ድለ

ብዛዕባ ባርነት ሕጻናት፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት - ክብረተን እተመንዝዓ ሓያሎ ንኣሽቱ ኣእዳው ብዛዕባ ባርነት ሕጻናት፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት - ክብረተን እተመንዝዓ ሓያሎ ንኣሽቱ ኣእዳው   (AFP or licensors)

ብዛዕባ ባርነት ሕጻናት፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት - ክብረተን እተመንዝዓ ሓያሎ ንኣሽቱ ኣእዳው

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ካብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ዱርባን ደቡብ ኣፍሪቃ እተጀመረ ክሳዕ ዝመጽእ ዓርቢ ዕለት 20 ግንቦት ዝቕጽል ብዛዕባ ምጥፋእ ሸቕሊ ሕጻናት ብዝብል ኣርእስቲ ዝካየድ ዘሎ ሓምሻይ ዓለምለኻዊ ጉባኤ ነቶም ተሳተፍቲ ብመልእኽቶም ክበጽሕዎም

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ምጥፋእ ባርነታዊ ምዝመዛ ቘልዑን መንእሰያትን ዝገልጽ ንኣብ ዱርባን ደቡብ ኣፍሪቃ ዝግበር ዘሎ ሓምሻይ ዓለምለኻዊ ኣኼባ መልእኽቲ ለኣኹ - ነዚ ተርእዮ እዚ "ብቘራጽነትን ብምትሕብባርን ብጽንዓትን ትብዓትን" ንሕጻናት ነቲ ዝግብኦም ህይወት ንኽንህቦም ክንቃለሶ ዝግባእ ኢዩ ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላለፉ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን 

ድኽነት ኣደ ዅሉ ምዝመዛ እያ። መሰረታዊ መሰላት ዘይምሕላው ዘምጽኦ ስቓይ ካብቶም ንገዛእ ርእሶም ብኸመይ ከም ዝከላኸሉላ ዘይፈልጡ ሰባት ኣትሒዙ ኣብ ነፍስወከፍ ዓመት ብሚልዮናት ንዝቝጸሩ ሰባት ዝውሕጦም ዘሎ ጋህሲ ኢዩ፣ ካብቶም ንገዛእ ርእሶም ብኸመይ ከም ዝከላኸሉላ ዘይፈልጡ ኣዋልድን ኣወዳትን ጀሚርና "ግራውቲ ብምሕራስ ኣብ መዐደኒ ብምዕያይ ማይ ብምውራድ ነዊሕ ጕዕዞ ብምጕዓዝ ከምኡውን ኣብ ቤት ትምህርቲ ንኸይሳተፉ ዝዓግቶም ዕዮ ምዕያይ" ይረኽብዎም። ከምኡ ውን ገበን ምንዝርና ሕጻናት ከይጠቐስናዮ ክንሓልፍ ኣይግባእን። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ዓለምለኻዊ ውድብ ስራሕ  (ILO) ኣብ ዝለኣኽዎ መልእኽቲ "ሚልዮናት ኣዋልድን ኣወዳትን" "ንቍጠባውን ባህላውን ድኽመት እተዀነኑ" ኮይኖም ይርከቡ ምህላዎም ገሊጾም ከም ዝነበሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር። 

ነቲ ጠንቂ ምጥፋእ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ካብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ዱርባን ደቡብ ኣፍሪቃ እተጀመረ ክሳዕ ዝመጽእ ዓርቢ ዕለት 20 ግንቦት ዝቕጽል ብዛዕባ ምጥፋእ ሸቕሊ ሕጻናት ብዝብል ኣርእስቲ ዝካየድ ዘሎ ሓምሻይ ዓለምለኻዊ ጉባኤ ነቶም ተሳተፍቲ ብመልእኽቶም ክበጽሕዎም ተረኽቡ። ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ እቲ ኣብዚ ቐረባ ዓመታት እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ "ዜሕዝን ፍጻመ" ኣመልኪቶም ዘለዎም ሻቕሎት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፒተር ብራያን ዌልስ ትማሊ ነቲ መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ተጋባእቲ ኣብ ጽርቕረቡሎም "በቲ ዓለምለኻዊ ቕልውላው ጥዕናን ኣብ ሓያሎ ኽፍልታት ዓለም ዚርአ ዘሎ ኽቱር ድኽነትን" ስክፍታኦም ገለጹ። ነቶም ትሕቲ ዕድመ ቘልዑ ክሳተፍዎ ዘይግብኦም ስራሓት ክሳተፉ እተገደዱ "ኣዝዮም ብዙሓት ንኣሽቱ ኣእዳው" ኣመልኪቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም "ወከልቲ ኣህጉራውን ሃገራውን ትካላት" ነቲ "ንዓለምለኻዊ ድኽነት ዘስዕቦ መዋቕራዊ ጠንቅታትን ነቲ ኣብ መንጎ ኣባላት ስድራ ቤት ዘሎ ዘስካሕክሕ ኢማዕርነትን" ንምድኻም "ዝዓበየ ተልእኾ" ክወሃቦም ሕቶኦም ኣቕሪቦም።

"ብቘራጽነት ንበገስ" 

ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ቈልዑ ብሰንኪ እቲ መብዛሕትኡ ግዜ ዝኸፍአ ዓይነት በሰላ ዘስዕበሎም ናይ ሸቕሊ ምዝመዛ "ሓጐስ ንእስነቶምን ኣምላኽ ዝሃቦም ክብረቶምን" ከም እተመንጠሉ ገለጹ። ስለዚ እቲ ናይ ማሕበር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዋዕላ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ "ብፍላይ ማሕበራዊ ዕቝባ ብምድንፋዕ ከምኡውን ንዅሉ ሰብ ናይ ትምህርቲ ዕድላት ብምሃብን ክብርን መሰላትን ቈልዑ ንምሕላው ግቡእን ውጽኢታውን መገድታት ንምርካብ" "ብሉጽ ንቕሓት" ናይ ምስፍሕፋሕ ዕማመ ኣትሪሮም ኣምልከቱሎም። ቅዱስ ኣቦና ፍራንቸስኮስ ከም ዝገለጽዎ እቲ ቅድስቲ መንበር ምስ መላእ ቤተ - ክርስትያንን እውን ከይተረፉ እዚ ተበግሶ እዚ "ብቘራጽነትን ብምትሕብባርን ብትብዓትን" ከም ዝካየድ ንምርግጋጽ ይጽዕሩ ኣለዉ ከመይሲ እቲ "ብተፈጥሮኣዊ ሰብኣዊ ኽብረት" ከምኡውን ንመሰረታዊ መሰላት ንኣሽቱ እንህቦ ኣኽብሮትን "እንታይ ዓይነት ክብርታት ከም ዘሎናን እንታይ ክንከውን ከም እንደልን እንታይ ዓይነት ሕብረተሰብ ክንሃንጽ ከም እንደልን ዝገልጽ ኢዩ።" ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላለፉ። 

18 May 2022, 16:27