ር.ሊ.ጳ.፥ ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ሓነጽቲ እቲ ንዓለም ካብ ውግእ ሓራ ዘውጽእ ሰውራ ለውሃት እያቶ
ዕለት 24 ሓምለ ዝበዓል ካልአይቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ንዓለም ብምክንኻን እርጋን ልቢ ንምቕያር ከም ግዜ ጸሎት ገርና ብምርኣይ “ንድዅማት ኣቓልቦ እንህበሉ ኣገባብ ናይ ሰላማዊ ኣነባብራ መምሃራን” ክንከውን ተማሕጺኖም፡ ቍምስናታትን ማሕበረሰብን ነቶም ኣብ በይኖም ዝተሓድጉ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ብምብጻሕ ግብረ ሓልዮት ክፍጽሙ ከም ዝዓደሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ንመዓልቲ ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ምኽንያት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ዓለም በቲ “ብዓለም ለኻዊ ደረጃ ሰላምን ዕቤትን ዝሃስን ዘቝስልን ዘይተጸበናዮ ብርቱዕ ህቦብላ” ዚልለ ለብዒ ኣብ ዝሳቐየሉ ዘለሉ እዋን ፈተና”፥ ካልእ ዓይነት “ለብዒ” ከምኡ እውን “ንሰብኣዊ ስድራ ቤትናን ሓባራዊ ቤትናን ዜስግእ ዘሎ ዓይነት ዓመጻ ከይረአይ ሓደራ።
ሓደ ካብዚ ዝተፈላለየ ዓመጻ እዚ ንኣረጋውያንን ኣረጋውትን ምርሳዕ ከም ውዳቕ ምሕሳብ ምጒሓፍ ዝብል ኣመለኻኽታ ድሕሪ ደጊም “ፍረ” ከምዘይብሉ ምስትውዓል የድሊ እንክብሉ ኣብቲ ዕለት 24 ሓምለ ካብ መዝሙረ ዳዊት ምዕ 92: “ምስ ኣረጒ እውን ፍረ ከፍርዩ እዮም” ዝተወስደ ቃል ቅዱስ መጽሓፍ ተመሪሑ ዝበዓል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ምኽንያት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቶም ኣጒሊሖም፥ እዘን ቃላት እዚኣተን ምስቲ ዓለም ብዛዕባ እዚ መዋዕል ህይወት እዚ ዘለዎ ኣተሓሳስባን እርጋን ብዛዕባ እቲ ገሌና ብዙሕ ተስፋ ዘይብልናን ካብ መጻኢ ዋላ ሓንቲ ንጽበየሉ የብልናን ብዝብል ኢድካ ብምሃብ ንአነርእዮ ጠባያትን ዝጻረር ምዃኑ ኣብሪሆም፥
እተባርከ እርጋን
ንብዙሓት ሰባት “እርጋን ዘፍርህ እዩ፥” ከመይሲ እዚ ኵነት ህይወት እዚ ከም ሕማም ጌርካ እዩ ዝረአ፡ እዚ ድማ ምስ ኣረጋውያን “ካብ ዝኾነ ይዅን ርክብ” ንኽትርሕቕ ዝገብር እዩ። እቲ መፍትሒ መብዛሕትኡ ግዜ ናብቲ መእለዪ ኣረጋውያን ማእከል ምእታዎም ዝብል ከም ዝኾነን እዚ ነቲ እዋኑ ዘምጽኦ ስልጣነ “ጓሓፋይ ባህሊ” ምቕባል ማለት እዩ እንክብሉ ኣጒሊሖም፥
ከም ሓቂ ግን ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዚምህሮ ነዊሕ ዕድመ በረኸት ምዃኑ እዩ። እቶም ኣረገውቲ ከኣ ካብ መን ከም ዚርሕቁ ዘይኮነስ ነቲ ህይወት ብብዝሒ ዜብርህ ሕያውነት ኣምላኽ ዜርኢ ህያው ምልክታት ምዃኖን እዩ፡ እታ ንኣረጋውያን እትሕሉ ቤት ብበረኸት እያ እትምራሕ! እታ ንኣቦሓጎኣን ኣደሓጎኣን እተኽብር ስድራ ቤት ዝተባርከት እያ - ትባረኽ እውን!
