ድለ

ዝበለጸ ውርሻ ወለዶታት ልቦናን ተውህቦን ሽማግለታቶም እምበር ሃብትን ንብረትን ኣይኮነን! ር.ሊ.ጳ

“እቲ በዓል ምስ ተወደአ ነፍስ ወከፍ ነንዓዱ ተመልሰ። ዮዲት ድማ ናብ ቤቱልያ ተመሊሳ ኣብ ርስታ ተቐመጠት። ምሉእ ሕይወታ፤ ኣብ መላእ ምድሪ እስራኤል ውርይቲ ኾይና ነበረት። … ዕድመ ዝጸገበት ኣረጊት ክሳዕ እትኸውን ኣብ ቤት ሰብኣያ ነበረ፤ ምሉእ ዕድሜኣ ኸኣ ሚእትን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ። ኣብ ቤቱልያ ሞተት፤ ኣባኡ ኣብ መቓብር ሰብ ኣያ ምናሴ ቐበርዋ። ሕዝቢ እስራኤል ንሾብዓተ መዓልቲ በኸዩላ። ቅድሚ ሙማታ ሃብታ ነዝማድ ሰብኣያ ምናሴን ነዝማዳን መቐለቶም። ነግራዳ ኸኣ ሓራ ኣውፅ ኣተን።” (ዮዲ 16,22.23-24)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ሎሚ ብዛዕባ ሓንቲ ካብተን ጀጋኑ ቅዱስ መጽሓፍ ዝኾነት ብዛዕባ ዮዴት ክንምልከት ኢና። ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ብሽማ ዝተጻሕፈ መጽሓፈ ዮዴት ኣብ ምዝዛሙ ነዚ ክንበብ ዝሰማዕናዮ መወዳእታ መዋእላ ብሕጽር ዝበለ መንገዲ ናይዛ ንሕዝቢ እስራኤል ካብ ጸላእቶም ዝተኸላኸለት ሰበይቲ ይገልጽ። ዮዴት ኣብ ንእስነታ ማእምን ዝኾነት ኣይሁዳዊት ሰበይቲ ኰይና ብዝነበራ ጽኑዕ እምነትን ዝተዓደላ መልክዕን ጒርሕን ንከተማ ቤቱኤልን ሕዝቢ ይሁዳን ካብ ከበባ ናይቲ ቀንዲ ጀነራል ናይ ናቡክደናጾር ዝነበረ ብርቱዕ ጸላእን ተጻራፊ ኣምላኽን ዝኾነ ንጉሥ ሆሎፈርኖስ ሓራ ኣውጽኤት። በዚ ከምዚ ከኣ በቲ ጥበብን ጒርሕን ዝመልኦ ተግባራ ነቲ ተጻይ ሃገሮም ዝነበረ ዲክታቶር ክሳዱ ክትቆርጽ ከኣለት። እዛ ሰበይቲ እዚኣ ብጣዕሚ ተባዕ እያ ዝነበረት እንተኾነ ልዕሊ ኩሉ ዓቢ እምነት ነበራ።

ድሕሪዚ እዚ ዓቢ ዓወት እዚ ዮዲት ናብታ ከተማኣ ናብ ቤቱልያ ተመሊሳ ክሳብ 105 ዓመታ ጽቡቅ ዘመነ ሽምግልና ተሕልፍ፡ ከምቲ ንብዙሓት ካባና ሓንሳእ ሓንሳእ ድሕሪ ብርቱዕ ጻዕሪ ሓንሳእ ሓንሳእ ድሕሪ ብዙሕ መስዋዕትነት ዚሓትት ቃልሲ ሕይወት ከምዘጋጥመና ንዓኣ እውን ዕድመ ሽምግልናኣ በጽሐ። ጅግንነት ናይቶም ዕለት ዕለት ዝዋዕዋዓሎም ዓበይቲ ፍጻሜታት ከም ኣብነት እዛ ዕሉል ዲክታቶር ዝቀተለት ዮዲት ጥራይ ኣይኮነን ዝምልከት እንታይ ደኣ ኣብ ናኣሽቱ ናይ ፍቅሪ ስራሓት እውን ንሓንቲ ኣብ ጸገም ትርክብ ስድራ ብምርዳእስ ይኹን ኣብ ብርቱዕ ጭንቂ ትርከብ ማሕበረሰብ ኣብ ምሕጋዝ እውን ዝግበር እዩ።

