ብኣልማማ ንኩሉ ንዝግበር ንግድ ኣጽዋር ውግእ የብቅዕ ክንብል እዋኑ እዩ! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ቅዱስነቶም ነዚ ብተደጋጋሚ ኣብ ሃገረ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ዝረኤ ጠመንጃ ኣኣልዒልካ ሕይወት ንጹሓት ሰባት ምቅዛፍ ምናዳ ኸኣ ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ካልእ ንርእሶም ክከላኸሉ ዘይክእሉ እኩባት ሰባት ዝርከቡሉን ቦታታት ዝግበር ዓመጽ ደው ክብል እንተደኣ ኰይኑ ብቀዳምነት ቀንዲ ምኽንያቱ ዝኾነ ንኩሉ ብኣልማማ ኣጽዋር ውግእ ምሻጥ ዝብል ፖሊሲ ክውገድ ጻውዒት ኣቅርቦም።
እቲ ዘሕዝን ፍጻሜ ኣብ ቀዳማይ ብርኪ ቤትትምህርቲ ኡቫልደ ዝበሃል ክፍሊ ተክሳስ ኰይኑ 18 ሕጻናትን 3 ዓበይትን ሕይወቶም ስኢኖም። ነዚ ዝገበረ ከኣ ሓደ ጸገም ኣእምሮ ዝነበሮ ወዲ 18 ዓመት መንእሰይ ኰይኑ ኣብ ክፍሊ ኣብ ዝነበሩ ተመሃሮ ኣትዩ ብኣልማማ ክትኩስ ጀሚሩስ ኣይፋልካ ዝበለት መምህር እውን ምሳኦም ቀቲልዋ። ኣብ መወዳእታ ፖሊስ ንኣኡ እውን ከምዝቀተልዎ እንክምልከት እቲ መንእሰይ ጠመንጃ ሒዙ ካብ ገዛ ክ ወጽእ ዝረኣየት ኣደዓባዩ ንዓ ግደፍ ቢላ ክትክልክሎ ምስ ፈተነት ናባኣ ተኲሱ ከምዘቊሰላውን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።
ምብካይ ጥራይ ዘይኮነ ገለ ንግበር! ካርዲናል ኩፒች!
ናይ ቺካጎ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካዲናል ኩፒች ‘ርግጽ እዩ ዘሕዝን ፍጻሜ ብምዃኑ ክንሓዝንን ክንነብዕን እኳ ግድን እንተኾነ ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዝበለ ካብ ቊጽጽር ወጻኢ ዝኾነ ጉዳይ ግን ኩልና ገለ ንምግባር ስንድዋት ክንከውን ኣሎና` ኢሎም።
ቅድሚ ሕጂ እውን 10 ዓመት ይገብር ኣብ ሳንድይ ኩክ ዝበሃል ትምህርቲ 20 ሕጻናት ዝርከብዎም 26 ተመሃሮ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ተቀቲሎም ክምዝነበሩ ዝዝከሩ ብፁዕነቶም `ንደቅናስ እንታይ ንትስፈወሎም! ኣብ ቅድሚ ሓደ ክቀትሎም ዝትኲስ እንታይ ክገብሩ ከምዘለዎምዶ ንምሃሮም! ነቲ ማሕበረሰብ ንኣኹም ጽቡቅ እዩ ዝበሎም ጐዳኢ ጉዳያት ክገብሩ ሱቊ ቢልናዶ ንተዓዘብ! መጻኢ ንክህልዎም ምስ ኩሉ ሓደጋታት ናብ ትምህርቲ ምስዳዶምዶ ንቀጽል! ወይስ ገለ ክንገብር ኣሎና ኢሎም ይሓቱ እሞ፣ ስለምውታትና እናሓዘናን እናበኸናን ነዚ ንምግታእ ሓደ ነገር ክንገብር ግድን እዩ እንክብሉ ጻውዒቶም ከምዘቅረቡ ተመልኪቱ።