕዉዕ ዕድመኦም ኒሖም ነቶም ዘእንግድዎም ማሕበረሰብ የሀብትም፡ ምስ ዘአንገዶም ሃገርን ህዝብን ተወሃሂዶም ክነብሩ ምሕጋዝ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣድላዪ ቅድመ ኵነት እዩ፡” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ወረርቲ ኣዕነውቲ ዘመትቲ ዘይኰኑስ ንኽሰርሑ ሰናይ ፍቓድ ዘለዎም፥ “ንዓለምን ጽባቔ ብዙሕነትን ብዝበለጸ ንምስትውዓል ዝሕግዙ፡ ኣብ ጒዳይ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ተሰከምቲ “ዳግማይ ህይወት ዝህብ ውዕውዕነትን ንጡፋት መነቓቓሕትን እያቶም” እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ዝመጽእ ዘሎ መስከረም ዕለት 25 ዝኽበር መበል 108 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ገሊጾም፥ ኣብ ልዕሊ እዞም “ኣሕዋትና” ዝኾኑ ስደተይናታት ዘሎና ኣረኣእያን ኣቀራርብና ንኽንቅይር ሓድሽ ልባዊ ጻዒት የቕርቡ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ብሰላምን ብኽብርን ክንበረላ ዝከኣል ዓለም

“መጻኢ ብስደተይናታትን ምስ ስደተይናታትን ምህናጽ” ብዝብል ኣርእስቲ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 9 ግንቦት ኣብ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራኖ ዝኸተምዎ ዕለት 12 ግንቦት ብወግዒ ንንባብ ዝበቕዔ ንመዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ እዚ ተርእዮ ሕብረተሰብ እዚ እዋናውን ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ኣብ ዩክረይን ውግእ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን ዝያዳ ህጹጽ ምዃኑን እቲ መሰረታዊ ራእይ ከኣ እቲ ኣምላኽ ዚነብረሉ ቦታን ሸቶ ሰባትን ዝኾነ መንግስቲ ኣምላኽ “ሓዳስ ኢየሩሳሌም” ዝብል ኮይኑ፡ ነዚ ሕጂ ዘሎ ፍጻሜታት ማለት ነቲ  “ኵሎም ብሰላምን ብኽብርን ከነብሩላ ዝኽእሉ ዓለም” ንምንሕናጽ ዝገበርናዮ ቈራጽ ፍቓድ ንኸነሐድሶ ዝጽውዓና ‘ናይ መወዳእታ ዘመን’ ጸበባ” ገርና ኢና እንጥምቶ።

ዝኾነ ሰብ ክግለል የብሉን

እቲ “ዘደንቕ ስኒት” ንኽነግስ ናይዚ ሕጂ ዓለም “ዘይምዕሩይነትን ኣደልዎን ክውገድ ናይ ክርስቶስ ወንጌላዊ ፍቕሩ ዝኾነ ዝጸገዎ ድሕነት ብሓጎስ ክንቅበሎ ኣሎና፡ ኣብዚ ጉዕዞ እዚን ካብዚ ጉዕዞ እዚ ዝዀነ ሰብ ክግለል የብሉን” እንክብሉ ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ኣነጺሮም፡ መደብ ኣምላኽ ብሓቂ “ብመሰረቱ ንዅሉ ዝሓቁፍ” ኮይኑ “ነቶም ኣብ ወሰናስን ህላወ ዝርከቡ ዘማእክሎም” እዩ። ካብዚ ብምብጋስ ቅዱንቶም ስደተይናታትን ተመዛበልትን ናይ ንግድ ሰብ ግዳያትን፥

ሕንጸት መንግስቲ ኣምላኽ ምሳታቶም እዩ ዘሎ፡ ከመይሲ ብዘይ ብኣታቶም እቲ ኣምላኽ ዝደልዮ መግንስቲ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኣይምኾነን። እቶም ኣዚዮም ተነቀፍቲ ዝኾኑ ሰባት ምሕዋስ ምሉእ ዜጋ መንስግስቲ ኣምላክ ንምዃን ኣድላዪ ቅድመ ኵነት እዩ!

