ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንተዋድሮስ ዳግማዊ፥ “መንፈስ ቅዱስ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ የሕብረና” ር.ሊ.ጳ. ንተዋድሮስ ዳግማዊ፥ “መንፈስ ቅዱስ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ የሕብረና” 

ር.ሊ.ጳ. ንተዋድሮስ ዳግማዊ፥ “መንፈስ ቅዱስ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ የሕብረና”

እቲ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊትን ቆጵጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን መዓልቲ ዕርክነት ዘበገሰ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ዘብዕል ዕለት 10 ግንቦት 1973 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ መንጐ ጳውሎስ ሻድሻይን ብጹዕ ወቅዱስ ፓትሪያርክ ቆጵጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ምስሪ ብጹዕ ወቅዱስ ሸኑዳ ሳልሳይ ዝተኻየደ ታሪኻዊ ርክብ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ታሽዓይ መዓልቲ ዕርክነት ካቶሊካዊትን ቆጵጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንን ናብ ናይ ምስሪ ቆጵጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ ታዋድሮስ ዳግማዊ “ናይ ሰላም ሕውነታዊ ሕቝፊ” ብዝብላ ቃላት ዝተበገሰ መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ዕለት 10 ግንቦት ነቲ ቃል ኪዳንን ንመብጻዓ ዕርክነትን ንምሕዳስ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብዚ ውግእን ለብዕን ዘስፋሕፍሓሉ ዘሎ እዋን ነቶም “ኣብ ስቓይ ዘለዉ ሰብኣዊ ስድራ ቤት” ንምጽንናዕ እውን ኣጋጣሚ ይኸፍተልና፥” ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ዕለት 10 ግንቦት “ነቲ ኣብ ክርስቶስ ዘሎና ጽኑዕን ዘይቋርጽን ዕርክነት” እተጒልሕ ዕለት ምዃና ኣብታ ናብ “ፍቝር ሓው” ብጹዕ ወቅዱስ ፓትሪያርክ ተዋድሮስ ዳግማዊ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ክኸውን እንከሎ፥ “ዝመጽእ ዘሎ ዓመት እቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዘካየድናዮ ናይ ፈላማ ርክብ ዝኽሪ 10 ዓመት ንምብዓል “ብሓባር ኴንና ንጓዓዝ” ቢሎም፥ እቲ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊትን ቆጵጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን መዓልቲ ዕርክነት ዘበገሰ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ዘብዕል ዕለት 10 ግንቦት 1973 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ መንጐ ጳውሎስ ሻድሻይን ብጹዕ ወቅዱስ ፓትሪያርክ ቆጵጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ምስሪ ብጹዕ ወቅዱስ ሸኑዳ ሳልሳይ ዝተኻየደ ታሪኻዊ ርክብ ምዃኑ ኣብ መልእኽቶም ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብሓባር ናብ ምሉእን ጭቡጥን ሕብረት ንጓዓዝ

እቲ ብትኽኽል ንትርጒም ዕርክነት ንምጒላሕ ወንጌላዊ ዮሓንስ ብተደጋጋሚ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዝብሎ ቃል ዝጠቐሱ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ “ኣብ ቃላት ክርስቶስ ኣተኵሮ ብምግባር . . . ‘ንስኻትኩም ኣዕሩኸይ ኢኻትኩም ዝኣዘዝኩኹም እንተ ጌርኩም’ - ነዚ ትእዛዝ እዚ እንተድኣ ተኣዚዝና ኣብቲ ንክርስቲያናዊ ሕውነት እንገብሮ ጒዕዝ ክንቕጽል ንኽእል - “ዕርክነት ኣብ መንጎ ክርስትያን ሓድነት ንምምጻእ እቲ ዝተኣማምን መገዲ እዩ። ከመይሲ ኣብ ገጽ እቲ ሕጂ ኣዕሩኽ እምበር ጊልያዎት ኢሉ ዘይጽውዓና `ኵሉ ሓደ ምእንቲ ኪኸውን’ ዚጸለየልና ክርስቶስ ስለ እንርኢ።”

ኣስዒቦም ቅዱስነቶም፥ ቀጻሊ መንፈሳዊ ቅርበቶም ኣረጋጊጾም፡  ነቲ “ናብ ምሉእን ጭቡጥን ሕብረት ዝግበር ጒዕዞ” ነቲ “ህይወቱን ትምህርቱን” ንኽልቲአን ኣቢያተ ክርስቲያን ዘነቓቕሕ ቅዱስ ኣታናዚዮ ኣማላድነትሕድሪ ሂቦም፡ ናብቲ ኣብ ቀረባ እዋን ነብዕሎ በዓለ ጰራቅሊጦስ እናሓሰቡ ናብ መንፈስ ቅዱስ ልመናኦም፥ “ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ የሕብረናን ኣብቶም ዝሳቐዩ ሰብኣዊ ስድራ ቤትናን ብፍላይ ኣብዚ ለብዕን ውግእን ዘስፋሕፍሓሉ ዘሎ እዋን ናይ ምጽንናዕ ውህበታቱ የፍስሰልናን” እንክብሉ ብዘቕረብዎ ጸሎት መልእኽቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

11 May 2022, 17:12