ር.ሊ.ጳ. ንመንእሰያት፥ ዝሓሸ ዓለም ክትሃንጹ እንተ ደሊዅም መስዋዕቲ ኣየፍርሁኵም
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣብ መላእ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሓሳብ ከም ዘቕርቡ ክፍለጥ እንከሎ፡ ኣብ 2022 ዓ.ም. ወርሒ ግንቦት ካቶሊካውያን መንእሰያት ነቲ ኣምላኽ ዘቕርቦ ጸዋዕታ ብትብዓት መልሲ መታን ክህቡሉ ስሌኦም ክጽለ ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ወርሓ ግንቦት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንማርያም እተወፈየ ወርሒ ምዃኑ ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ ናይ ክሱት ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ናይ ጸሎት ሓሳብ ኣዘኻኺሮም፡ ከምኡ እውን ነቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ዝካየድ ዓለም ለኻዊ ጒባኤ ስድራ ቤት ቤተ ክርትያን ትዳለው ከም ዘላ ገሊጾም፡ በዚ መሰረት መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ምእመናንን ምእንቲ መንእሰያትን ነቲ ኣምላኽ ዘቕርቦ ጸዋዕታ ቅድስና ከይፈርሁ መልሲ መታን ክህብሉ ስሌኦም ክጽለ ይምሕጸኑ።
ኣብነት እታ እተባረኸት ድንግል ማርያም ንክርስቲያናዊ ናብራ ስድራ ቤት ፍሉይ ኣርኣያ ምዃኑ ገሊጾም፥
ብዛዕባ እቲ መንእሰያት ከለልይዎ ዚኽሉ ኣርኣያ ኣዴና ቅድስቲ ማርያም ክሓስብ ከለዅ ኵሉ ሳዕ ትብዓታ ብኸመይ ከም ዝሰምዑ ዝፈልጥሉ መገዲ ከምኡ እውን ንኣገልግሎት ዘለዋ ተወፋይነት ትዝ ይብለኒ”
ዝሓሸ ዓለም ምሕናጽ
ከም ዝበሉን፥ መንእሰያት ነቲ ማርያም እግዚኣብሔር ዘቕረበላ ጸዋዕታ “እነዅልካ” ቢላ ዘርኣየቶ ትብዓትን ቈራጽነትን ናቶም ገይሮም፡ ዓለም ንምምሕያሽ ኣብ ዝገብርዎ ጻዕሪ ክስዕብዎን ከነብርዎን ቅዱስነቶም ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ መንእሰያት “ሓድሽ ዝሓሸ ዓለም ንምህናጽ” ኣብ ሓደጋ ክኣትዉ መስዋዕትነት እውን ዝሓትት ይዅን ከይፈርሁ ካብ ኣብነት ማርያም ክመሃሩ ከም ዘለዎም ገሊጾም፡ “ንማርያም ምእንቲ ክንስዕብ ኢየሱስ ካባና ዚደልዮ ከነስትውዕልን ክንፈልጦን ከም ዜድልየና ኣይንረስዕ፡ እንታይ ክንብገር ከም ዘሎና ኣይንረስዕ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ጥበብ መዋእል
እነሓጎታትን ኣቦሓጎታትን ንመንእሰይ ወለዶ ነቲ ኣምላኽ ንህይወትና ዘለዎ ፍቓድ - ድላይ ከነስተውዕል ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ ብሉጽ ምንጪ ጥበብ ኪዀንዎ ከም ዝኽእሉ ገሊጾም፥ “በተን ቃላት ኣቦሓጎታትን እነሓጎታትን ኣቢልኵም ክንየው ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ኵነታት ከተብሉ ዘኽእል ጥበብ ትረኽቡ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ኣሕዋትና ኣሓትናን ኵሎም እቶም ምልኣተ ህይወት ኪነብሩ እተጸውዑ መንእሰያት ኣብ ህይወት ማርያም መገዲ ምስማዕ ዕምቈት ምስትውዓል ትብዓት እምነት ከምኡ እውን ኣገልግሎት ዝሓቶ ተወፋይነት ምእንቲ ኪፈልጡ ንጸሊ!
ጸዋዕታ - ኣገልግሎት
ናይ ቅዱስነቶም ናይ ጸሎት ሓሳብ ወትሩ እቲ ዓለም ሓቆፍ መረብታዊ ማሕበር ምእንቲ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ማሕበር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ብኽሱት ናይ ምስማዐ ርእየት ኣገባብ ቀሪጹ ዝዝርግሕ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ ነዚ ናይ 2022 ዓ.ም. ወርሒ ግንቦት ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ጸሎት ሓሳብ ምስ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ኣባይቲ ስድራን ሕይወትን ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ብምትሕብባር ዘዳለዎ ክኸውን እንከሎ፥ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ሰነ ዓለም ሓቆፍ ጒባኤ ኣባይቲ ስድራ ዝካየደሉ ምዃኑ ብምዝኽኻር ቅዱስነቶም ምእንቲ ኣባይቲ ስድራ ክጽለን ከምኡ እውን ወርሒ ሓምለ ኣብ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ዘተኾረ ከምዝኸውን ኣቐዲሙ ከም ዘፍለጠ የመላኽት።
ናይ ኣህጉራዊ መረብታዊ ርክባት ምእንቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት ማሕበር ዋና ኣመሓዳሪ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ፍረደሪክ ፎርኖስ፥ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መንጐ ወለዶታት ብፍላይ ከኣ ኣብ መንጐ ኣቦሓጎታትን እነሓጎታትን ደቂ ደቆምን ዘሎ ርክብ ወትሩ ኣገዳስነቱ ከም ዘመላክቱ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣዘኻኺሮም፡ ር.ሊ.ጳ. ብፍላይ መንእሰያት ነቲ ኣምላኽ ንቕድስና ዘቕርቦ ጻዋዕታ ብሱል ምስትውዓል ምስ ዚገብርሉ ንኻልኦት ምግልጋል ዝብል ውጽኢት ይህልዎ እንክብሉ ዝገልጽዎ ሓሳብ ዘቓልሕ ናይ ጸሎት ሓሳብ እዩ እንክብሉ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ይሕብሩ።