ድለ

ኣብ ድኻም ዝወረሮ ማሕበረሰብ ሽምግልና ዘመን ጥበብ እዩ! ር.ሊ.ጳ

‘ኩሉ ኸንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይን ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ዘበለ ተግባር ከፊኡኒ እዩ እሞ፡ ህይወት ጸላእኩ። ነቲ ብድሕረይ ዚመጽእ ሰብ ክሐድገሉ እየ እሞ፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝዐየኽዎ ኹሉ ዕዮይ ጸላእክዎ። . . .መፈጸምታ ኹሉ እቲ ነገር ንስማዕ፡ እዚ ናይ ሰብ ኩለንትና እዩ እሞ፡ ንኣምላኽ ፍርሃዮ፡ ንትእዛዛቱውን ሐልዎ። ኣምላኽሲ ንኹሉ ግብርን ንሕቡእ ነገር ዘበለን፡ ሰናይ ኮነ ወይስ እኩይ፡ ናብ ፍርዲ ኼምጽኦ እዩ።’ (መክ 2.17-18, 12.13-14)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ብዛዕባ ሽምግልና ኣብ ንገብሮ ዘሎና ኣስተንትኖ ሎሚ መጽሓፈ መክብብ ብዛዕባ ሽምግልና ንዝብሎ ክንምልከት ኢና፣ አዚ መጽሓፍ እዚ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ተዓቊሩ ዘሎ ወደር ኣልቦ መዝገብ እዩ። መጀመርያ ክትግንጽሎ እንከሎኻ በቲ ደጋጊሙ ‘ኩሉ ናይ ከንቱነት ከንቱ እዩ’ ከም ግመ ዝበንን ከም ትኪ ዝጠፍእ ኩሉ ባዶ እዩ’ ዝብል ሓረጋቱ ከደንጹ ይኽእል። ንትርጉም ሕይወት ከይተረፈ ኣብ ምልክት ሕቶ ብምእታው ንኩሉ ኣብ ምጉት ዘቅርብ ክፍሊ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ክትረክብ እውን ዘደንቅ እዩ። ከም ሓቁ ከኣ መጽሓፍ መክበብ ትርጉም ኣብ ዘለዎን ትርጉም ኣልቦ ኣብ ዝብሎን ክመላለስ ክትረኽቦ ድንግር የብል እዩ። እንተኾነ እዚ ኣቀራርባ እዚ ስለ እታ ፍርዲ እግዚኣብሔር ዘረጋግጻ ፍትሒ ክብል ካብ ኩሉ ከምዝተፈልየ ዘመልክት ጥበብ ከምዝገልጽ ምርዳእ የድሊ። ካብዚ ፈተነ እዚ ከመይ ቢልካ ከም እትገላገል ከኣ ኣብ 12.13 ‘መፈጸምታ ኹሉ እቲ ነገር ንስማዕ፡ እዚ ናይ ሰብ ኩለንትና እዩ እሞ፡ ንኣምላኽ ፍርሃዮ፡ ንትእዛዛቱውን ሐልዎ’ እንክብል ይመክር። ነዚ ጸገም እዚ መፍትሒ ዝኸውን ምኽሪኸስ እዚ እዩ።

ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዝበለ ንነሕድሕዱ ዝጋጮ ዝመስል እንተኾነ ኩሉ ሓላፊ ምዃኑ ዝግለጸሉ   ግዝያት ኣብ ሕይወትና እውን ዘሕዝን ተስፋ ቊርጸት ከጓንፈና እንከሎ ንኩሉ ኩሉ ኣይምውቅ ኣይዝሑል ኰንካ ሸለል ናይ ምባል ፈተነ ከጋጥመና ይኽእል እዩ። ጻዕርናስ ኣብ ዓለም እንታይ ለውጢ ኣምጺኡ! ኣብ መንጎ ፍትሓውን ዓማጽን ንዘሎ ፍልልይ ክዳኒ ዝኽእል ይህሉዶ! እናበልና ኩሉ ዋጋ ዘይብሉ ከንቱ ስለዝኾነ ምጽዓር ኣይደልን ዝብል ፈተና ከጋጥመና ይኽእል።

