ቅዱስ ኣቦና ንሓደስቲ ቅብኣ-ሜሮን ተቀባእቲ፣ "ብጸሎትን ብሕውነት ንቕድሚት ሰጕሙ!
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ናብ ሮማ ንንግደት ዝመጹ ቅብኣ-ሜሮን ዝተቐበሉን ክቕበሉ ዝሰናደዉ ዘልዉን መንእሰያት ናይ ሰበኻ ጀኖቫ ካብ ናይ ክፍለ ሃገር ሊጉርያ ዝኾነ ምስላ ጠቒሶም ሰላምታኦም ኣቕረቡሎም። ነቲ እተቐበልዎ ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ "ኪዕቅብዎ" ከኣ ኣትሪሮም ኪጽልዩ ከም ዘልዎም ኣተባብዕዎም። ቅብኣተ ሜሮን ከም ህያብን ኣገዳስነት ዝለዎ ምስጢር ከም ምዃኑ መጠን ክርስቲያናዊ ሕውነት ንኽነብሮን ከም ማሕበር ቤተክርስትያን ድማ ንቕድሚት ንምስጓምን ኣገዳሲ ምዃኑ ቅዱስነቶም ገለጹሎም።
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
"ገሊኦም ምስጢረ ሜሮን ናይ ደሓን ኩኑ ምስጢር ኢዩ ከም ዝብልዎ፣ እቶም መናእሰይ ቈልዑ ምስጢረ ሜሮን ተቐቢሎም ካብ ቤተ-ክርስትያን ይርሕቁ ዝበሃል እዚ ሓቂ ድዩ?" ክብሉ ቅዱስ ኣቦና ነቶም መንእሰያት ምስጢረ ሜሮን ዝተቐበሉን ክቕበሉ ዝሰናደዉ ዘለዉን ካብ ቤተ-ክርስትያን ኪወጹ ኸም ዚኽእሉ ንምርግጋጽ ናብኣቶም ግልጽ ብምባል ሓቂ እንተ ዀይኑ ሓተተኦም፣ እንተዀነ ግን ኵሎም እቶም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቅርዓት ቅድስቲ ማርታ ተኣኪቦም ዝነበሩ መንእሰያት “ኣይኮነን” ቢሎም ዝሃብዎ ምላሽ ንቅዱስነቶም ልቦም ምስ ተንከፎም "ኣብ ቤተክርስቲያን ምጽናሕ ዓብዪ ነገር እዩ" ክብሉ ቃል ምዕዳኖም ከም ዘመሓላለፉሎም ዜና ቫቲጋን ገሊጹ።
ቅዱስ ኣቦና፡ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ብቅብኣ ሜሮን ንቕድሚት ምስጓምና ኣብ ቤተ-ክርስትያን ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ህይወትና ኣብ ነፍሲ ወከፍና ንቕድሚት ንግስግስ ኢና፣ ከመይሲ ምስጢረ ሜሮን ንፉዓት ሰባት ንፉዓት ዜጋታት ንፉዓት ክርስቲያን ንኽንከውን ኣድላዪ ዝኾነ ምስጢር ኢዩ። ነዚ ተቐኒትኩም እምበኣር ንቕዲሚ ገጽኩም ገስግሱ። ብምባል ኣተባብዕዎም።
ሃበኒ ዘይበለስ ኣዲኡ’ውን ነይትህቦ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ፣ ምስጢረ ሜሮን ክንጥቀመሉ ዘሎና ጸጋ ደኣ ኣምበር ኣብ ሳንዱቕ ክዕጾ ዘይግባእ የግዳስ ኣብ ልቢ ክሕተም ዘለዎ "ቀዳማይ ብጸሎት ንቕድሚት ንኽንስጕም ሓይሊ ክህበና ንጐይታ ብምሕታት ነዚ ዅላትና እተቐበልናዮ ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ክንዕቅቦ ብምሕታት ኢዩ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እንተ ለሚንኩም ክህበኩም እየ ስለ ዝበለና ኸኣ፡ ኵሉ ሳዕ ጸልዩ" በለና። ይኹን ኣምበር ኩሉ ሳዕ ኢና እንርስዕ። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ክጽልዪን ክሓቱን ድሕሪ ምንቕቓሕ “ሃበኒ ዘይበለስ ኣዲኡ’ኳ ነይትህቦ!” ዝብል ምስላ ከባቢ ጀኖቫ ጠቒሶም "ጐይታ ኽሰምዓናን ንቕድሚት ንኽንስጕም ብርታዐ ኽህበናን ጸልዩ!” ክብሉ መዓድዎም።
ሓይሊ ዕርክነትን ልግስን
ቀጺሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም መንእሰያት ብዛዕባ ዕርክነት እንክምዕዱ ከም ቤተክርስትያን ነቲ ናብ ሮማ ዘምጽኦም ንግደት ከም ኣብነት ጌሮም ብምውሳድ፡ ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ኽንዲ ዘለው "ናብ ንቕድሚት ንኽግስግሱ ክሕግዞም" ምኹኑ ገለጹሎም። እዚ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ እዞም መንእሰያት ዝገበርዎ ቃለ-ማዕዳን "ብትብዓት ንቕድሚትን" "ጸሎትን ማሕበረሰብን፣ ማሕበራዊ ህይወት" ጌይሮም ክርድእዎ ከም ዘልዎም ኣረጋገጹሎም ድሕሪኡ ኸኣ ካልእ ኣገዳሲ ባህርይ ኣዘኻኸርዎም -
ለጋስ ምዃን ነፍሲ ወከፍና ገዛኣ ርእስና ንማሕበረሰብን ከምኡውን ንሓድሕድና ንምሃብ ዘሎና ልግሲ ኢዩ። ልግሲ ናይ ጀኖቫውያን ውርዝና ከም ዘይኰነ ኢዮም ዝዛረቡ ኣነ ግን ኣይፈልጥን ኢየ ። ... ልግሲ ግና ገንዘባዊ ጥራይ ድዩ፦ ጀኖቫውያን ጠማዓት እዮም ይብሉ ፣ ኣነ እውን ብወገን ኣደይ ጀኖቫዊ ዓሌት ኣሎኒ፣ ኣጸቢቑ ድማ ይርድኣኒ ኢዩ። ይኹን እምበር ንኻልኦት ኣብ ምሕጋዝን ኣብ ብሕብረት ኣብ ምንባርን ለዋሃትን ወትሩ ለጋሳትን እያቶም። ስለዚ ብጸሎትን ብልግስን ኣብ ማሕበረሰብ ንቕድሚት ንሰጉም።
ቢሎም ር.ሊ.ጳ. ነቶም መንእሰያት ኣብ ምጅማር እዚ ቃለ-ምዕዳን ን35 ደቒቕ ኣብ ኣኼባ ስለ ዝደንጐዩ እንደገና ይቕረታ ብምሕታት ከምኡውን ናብ እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብምጽላይ ቡራኬ ብምሃብን ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ጥዑያትን ሰብ ፍቕርን ሓድነትን ኰይኖም ንቕድሚት ክስጕሙ ጻውዒት ብምቕራብ ሰላምትኦም ኣቕረቡሎም ።