ዮዴት ል ዕሊ ሚ እቲ ዓመት ነቢራ! እዚ ፍሉይ ቡራኬ እዩ። እንተኾነ ኣብዚ ዘሎናዮ ዘመን ድሕሪ ጥሮታ ንውሕ ዝበለ ዓመታት ምንባር ዳርጋ ልሙድ እዩ፤ ነዚ ግዜ እዚ ከመይ ገቢርና ክንጥቀመሉን ክንርድኦን ንጥቅሚ ክነውዕሎን ንኽእል! ንኣብነት ሎሚ ጥሮታ ዚኣቱ ብዙሕ ዓመታት ነጻ ክኸውን ይኽእል! ነዚ ዓመታት እዝስ እንታይ ክገብር ይኽእል! ከመይ ቢሉኸ ኣብቲ ባዕሉ ዚዓቢ ዕድመ ብሓቅነትን ቅድስናን ጥበብን ኪዓቢ ይኽእል! ዝብል ሕቶ ኣሎ።

ጉዳይ ጥሮታ ምስቲ ብዙሓት ድሕሪ ኣድካሚ ናይ ሥራሕ ግዜ ዝውሃብ ግቡእ ግዜ ዕረፍቲ እዩ፤ እንተኾነ ሽሕ’ኳ ድሕሪ ብዙሕ ጻዕርን ሻቅሎትን እትረኽቦ ዕረፍቲ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ማዕረ ማዕረኡ ኸኣ ‘ካብዚ ምሉእ መዋዕለይ ሒዙኒ ዝነበረ ትሕዝቶ በዂረስ ሕጂ እንታይ እየ ዝኾነ! እንታይከ እየ ዝገብሮ!’ ዝብል ፍርሂ ኣይሰኣንን። እዚኣ ቀንዲ ሕቶ እያ፤ ከመይ ዕለታዊ ሥራሕ ሽቅለት ጥራይ ዘይኮነ ንምንባር ገለ ኣታዊ ብምርካብ እትዓግበሉን ገለ ዝግበር ኣሎኒ ቢልካ ትሑዝ እትኾነሉን ካልእ ብዙሕ ምስዚ ዝተኣሳሰረ ጒዳያት እትምልከተሉን ክንዮ ናይ ስራሕ ሰዓታት ዝረኤ ኩሉ ምሉእ ብምሉእ ዝተታሕዘ ክፍሊ ሕይወት እዩ።

ርግጽ እዩ፤ ምስዚ ተታሓሒዙ ዝኸይድ ብዙሕ ዘድክም ግን ከኣ ደስ ቢሉካ እትፍጽሞ ከምቲ ብዙሓት እኖሓጎታትን ኣቦሓጎታትን ንደቂደቆም ብምስናይ ኣብ ስድራቤታት ዘበርክትዎ ዓቢ ሓገዝ እውን ኣሎ። እንተኾነ ሎሚ ከም ሎሚ ዝውለዱ ሕፃናት ውሑዳት ኣብ ርእሲ ምዃኖም ብምኽንያት ሥራሕን ጸገም መንበሪ ገዛ ውሉድ ካብ ወለዶም ኣብ ርሑቅ ቦታ ምንባሮም ከጸግም ይረኤ። እቲ ኣብ ዝቀደመ ዘመናት እኖሓጎታትን ኣቦሓጎታትን ኣብ ኲስኰሳ ሕጻናት ዝነበሮም ዕዮ እውን ኣብተን ብግዲ ዘድልያ ሓገዛት ጥራይ ብምትኳር ደረት ክግበረሉ ይረኤ። ሓደ ግዜ ሓደ ሰብ እናተዋዘየ ‘ኣባቴ ኣብዚ ዘሎናዮ ማሕበረ ቊጠባዊ ኩነታት ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ቀንዲ ተደለይቲ ኰይኖም ኣለው፤ እዚ ኸኣ እቲ ነተን ናይ ጥሮታ ደሞዝ ክብሉ እዮም’ ክብል ስሒቁ ኣስሒቁኒ። ኣብ ርክብ እኖሓጎታትን ኣቦሓጎታትን ምስ ደቂደቆም ኲስኰሳውን ዝምድናውን ርክብ ከምዘሎ እውን ዘይምዝንጋዕ፤ ነዚ ኣብ መንጎ ወለዶታት ዝግበር ላማዳዊ ርክባት ክነመሓይሾ እዋኑ እዩ።

