ድለ

epaselect USA TEXAS SCHOOL SHOOTING epaselect USA TEXAS SCHOOL SHOOTING 

ብኣልማማ ንኩሉ ንዝግበር ንግድ ኣጽዋር ውግእ የብቅዕ ክንብል እዋኑ እዩ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሮቡዕ ዕለት 25 ግንቦት 2022 ዓም ኣብ ፍጻሜ ሓፈሻዊ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ትምህርተክርስቶስ ነቲ ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ግዝኣት ተክሳስ ንሕይወት 19 ሕጻናትን መምህርን ዝቀተለን ምስ ርእሱ 21 እስትፋስ ዝቀዘፈ መንእሰይ ከምዘሕዘኖምን እዚ ከኣ በቲ ግጉይ ንግድ ኣጽዋር ውግእ ንኩሉ ዝብል ፖሊሲ ኣመሪካ ስለዝኾነ ድሕሪ ሎም ከምዚ ዓይነት ድራማ ከይድገም እንተደለና ሎሚ እዚ ፖሊሲ እዚ ደው ይብል ንምባል እዋኑ እዩ ኢሎም። ናይ ቺካጎ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ኩፒች እውን ተመሳሳሊ ጻውዒት ከምዘቅረቡ ተመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ነዚ ብተደጋጋሚ ኣብ ሃገረ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ዝረኤ ጠመንጃ ኣኣልዒልካ ሕይወት ንጹሓት ሰባት ምቅዛፍ ምናዳ ኸኣ ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ካልእ ንርእሶም ክከላኸሉ ዘይክእሉ እኩባት ሰባት ዝርከቡሉን ቦታታት ዝግበር ዓመጽ ደው ክብል እንተደኣ ኰይኑ ብቀዳምነት ቀንዲ ምኽንያቱ ዝኾነ ንኩሉ ብኣልማማ ኣጽዋር ውግእ ምሻጥ ዝብል ፖሊሲ ክውገድ ጻውዒት ኣቅርቦም።

“ብኣልማማ ኣጽዋር ውግእ ንዝኾነ ሰብ ምሻጥ ደው ይበል ካብ ንብል ኣይወሓደን። ሕጂ እውን እንተኾነ ከምዚ ዓይነት ትራጀዲ ከይድገም ኩልና ዘዝተኻእለና ንምብርካት ሓላፍነትና ንለበስ ኢሎም።”

እቲ ዘሕዝን ፍጻሜ ኣብ ቀዳማይ ብርኪ ቤትትምህርቲ ኡቫልደ ዝበሃል ክፍሊ ተክሳስ ኰይኑ 18 ሕጻናትን 3 ዓበይትን ሕይወቶም ስኢኖም። ነዚ ዝገበረ ከኣ ሓደ ጸገም ኣእምሮ ዝነበሮ ወዲ 18 ዓመት መንእሰይ ኰይኑ ኣብ ክፍሊ ኣብ ዝነበሩ ተመሃሮ ኣትዩ ብኣልማማ ክትኩስ ጀሚሩስ ኣይፋልካ ዝበለት መምህር እውን ምሳኦም ቀቲልዋ። ኣብ መወዳእታ ፖሊስ ንኣኡ እውን ከምዝቀተልዎ እንክምልከት እቲ መንእሰይ ጠመንጃ ሒዙ ካብ ገዛ ክ ወጽእ ዝረኣየት ኣደዓባዩ ንዓ ግደፍ ቢላ ክትክልክሎ ምስ ፈተነት ናባኣ ተኲሱ ከምዘቊሰላውን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ምብካይ ጥራይ ዘይኮነ ገለ ንግበር! ካርዲናል ኩፒች!

ናይ ቺካጎ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካዲናል ኩፒች ‘ርግጽ እዩ ዘሕዝን ፍጻሜ ብምዃኑ ክንሓዝንን ክንነብዕን እኳ ግድን እንተኾነ ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዝበለ ካብ ቊጽጽር ወጻኢ ዝኾነ ጉዳይ ግን ኩልና ገለ ንምግባር ስንድዋት ክንከውን ኣሎና` ኢሎም።

ቅድሚ ሕጂ እውን 10 ዓመት ይገብር ኣብ ሳንድይ ኩክ ዝበሃል ትምህርቲ 20 ሕጻናት ዝርከብዎም 26 ተመሃሮ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ተቀቲሎም ክምዝነበሩ ዝዝከሩ ብፁዕነቶም `ንደቅናስ እንታይ ንትስፈወሎም! ኣብ ቅድሚ ሓደ ክቀትሎም ዝትኲስ እንታይ ክገብሩ ከምዘለዎምዶ ንምሃሮም! ነቲ ማሕበረሰብ ንኣኹም ጽቡቅ እዩ ዝበሎም ጐዳኢ ጉዳያት ክገብሩ ሱቊ ቢልናዶ ንተዓዘብ! መጻኢ ንክህልዎም ምስ ኩሉ ሓደጋታት ናብ ትምህርቲ ምስዳዶምዶ ንቀጽል! ወይስ ገለ ክንገብር ኣሎና ኢሎም ይሓቱ እሞ፣ ስለምውታትና እናሓዘናን እናበኸናን ነዚ ንምግታእ ሓደ ነገር ክንገብር ግድን እዩ እንክብሉ ጻውዒቶም ከምዘቅረቡ ተመልኪቱ።

ብድምጺ ንምክትታል!
25 May 2022, 16:03