እዚ ኣሉታዊ ሓሳብ እዚ ኣብ ዝኾነ ደረጃ ዕድመና ከጋጥም ዝኽእል ፈተና እዩ፣ እንተኾነ ሽምግልና እዚ ዘይተርፍ ፈተና እዚ ከምዘጋጥሞ ዘጠራጥር ኣይኮነን።  እዚ ቅሬታ ወይውን ሕርኽርኽ ዝብል ስምዒት እዚ ኣብ ዘመነ ሽምግልና እንተስ ቀልጢፉ እንተስ ድሒሩ ይመጽእ እዩ። ነዚ ሞራልካ ባይታ ከዝብጥ ዝኽእል ቅሬታን ጣዕሳን ኣብ ዘመነ ሽምግልና ምቅላስከስ ወሳኒ እዩ። ንኩሉ ኩሉ ዝረኣዩን ዝዕቅቡን ሽማግለታት ንፍትሒ ዘለዎም ጽምኢ ኣጽኒዖም እንተዓቂቦም ንፍቅርን እምነትን ተስፋ ኣሎና ማለት እዩ። እዚ ቅልውላው እዚ ናይ ጥዕና ቅልውላው ስለዝኾነ ንዘሎናዮ ዓለምና በዚ ቅልውላው እዚ ዝሓለፉ ሽማግለታት ብግዲ የድልይዎ ኣለው። ምኽንያቱ ከኣ ንኩሉ ኩሉ ዝፈልጥን ዝመዝንን ዝመስሎ እሞ ከም ድላዩ ክጥምዝዝ ዝደናደን ባህሊ ሓባራዊ ተስፋ ቊርጸት ኣስኒቁ ንኩሉ ከንቱ ገቢሩ ፍቅርስ ይኹን ሠናይ ነገር ምንም ትርጉም ከምዝስእን ክገብር ይኽእል።

እዚ ሞራላዊ ዝሕጠት እዚ ዝኾነ ነገር ካብ ምግባር ይዕንቅጸና! ምንም ድላይ ከምዘይብልና ይገብረና! ተዛማዲ ሓቂ ሒዝካ ነንሕድሕዱ ንዝጣረስ ነገራት እውን ሸለል እናበልካ ውሕጅ ሒዝዎ ከምዝጐዓዝ ግዛዕ ኰንካ ምስ ግዜ እናተጓዕዝካ ናብ ከንቱነት ክውደቅ ይከኣል። ኣብዚ ሳይንሳዊ ሓቂ እዩ እናበልካ ትርጉም ኣልቦን ኢሞራላውን ጒዕዞ ሂዝካ ምዂብላል ካብቲ ሓቀኛ ጽድቂ ንምድላይን ምስዓብን ዝግበር ተጋድሎ ፈጺሙ ተነጺሉ እዩ። ንመጻኢኡ ኣይሕስብ! ንዝተዋህቦ ተስፋ ኪዳን ኣይግደስ! ንዝተዋህቦ ድሕነት ዋጋ ኣይህብ።

ኣብ ዘመናዊ ባህልና ትኽክለኛ ፍልጠት ንምርካብ ኩሉ ብምውፋይ ንዝብል ኣምር ገዲፍካ ንኩሉ ብዓይኒ ምስትንዓቅ ዝምልከት ፍልጠት ማለት ሓላፍነት ኣልቦ ፍልጠት ንምርካብ ያኢ ምስ ኩሉ ትጋጮ። ከም ሓቁ ከኣ ካብ ኩሉ ሞራላዊ ሓቅን ሕይወትን ሓራ ዝገብረና ፍልጠት ንቀዳደመሉ እንተኾነ ብኡ ንብኡ ናብ ምድንዛዝ ነፍሲ ይወስደና።

ቅንያዊ ኣቀራርባ መጽሓፈ መክብብ ግን ነዚ ባዶሽ ዝኾነ ካብ ዓቅሚ ምስኣን ሃረርታ ዝውለድ ናይ ኩሉ ነገር ሊቅ ኰንካ ፈላጥ ኰንካ ክትረኤ ናይ ምድላይ ሓደገኛ ፈተነ የጋልጽ!  ናይ ጥንታዊ ባህሊ ክርስትና መነኮሳት ነዛ ሕማም ነፍሲ እዚኣ ብኣጋኡ ኣለልዮማስ እዛ እምነትብ ሞራልን ዝጐደላ ፍልጠት እዚኣ ፍትሒ ኣልቦ ግብዝ ፍልጠት ምዃና ይገልጽ። ድንዛዜ ወይውን ፍዘት ይብልዋ ነበሩ። እዛ ፈተና እዚኣ ናይ ኩሉ ፈተና ናይ ሽማግለታት ፈተና እውን እያ። ማንም ትህኪት ኣይኮነትን! ክንዮኡ እያ። ጭንቀት ወይ ቅዛነት እውን ኣይኮነን። ንፍልጠት ዓለም ኢዳ ዝሃበት እንተኾነ ንጽድቂ ዘይትግደስ ሓላፍነት ሳዕቤኑ ከኣ ዘይትለብስ እያ።