ኵነኔ የልቦን
ነዚ ኵነት ህይወትን ዕድመ እዚ፡ ብዙሓት ንምቕባል ድልዋት ስለ ዘይኮኑ ንምርዳኡ የጸግሞም፡ ከመይሲ “መደባት ረድኤት ይቐርብ እዩ እንተዀነ ውጥን ግብረ ሰናይ ኣይቐርብን - ምዕጣር ገጽ ክንሓብኦ ምስ እንፍትን ኣድማሳዊ ኣርኣእያ ነጥፍእ፡ በዚ ዓይነት መገዲ እዚ ኣቢልና ከኣ ነቲ ጓሓፋይ ባህሊ ናባና ነወስጦ ቢሎም፥ ትውክልትና ኣብ እግዚኣብሔር ምስ እንገብር ሓይሊ ንረክብ ውዳሰ ድማ የብዝሕ እንክብሉ ነቲ ናይ ለምዘበን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ካብ መዝሙረ ዳዊት እተወስደ መርሕ ቓል ኣብሪሆም፥
እርጋን ተፈጥሮኣዊ ናይ ኣካል ምብልሻው ወይ ውዕሊ ሓዲሩ ዘይተርፍ ዋሕዚ ግዜ ጥራይ ዘይኰነስ ነዊሕ ዕድመ ውህበት ምዃኑ እውን ከነስተውዕል ኣሎና። እርጋን ኵነኔ ዘይኮነስ በረኸት እዩ!
ሰገነታውያን ኣይንዅን
ካብ መንፈሳዊ ኣረኣእያ ተበጊስካ ብንጥፈት እርጋን ክትመርሕ እትኽእለሉ መገዲ “ቃል ኣምላኽ ብትግሃት ምንባብ መዓልታዊ ጸሎት ምጽላይ ሱታፌ ኣብ ቅዱሳት ምስጢራት ሊጡርጊያን” ምዃኑ ሓቢሮም፡ ልዕሊ ኵሉ ድማ ንጐረባብትና ጥራይ ዘይኮነስ ንድኻታትን ኣብ መከራ ንዝርከቡ ብምፍቃር ምስ ኣምላኽን ምስ ካልኦትን ዘሎና ርክብ ከነዕግብ ኣሎና።
እዚ ኵሉ ኣብ ትያትር ዓለም ተዓዘብቲ ኰይኑ ከይስምዓናን ኣብ መስኰት ደው ንኸይንብል፡ ንህላወ ጐይታ ኣፍልጦ ንምሃብ ህዋሳትና ብምንጻሕ ከም “ኣብ ቤት ኣምላኽ ልሙዕ ኣእዋም ኣውሊዕ” ክንከውንን፡ ነቶም ኣብ ጥቓና ዝነብሩ ኸኣ በረኸት ክንኮኖም ክሕግዘና እዩ።
ኣልቦ ኣጽዋር ዝኾነ ሰውራ
ቅዱስነቶም መብዛሕቲኡ ግዜ ነታ “ንሕና” እትብል ቃል ንኣረጋውያንን ኣረጋውትን ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ብምጥቓስ፡ ዝተጸዋዕናሉ ተልእኾ ምዃኑን እዚ ኸኣ ኣብ ሰውራ ለውሃት ኣገዳሲ ኣበርክቶ ምግባር ከም ቀንዲ ተዋሳእቲ ኴይንካ ክንበር ዘለዎ “መንፈሳውን ኣልቦ ኣጽዋርን ሰውራ” እዩ። “ሓነጽቲ” ምዃን ማለት “ንብኽያት መከራ እቶም ዚሳቐዩ ምስናይን” ከምኡ እውን ልቢ ሰባት ከም ዚቕየርን ካብ ኣጽዋራቶም ከም ዚላቐቑን “ንሓድሕዶም ኣብ ንሓድሕዶም ሓው ከም ዘለልዩ ምግባርን” ምዃን ማለት እዩ። “ደራስያን ጸሎት” ንምዃን እቲ “ኣብ ዓውዲ ህይወት ዚዓዪን ዚቃለስን ማሕበረሰብ” ብውዳሰን ብምህለላን ዚድግፍ ዓብዪ “ማሕበር መዘመራ” ናይ ምዃን መግለጺ እዩ።
