ር.ሊ.ጳ.፥ ዕንወት ደቂሰብ ካብ ሱሪ ኺሓውን ኪውገድን ኣለዎ!
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ መበል 50 ዓመት ዝኽሪ እቲ ኣብ ጳጳሳዊ ግረጎሪያና መንበረ ጥበብ ዝርከብ ክፍሊ ትምህርቲ ስነ-ኣእምሮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ነዚ ሕጂ ዘሎ ኣብ ዩክረይን ዝፍጸም ዘሎ ግጭት እናሓአቡ ንእከይ ክንኣብዮን ነቶም ክብረቶም ዝተግሃሶም ክንሕግዞም ከምኡ እውን ሰብ ኣብ ምዃን ዘሎ ሰብኣውነት ከነነቓቕሕ ሓደራ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዓለም ዘሕልፎ ዘሎ ስነ ሰብኣውን ትርጒም ሰበኣውን ቅልውላው፥ “ቤተ ክርስቲያን ግቡእን ውጺኢታውን ምላሽ ናይ ምሃብ ግዴታ ኣለዋ” ነዚ ዝበሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ኣብ ጳጳሳዊ ግረጎሪያና መንበረ ጥበብ ካብ ዝቐውም ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ናብ ዘብዕል ዘሎ ክፍሊ ትምህርትን መጽናዕትን ስነ ኣእምሮ ማእከል ገይሩ ናብ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ፍጻመ እዚ ከም ዓለም ለኻዊ ምዕባለ ሓድሽ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ቅልውላው ድሕሪ ሰብኣዊ ህይወት ዘጋጥም ጸገማት ንሰብን ነቲ ብሉጽ ክብረቱን ብኸመይ ከምዚጸልዎ ከምኡ እውን ቤተ ክርስቲያን ንፍጥረትን ንመጻኢን ኢላ ምላሽ ክትህበሉ ትክእል እንተ ዅይና ንምምርማር ዝሕግዝ እዩ። እዚ ዅሉ ብስነ ኣእምሮኣውን ፍልስፍናውን ቲዮሎጊያውን ስነ ማሕበራውን ኣረኣእያ እዩ።
ዋጋ ዝኸፍአ ሳዕቤን ዕንወት ደቅሰብ ኢዩ
ቅዱስነቶም ነዚ ሕጂ ዘሎ ኵነታት ብምምርማር ኣብ መልእኽቶም ብዛዕባ እቲ ኣብ ዩክረይን ዝግበር ዘሎ ነገራት ይእምቱ፡ ከምኡ እውን “እቲ እንርእዩ ዘሎና ዘሕዝን ፍጻመ ውግእ እቲ እዅል ግምት ዘይግበረሉን ብግቡእ ክንክን ዘይተገብሮ ሱር ዝሰደደ ሰብኣዊ ዕንወት ውልቀ ሰብን ስርዓትን ዘምጽኦ ዝኸፍአ ሳዕቤን እዩ” ብምባል ገሊጾም፡ “ንእከይ ኣይፋል ምባል ምምሃር ነቶም ዝቘሰሉ ወይ እተቘጥዑ ክብረቶም ዝተጋህሶም ብኽብሪ ምትንሳእ” ከምኡ እውን “ብግዲኦም ጽኑዕ ስነ ሰብኣዊ ምድላው ብምግባር ክኢላታት ሰባት ምስንዳው” ኣድላዪ ምዃኑ ኣረጋጊጾም። በዚ ምኽንያት እዚ ቤተ ክርስቲያን ካብቲ ክፍሊ መጽናዕትን ትምህርትን “ኣብ ፍልጠት ስነ ኣእምሮን ኣበርክቶ ቲዮሎጊያን ፍልስፍናን እተመርኰሰ ብሉጽ ኣገልግሎት” ትጽቢት ትገብር። ተልእኾኹም ሰብኣዊ ንምድንፋዕን ቀጻሊ መስርሕ ወንጌላውነት ንምቕራብን እዩ፡ እዚ መስርሕ ወንጌላውነት እዚ ከኣ እቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝፈጸሞ ዝለዓለ ውህበት ድሕነት ናብ ህላወ ደቅሰብ ብምትርጓም እዩ ዝፍጸም።”
ንጒስነት ምእመናን ኣብ ምክንኻን መቓርብ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ክፍለ ትምህርቲ
ቅዱስነቶም ኣስዒቦም እቲ ክፍሊ ትምህርቲ ስነ ኣእምሮ፥ “ኣብቲ ብካልኣይ ጒባኤ ቫቲካንእ እተገበገሰ ኪደት ኤቅለሲያዊ ሕዳሴ” ከም እተወልደ ዘኪሮም፡ ኣብ ውሳኔ “ፍስሓን ተስፋን፥ ንመሰረታዊ ስርዓታት ቲዮሎጊያ ጥራይ ዘይኰነስ ነቶም ምእመናን ናብ ንጹህን ብሉጽን ናይ እምነት ህይወት ምእንቲ ክመርሖም ኣብ ስነ ኣእምሮን ስነ ማሕበረሰብን እተረኽበ “ግጒይ ስነ ፍልጠት” እውን ከይተረፈ ንጠቀመሉ እንክብሉ ከም እተማሕጸኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ “ኣብ ዓውዲ ምርምር ሓያሎ ጽሑፋትን ከምኡ እውን ኣብ ጒስነትን ኣብ ሕንጸትን ንምእመናን ኣብ ምክንኻን ጒስነት እተገብረ ምትሕንፋጽ ስነ ስርዓት ዝመልኦ ኣቀራርባ” ብትብዓት ስዒቡ እዩ። . . .
ኣብ ኣግልግሎት እታ እትወጽእ ቤተ ክርስቲያን
እቲ ክፍሊ መጽናዕትን ትምህርትን ስነ ኣእምሮ ካብ ዝቐውም ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ዘብዕለሉ ዓውደ ጽምብል ነቲ ኣብ መጻኢ ዘጋጥም ብድሆታት ንምስጋር ካብ ዝሓለፈ ውርሻ ክጅምር ከም ዘለዎ ቅዱስነቶም ኣጒሊሖም፡ እቲ ናይዚ ዝኽሪ መርሕ ቓል “ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ኵነታት ዓለም ብዓብዪ ሓይሊ እዩ ዝምልከተና ሕቶታት የቕርበልና ይትንክፈና ከምኡ እውን ንሕልናና ምቕያርን ኣርዚንና ንኽምርምሮ ይዕድመና” ዝብል ምዃኑ ኣዘኻኺሮም ፥ “ምብዓል ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ክፍሊ ትምህርቲ ስነ ኣእምሮ ኣብ ጳጳሳዊ ግረጎሪያና መንበረ ጥበብ ነቲ ንምርምር እተገብረ ቘራጽነት ኬሐድሶ” ተስፋ ከም ዝገብሩን መምሃራንን ተመሃሮን “ቤተ ክርስቲያን ኣብ ወሰናስን ህልውናን ከተማታትን ናብ እተፈላለየ ባህልታት ሰብኡትን ኣንስትን ብምኻድ ነቲ ኣብ ህይወት ዘጋጥም ብድሆታት ንምስናፍ ደገፍን ድራኸን ንምቕራብ ንእትፍጽሞ ኣገልግሎት ዘገልግሉ ክዀኑ ሓደራ ቢሎም ዘመሓላለፍዎ መልእክቲ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።