ነዚ ርክባት ከመይ ገቢርና ክነመሓይሾም ንኽእል! ወይከኣ ነቲ ዝቀርበልና ንዋታውን ቊጠባውን ኩነታት ሱቊ ቢልና ንቀበል! ቢልና ምስ እንሓትት፤ ነቲ ኣብ ዘመንና ዝረኤ ንውሕ ዝበለ ርክብ ወለዶታት ክሳብ ራብዓይ ወልዶ ዘሎ ርክብ ክነወሃህድ ክሕግዘና እዩ። ስለዚኸስ ኩልና ብሓባር ነዚ ርክብ እዚ ሰብኣውነት ክነልብሶን ኣብዚ ምዕቡል እንብሎ ዘመና ፍቅርን ፍትሕን ዝዓሰሎ  ክንገብሮ ሃሰሳ ነካይድ! ንኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ኣገዳሲ ጸዋዕታኦም ንደቅና ኣብ ምኲስኳስ ምድጋፍ እዩ፤ ሕጻናት ካባኦም ሓይሊ ሓልዮትን ኣኽብሮት ተኣፈፍቲ ሰባትን ይመሃሩ! እዚ መተካእታ ኣልቦ ትምህርቲ እዚ ምስ ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ብቀሊሉ ክትህቦን ክትቅበሎን ይከኣል፤ ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ብግዲኦም ሓልዮትን ተኣፋፍነትን ምልክት ፍጻሜ ጥራይ ዘይኮነ ነቶም መን እሰያት ንመጻኢ ሰብ ኣውነት ተኣንጊቦም ዝሰግሩሉ ምዃኖም እውን ይመሃሩ።

ዮዴት ኣብ ንኡስ ዕድሜኣ እያ ትምእምን! ውሉድ እውን ኣይነበርዋን! እንተኾነ ንዘመነ ሽምግልናኣ በቲ እግዚኣብሔር ዝ ዓደላ ጸጋ ንተል እኮኣ ብግቡእ ብምፍጻማ ከም ዘመነ ምልኣትን ቅሳነትን ትነብሮ። እዚ ዘመንዚ እዚ ንኣኣ ውርሻ ጥበብን ሓልዮትን ከም ውህበት ስድራቤትን ማሕበረሰባን ምትሕልላፍ ነበረ፤ እዚ ውርሻ እዚ ንዋታዊ ዘይኮነ ዚዓበየ ሠናይ ውርሻ እዩ። ውርሻ ክንሓስብ እንከሎና ሃምናን ቀልብናን ኣብ ንዋታዊ ጒዳያት እምበር ኣብቲ ኣብ ዘመነ ሽምግልና ዝዝራእ ሠናይ ነገር ኣይነስተውዕልን፤ እዚ ውርሻ ሠናይ ነገር ክንገድፎ ዘይብልና ዝበለጸ ነገር እዩ።