ንሕና ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ሽመግለታትን ከኣ ዓቢዪ ሓላፍነት ኣሎና። እዚ ኸኣ ነቶም ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ኣንስትን ኣሰብኡትን ከም ንደቂ ደቅና እንዛረቦ ለውሃትን ብምርዳእን ብምርኣይ ንኻልኦት በዚ መገዲ እዚ ኪርእዩ ምምሃር እዩ። ንኻልኦት ኣብ ምክንኻን ንደቅሰብ ከነለብሞ እንኰለና፡ ሎሚ ኸኣ ነቶም ዝደኸሙ ጽን ኢልና ክንሰምዖምን ብምስማዕ ናይ ሓድሽ ሰላማውን ንድዅማት ኣተኵሮ ናይ ዝገብር ዓይነት ኣነባብራ መምሃራን ክንከውን ንኽእል።
ሓለውቲ ኣብ ስቓይ ንዝርከቡ ቈልዑ
ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ኣስዒቦም፥ “ሓደ ካብቲ ንኽንፈሪ እተጸዋዕናሉ ኣገባብ ከኣ ንዓለም ምዕቃብን ምክንኻንን እዩ” ቢሎም፥
ልክዕ ከምቲ ቅዱስ ዮሴፍ ለዋህን ሓላፍዪን ኣቦ -ነቶም ኣብ ዩክረይን ኣፍጋኒስታን ደቡብ ሱዳን ዝነብሩ ቈልዑ . . . ኣብ ልብና ነዕቍቦም
ምስ እዚ ብምትሕሓዝ እውን “በይንና ኣይኰናን እንድሕን ሓሴት ብሁባሬ እንቋደሶ እንጌራ እዩ”፡ስለዚ ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ነቶም ንኻልኦት ኣብ ምጽንጻን ዕውታት ምዃን ብዝብል ኣመለኻኽታ ንዚታለኡ ሰባት ኵሎም ነዚ ንኽምስክሩ ዝተጸውዑ እያቶም። “ኵሉ ሰብ እቲ ዝደኸመ እውን ከይተረፈ ነዚ ክገብር ይኽእል እዩ - እዚ መብዛሕቲኡ ግዜ ነቶም ካብ ካልኦት ሃገራት ዝመጹ ሰባት ክንከናኸን ምፍቃድና ብሓንሳብ ምንባር ዝከኣል ጥራይ ዘይኩነስ ኣድላዪ እንብለሉ መገዲ እዩ።
ንኣረጋውያንን ኣረጋውትን ምብጻሕ
ቅዱስነቶም፥ ካብ ምርኻብ ምሕዝነት -ዕርክነት ክንውለድ ስለ እንኽእል ንመዓልቲ ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ኣረጋውያንን ኣረገውትን ብሓባር ከነብዕል ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ “ዋላ ሓደ ሰብ በይኑ ከምዘይነብር ነረጋግጽ። ንኣረጋውያንን ኣረጋውትን ኣብ በይናውነት ንዝተጠንጠኑ ምብጻሕ ኣብ ግዜና ዚግበር ዕዮ ምሕረት እዩ፥”
ነታ ኣደ ለውሃት ዝዀነት ኣዴና ንዅላትና ናይ ለውሃት ሰውራ ሃንደስትን ክትገብረና ንዓለም ካብ ጽላል ጽምዋን ኣጋንንቲ ውግእን ሓራ ከተውጽኣና ንለምና!
ብዝብል ምሕጽንታ መልእኽቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።