ምንጪ ሃብቲ

መጻኢ ምስ ስደተይናትትን ተመዘበልትን ምህናጽ ማለት’ውን ነፍሲ ወከፎም ኣብ መስርሕ ህንጸት እንታይ ከምጽኡ ከም ዝኽእሉ ምፍላጥን ዋጋ ምሃብን ማለት’ዩ። ቅዱስነቶም ትንቢት ኢሳያስ ዘኪሮም ድማ ኣብኡ “ወጻእተይናታት ከም ወረርትን ኣዕነውትን ዘመትን ዘይኮኑስ መናድቕ ሓዳስ ኢየርሱሳሌም ዳግማይ ዝሓንጹ ፍቓደይና ሰራሕተይናታት እያቶም” ስለዚ ምምጻእ ወጻእተይናታት “ምንጪ ሃብቲ” እዩ።

ዕላማ ዘለዎ መደባት

ብኻልእ ወገን ድማ “ኣበርክቶ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ንማሕበራውን ቁጠባውን ዕብየት ሕበረተሰብ መሰረታዊ ከምዝኾነ ታሪኽ ባዕሉ ይምህረና” ሎሚ እውን፥

ዕዮታቶም ናይ መስዋዕቲ ዓቕሞም ውዕዉዕ ሓይሎምን ኒሖምን ነቶም ዝቕበሉዎም ማሕበረሰብ የሀብትም። እዚ ኣበርክቶ እዚ ግን ብዕላማ ብዝግበር መደባት ዋጋ እንተተዋሂብዎን እንተተደገፈን ኣዚዩ ዝዓበየ ክኸውን ይኽእል። እዚ ዓቢ ዓቕሚ እዩ፡ ከምዚ ዝኸውን ከኣ ዕድል እንተተዋሂብዎ ጥራይ እዩ”

ሓድሽ ጸዓት ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ህይወት

“ብርግጽ - ይብሉ ቅዱነቶም ኣብ መልእኽእቶም - ስደተይናታት ዓቢይ ብድሆ ዝውክሉ እያቶም፡ ልዕሊ ዅሉ ግን ንዅሉ ባህላውን መንፈሳውን ዕብየት ዝኸውን ዕድል እዩ።” ሳላኦም “ብሰብኣውነት ክንበስልን ብሓባራውነት ዝዓበየ ‘ንሕናውነት’ክንሃንጽን ንኽእል።” በዚ ድማ “ኣብ መንጐ ዝተፈላለዩ ራእያትን ልምድታትን ፍረ ንዘለዎ ምንጽጻር ቦታታት” ይፈጥር እሞ “ኣብ ሃይማኖታትን ኣብ ዘይንፈልጦ መንፈሳውነትን ዘሎ ሃብቲ” ንኽርከብ ባይታ ይፈጥር።

ብርግጽ ምምጻእ ካቶሊካውያን ስደተይናታት “ንቤተ ክርስቲያናዊ ህይወት ናይቶም ዝቕበልዎም ማሕበርሰብ ሓድሽ ጸዓት” ከም ዝህብ ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ኣረጋጊጾም፥

“ምክፋል ዝተፈላለዩ መግለጺታት እምነትን ተወፉይነትን ንካቶሊካውነት ህዝበ እግዚኣብሔር ብዝያዳ ምልኡ ብምልኡ ንምንባር ፍሉይ ዕድል ዝውክል እዩ”

መጻኢ ምስ ተኣፋፍያን ብሓባር ምህናጽ

“ምስ ሰማያዊ ኣቦና ኣብ ምህናጽ መጻኢ ክንተሓባበር ድላይ እንተሎና ምስ ስደተይናታት ዝዀኑ ኣሕዋትናን ኣሓኣትናን ብሓባር እዩ ዝኽወን”፡ ኣብ ሎማዊ ህይወት ኢና እንሃንጾ! ምኽንያት ህንጸት መጻኢ ካብ ነፍሲ ወከፍና ስለ ዚጅምር።”

“እግዚኣብሔር ንዓለም ዝሓንጸጾ መደብ ክውን ክኸውንን ናይ ፍትሕን ሕውነትን ሰላምን መንግስቱ ክመጽእ ናይቲ ሕጂ ክውሰን ዘለዎ ውሳኔታት ሓላፍነት ናብ ዝቕጽል ወለዶ ክንሓድጎ የብልናን”

ጸሎት

ቢሎም፥ እግዚኣብሔር “ኣብቲ ምግላልን ምንጻልን ዘይብሉ ቦታ ሕውነት ክዕንብብ” ከምኡ’ውን “ሃነጽቲ መንግስትኻ” ክንከው መታን “ምስ ኩሎም እቶም ኣብ ሕዳግ ህላወ ዘለዉ ክንከውን” ሓግዘና ብዝብል ጸሎት መልእኽቶም ከም ዝዛዝሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

13 May 2022, 17:19