ዮዲት ኣብ ዘመነ ሽምግልናኣ እያ ነታ ባርያኣ ሓርነት እትእውጀላ! እዚ ኣብ ጐድንኻ ንዘሎ እተርእዮ ጥንቁቅን ሰብኣውን ውሳኔ ምልክት እዩ። እዛ ባርያ እዚኣ ኣብቲ ነቲ ዲክታቶር ክትቅንጽለሉን ክተሸንፎን ኣብ ዝገበረቶ ገድሊ ዘሰነየታ እያ። ኣብ ሽምግልና ኣ ዕይንቲ ጽልግልግ ይብለን እንተኾነ ውሳጣዊ ኣዕይንትና ማለት ኣዕይንቲ ልብና ኣነጺረን ክርእያ ይኽእላ። ነቲ ቀደም ክንርእዮም ዘይንኽእሎም ዝነበርና ነገራት ኣነጺርና ክንርኢ ንኽእል። ሽማግለታት ክጥምቱን ክርእዩን ይኽእሉ። ስለዚኸስ ጐይታ ውህበታቱ ንመንእሰያትን ሓያላትን ጥራይ ኣይኮነን ዝዕድል፤ ንነፍሲወከፍ ከከም ዓቅሙ ንሽማግለታት እውን ይዕድል። መነባብሮ ማሕበረሰባትና ነዚ ንተቆጻጸርቲ ዜና መዋእል ኣብ ጥሮታ ምዃኖም ጥራይ ዝምልከት እንተኾነ ዋጋ ክወሃቦም ዝግባእ ሃብቲ ዝኾኑ ናይ ሽማግለታት ጥበብን ውህበታትን ርእዩ ክኽእል ኣለዎ። ብወገን ሽማግለታት እውን ምህዞ ዝተሓወሶን ለጋስ ተወፋይነትን ዘለዎ ሓዲስን ምስትውዓል ክውንኑ የድሊ። ሕሉፍ ክእለት ተግባራቶምን ተመኲሮታቶምን ኣባኡ ተዓኒድካ ካብ ምትራፍ ሰጊሮም ምንጪ ምምሃርን ምምካርን ምህናጽን ምክንኻንን ጽን ቢልካ ምስማዕን ክኾኑ ኣለዎም። ብዝበለጸ ናብ ጽጉማትን ናይ ምርዳእ ጸገም ዘለዎን ንበይኖም ዝተረፉን ከተክሩ ይሓይሽ።

ዮዴት ንባርያኣ ሓርነት ብምእዋጅ ኣተና ኩሎም ትስሕብ! መንእሰይ እንከላ ብጅግንነታ ንኩሎም ሃነን ዘበለት ነበረት፤ ኣብ ሽምግልናኣ ከኣ በቲ ንሓርነትን ፍቅርን ዘሀብተመ ሓልዮታ ኣድናቆት ተትርፍ። ዮዲት ዕሚም እናበለት ንዘመነ ጥሮታኣ እተሕልፍ ኣይኮነትን! ነዚ ባዶሽ እዚ በቲ እግዚኣብሔር ዝዓደላ ውህበታት እትመልእ ሽማግለ ነበረት። ሓደራ ዝብለኩምከስ ኣብዘን ዕለታት እዚኤን ቅዱስ መጽሓፍ ውሰዱ እሞ ንመጽሓፈ ዮዲት ኣንብቡ፤ ን እሽቶ መጽሓፍ እዩ ካብ 10 ገጻት ኣይበዝሕን እዩ። ነዚ ብሓልዮትን ልግስን ዝዛዝም መጽሓፍ ናይዛ ተባዕን ጽን ዕትን ሰበይቲ ታሪኽ ኣንብቡ፤ ናይ ዘመንና ኣንስቲ ከማኣ ክኾና ክንደይ ምደለኹ! ኩለን ከማኣ ተባዓት ለባማት ኮይነን ውርሻ ሶልዲ ዘይኮነ ኣብ ልብታት ደቂደቀን ዝተዘርኤ ውርሻ ጥበብ ከውርሳ ምደለኹ!

ብድምጺ ንምክትታል!
11 May 2022, 13:56
ንኩሉ ኣንብብ >