ካብ ኣገባብ ኣፍልጦ እዚ ዝውለድ ባዶሽ ትርጉምን ሓይልንከስ ንዝኾነ ኤቲካዊ ሓላፍነትን ንሠናይ ነገር ክህልዎ ዘለዎ ስሕበትን ይነጽግ፣ ጉዳኢ ኣይኮነን ኢልካ ዝሕለፍ ኣይኮነን። ንሓይልታት ሃረርታ ሠናይ ነገር ጥራይ ኣይኮነን ረጊጡ ዚዓጹ ንዓመጽቲ ሓይልታት ክፍኣተ ግብሪ ጋህ ኣቢሉ መዓጹኡ ይኸፍት። ናይ ጽላሌ ሓይሊ ኮይኑ ንቅጥዒ ኣልቦ ኣተሃሳስባ ኢዱ ይህብ። ስለዝኾነ ከኣ ኣብዚ ዘመንና ምስቲ ኣሎና እንብሎ ምዕባለን ጥዑም መነባብሮን ድኻም ዝወረሮ ማሕበረሰብ ኰና ንርከብ፣ ነዚኣሞ ሕሰብዋ ድኻም ዝወረሮ ማሕበረሰብ! ንኩሉ ዝኸውን ጥዑም ናብራ ከነጠጥሕ ክንብል ንጥዕና ከይተረፈ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘውርድ ንሰላምና ዝድርት ንተኣፈፍቲ ክፍሊ ሕብረሰብና ዋጋ ሕይወትን ናብራን ዘኽፍል ውግኣት ክሳብ ምእዋጅ ንበጽሕ። ርግጽ እዩ ሳይንስ ይስጉም ኣሎ! እዚ ከኣ ሠናይ እዩ። እንተኾነ ፍልጠት ሕይወት ተዓኒዱ ደው ቢሉ ኣሎ።

ኣብ መወዳእታ እዚ ስምዒት ኣልቦን ሓላፍነት ኣልቦን ኣመክንዮ እዚ ንሓቀኛ ፍልጠት እውን ትርጉምን ሓይልን የጒድለሉ እዩ። ዘመንና ዘመን ፈይክ ኒውስ ማለት ናይ ሓሶት ወረ ዘመን ምዃኑ ብሃንደበት ዝመጸ ኣይኮነን። ካብዚ ሓፈሻዊ ዕብለላ እዝን ናይ ሓሶት ሳይንስ ሓቅታትን ዝመንጨወ እዩ። ነዚ ንምሽፋን ኣብ ዘመናን ብዙሕ ቤላቤለውን ባህሊ ፍለጠለይን ጥንቈላን ተማሂዙ ኣሎ። መስኪነይቲ ነፍሲ ግን በቲ ሓደ ወገን ንሓቂ ክትፈልጥ ሒዂ እንክትብል ክሳብ ጥንቈላ እንክትወርድ በቲ ካልእ ወገን ንነገራት ክሳብ ሱር መሠረቶም ሓቀኛ እንታይነቶም ክፍለጥ ኣሎኒ ኢላ ትቃለስ። ዘመነ ሽምግልናኸስ ካብዚ ቅንያዊ ጥበብ መጽሓፈ መክበብ ምንም ዓይነት ጽምእን ሃረርታን ጽድቂ ዘይብሉ ሓቂ ንምርካብ ንዝግበር ናይ ከንቱነት ከንቱ ዝኾነ ምድንጋር ኣጋሊጽካ ናይ ምኽኣል ጥበብ ክመሃር ኣለዎ።  ጥበብን ዋዛ ምስ ቊምነገርን ዘዘውትሩ ሽማግለታት ንመንእሰያት ብዙሕ ሠናይ ነገር ክገብሩሎም ይኽእሉ።  ካብዚ ናይ ዘመንና ሰንኰፍ ዝኾነፈተና  ፍልጠትን ትርጉም ሕይወት ዝጐደሎ ናብራን የናግፍዎም። እዞም ሽማግለታት እዚኦም ንመንእሰያት ናብቲ ኢየሱስ ዘተስፈዎ ‘ንጽድቂ ዝጠምዩን ዝጸምኡን ብፁዓን እዮም ከመይ ክጸግቡ እዮም` (ማቴ 5,6) ዝብል የብጽሕዎም። እዞም ሽማግለታት እዚኦም እዮም ኣብ ልቢ መንእሰያት ጽምእን ጥሜትን ጽድቂ ዝዘርኡ። ኣጆኹም ኣጆና ንሕና ኩልና ሽማግለታት ንቅድሚት ንሰጉም፣ ኣብ ዓለም ዓቢይ ተልእኮ ኣሎና። እንተኾነ በጃኹም ኢለኩም ኣብዚ ናይ ዘመንና ሱር ኣልቦ ኣተሓሳስባ ምንም ሃቂ ዘይብሉ ጥንቈላ ሕይወት ክንብሎ ኣብ እንኽእል ኣተሓሳስባ መሕብኢ ሃሰስ ከይንብል ሓደራ! እግዚአብሔር ይሃበለይ።

ብድምጺ ንምክትታል!
25 May 2022, 15:56
ንኩሉ ኣንብብ >