ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ካብ ዩክረይን እቲ ዝዓበየ ጸኣት ተመዛበልቲ ኣብ ኤውሮጳ ር.ሊ.ጳ.፥ ካብ ዩክረይን እቲ ዝዓበየ ጸኣት ተመዛበልቲ ኣብ ኤውሮጳ 

ር.ሊ.ጳ.፥ ካብ ዩክረይን እቲ ዝዓበየ ጸኣት ተመዛበልቲ ኣብ ኤውሮጳ

ንስኻትኵም ነቲ ቤተ ክርስቲያን እተሳልጦ ንጡፍ ግብረ ሰናይ ውጅሂ ንኽህልዎ ዝገብር ኣጋጣሚ ዘለኵም ኢኻትኵም!

ር.ሊ.ጳ.፥ ካብ ዩክረይን እቲ ዝዓበየ ጸኣት ተመዛበልቲ ኣብ ኤውሮጳ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 30 ግንቦት ናብ ኣህጉራዊ ሓልዮ ስደተይናታት ካቶሊካዊ ድርገት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ቤተ ክርስቲያን ንዅሉ ሰብ ከተገልግል ብፍላይ ነቶም ብዝተፈላለየ ጸገማት ተደሪኾም ንዝስደዱ ሓንጐፋይ ቢላ ብምቕባልን ብምዕቋብን ብምፍቃርን ንህንጸት መጻኢ ሰላም ኣበርቲዓ ክትዓዪ” ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብቲ ምልኡ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ ኣህጉራዊ ሓልዮ ስደተይናታት ካቶሊካዊ ድርገት ናብ ዝሳተፉ ዘለዉ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ እቲ ካቶሊካዊ ድርገት ስለ ዝፍጽሞ ኣገልግሎት ኣመስጊኖም፥ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝሓለፈ 70 ዓመታት ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ እቲ ንኣቢያተ ክርስቲያን ብሰንኪ እቲ ኣብ ዩክረይን ዘጋጠም ዘሎ ግጭት ዝፈጥሮ ዘሎ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ናይ ምግዓዝ ብድሆታት ምላሽ ንኽህባ ዘቕርቦ ዘሎ ሓገዝ ዘኪሮም፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ውግእ ዝፈጠር ዘሎ ምዝብልና ድሕሪ ካልኣይ ወግእ ዓለም ኣብ ኤውሮጳ ዝርአይ ዘሎ እቲ ዝዓበየ እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሰላማዊ መጻኢ ምህናጽ

እቶም ኣብ ካልእ ክፍልታት ዓለም ዝርከቡ ብሚሊዮናት ዝቝጸሩ ዑቕባ ሓተቲ ስደተይናታት ከምኡ እውን ካብ መረበቶም ዝመዛበሉ ዘለዉ ሰባት ሓንጐፋይ ዝብል ኣቀባብላን  ዑቝባን ፍቕርን ሃረር ዝብሉ እያቶም፡ እዚ ህጹጽ ኵነታት እዚ ቤተ ክርስቲያን ኣገልግሎትን ምስማዕን ክህልዋ ዝገብር እኳ እንተዀነ “ሰላም ዝዓሰሎ መጻኢ ንምህናጽ ኣበርቲዓ ክትዓዪ” ቈራጽነት ንኽትገብር ዝድርኻ እዩ፥

ንስኻትኵም ነቲ ቤተ ክርስቲያን እተሳልጦ ንጡፍ ግብረ ሰናይ ውጅሂ ንኽህልዎ ዝገብር ኣጋጣሚ ዘለኵም ኢኻትኵም!

ክዕቀብ ዘለዎ ተልእኾ

ቢሎም፥ ነቲ ኣብ 1951 ዓ.ም. ብር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 እተመስረተ ድርገት ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ኣብ መንጎ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዘገልግል ናይ ጒስነት ኣገልግሎት ክህሉን ኣብዚ መዳእይ እዚ እውን ኣብ መንጐ ኵለን ሃገራት ዘለዉ ኣባይቲ ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት መርበባዊ ርክብ ክህሉ ዝገበረ ምዃኑ ዘኪሮም፡ ኣብዚ ኣኼባ እዚ እቲ ድርገት ሓደ ካብቲ ዝፍጸሞም ዕዮታት “ሓድሽ ኣካላት መርሕነት ምምራጽን ዝምርሓሉ ሕጊ ምጽዳቕን ንዝቅጽሉ ዓመታት ዝፍጽሞ ዕማም” ክሕንጽጽ እዩ። ስለዚ እቲ መምርሒ ነቶም ስደተይናታትን ተመዛበልትን ሓንጐፋይ ቢልካ ምቕባልን ዕቝባ ምሃብን ምትብባዕን ከምኡ እውን ምትሕብባርን” ዝኣመሰለ ሓባራዊ መብጽዓ ዘለዎ ኣገዳስነት ዝሕብር እዩ። እቲ ድርገት ኣብቲ ወንጌል ስበኹ ብዝብል ኣርእስቲ ዝጸደቐ ሓድሽ ሓዋርያዊ ቅዋም ዝተመልከተ ናይ ወንጌላዊት ቤተ ክርስቲያን ባህርያትን ተልእኾን ምስቲ ኣናስራዊ ስርዓታት ብምስምማዕ ምእንቲ ክሕሎ ምስቲ ዘይንጽል ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝጣመር እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ሰብኣዊ ክብሪ

ብኻልኣይ ደረጃ እውን “ንዕቤትን ትግባረን መደባት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንስደተይናታት ከምኡ እውን ወትሩ ኣቢያተ ክርስቲያን ከከም ብቕዓተንን ኣብ ዓውዲ ስደተይናታት ኣብ ዝምልከት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ስንደዋት ክዀናን ኣብዚ ተልእዀ እዚ ዘተኵር ህንጸት ክህሉ” ኣተባቢዖም፥ እዚ ድርገት ንዓለም ለኻዊ ብድሆታት ምላሽ ኪህብን ንስደተይናታትን ተመዛበልንት ክጣበቕ ዘኽእሎ መደባት ኬቕርብ ኣለዎ። ከምኡ እውን ንሰብኣዊ መሰላት ኣኽብሮት ንምድንፋዕን ብመሰረት ናይ ማሕበረሰብኣዊ ሰረተ እምነት ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ክብሪ ሰባት ንምድንፋዕ ብዛዕባ ጒዳያት ስደተይናታት ሰፊሕ ኣህጉራዊ ፍልጠት ከስፍሕ” ዝተጸውዐ እንክብሉ መልእኽቶም ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።

31 May 2022, 16:27