ድለ

ፍራንቸስኮ፥ ቻርለስ ደ ፎኵ ኣገዳስነት ወንጌል ይምህረና! ፍራንቸስኮ፥ ቻርለስ ደ ፎኵ ኣገዳስነት ወንጌል ይምህረና! 

ፍራንቸስኮ፥ ቻርለስ ደ ፎኵ ኣገዳስነት ወንጌል ይምህረና!

“ኣምላኽ ቅድም ንፍቕሪ ደሓር እውን በቲ ካብ ፍቕሪ ዝምጭው ፍቕርን ተኣዝዞን ተደሪኹ ገዛእ ርእሱ የወፍይ”

ዕለት 18 ግንቦት 2022 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅድሚ ምልጋሶን ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጒባኤ ኣዳራሽ ኣብ ዝርከብ መቐበሊ ኣጋይሽ ምስ ጒጅለ ማሕበር መንፈሳዊ ስድራ ቤት ቻርለስ ደ ፎኵ ከም እተራኸቡን ቅዱስነቶም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ ኣብነት ናይቲ ዝሓልፈ ዕለት 15 ግንቦት ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ቅድስና ዝኣወጀትሉ ቅዱስ ቻርለስ ደ ፎኵ ሰዓቡ እንክብሉ ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን “ሓው ቻርለስ” ቅዱስ ቢላ ስለ ዝሰመየቶ ዝተሰምዖም ሓጐስ ገሊጾም፡ ነቶም ዕዮ ናይቲ ኣብ ኣፍሪቃ ህይወቱ ዝወፈየ ንድኻታት ንጸሎትን ነስተንትኖን ዝሰዓቦ መገዲ ክቕጽል ዝመረጹ፥ “ኣብኡ ኣድላዪነትን ኣድማስነት እምነት ብኸመይ ከም ዘብርህ ዝፈልጥ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ነቢይ ክንርኢ ንኽእል ኢና።”

ኢየሱስ ፍቕሪ እዩ

ስለዚ ኣብነት ቻርለስ ደ ፎኵ ብምስዓብ “ልዕሊ ኵሉ ናብ መንፈስ መበቈሉ ማለት ናብ መንፈስ ናዝሬት ብምምላስ” ኣገዳሲ መልእኽቲ ክርስትና ክርድኣና ተማሕጸነና። እዚ ምስጢር ናይ እምነት እዚ ናብ ካልኦት ምምስካር ዝብል መንፈስ እምነት ዝዓሰሎ ህይወት እዩ። “ጐይታ ንኡስነትን ትሕትናን ከምኡ እውን ንድኻታት ምክፋል ዝብል ኣገባብ ህይወት የሐጒሶ” እንክብሉ ኣጒሊሖም፡ ቻርለስ ደ ፎኵ ዕለት 20 ግንቦት 1915 ዓ.ም. ናብ ማሪያ ደ ቦንድይ ኣብ ዝላኣኾ መልእኽቲ፥ እቲ ወደ መዝሙር፥ “ኣምላኽ ቅድም ንፍቕሪ ደሓር እውን በቲ ካብ ፍቕሪ ዝምጭው ፍቕርን ተኣዝዞን ተደሪኹ ገዛእ ርእሱ የወፍይ” እንክብል ዘስመረሉ ሓሳብ ዘኪሮም፡ ከም ቤተ ክርስቲያን መጠን ናብቲ ኣድላዪ ዝዀነ ነገር ክንምለስ ንንጽሕና ወንጌል ድማ ክንርስዖ የብልናን።” ምስሊ ቅዱስ ዘጒልሖ ካልእ መዳይ ከኣ ኣድማሳዊ ምዃን እዩ። ቻርለስ ደ ፎኵ “ካብ ነኣሽቱ ጀሚሩ ንዅሎም ክርስትያን ሓው ኮይኑ ዝቐረበን፡ ንኻልኦት ንምቓያር ዕላማ ኣይነበሮን የግዳስ ነታ “ንዅሉ ሰብ ማለት ንክርስትያን ንኣስላምን ንኣይሁድ ከምኡ እውን ንኻልኦት ካብዘን እምነት ወጻኢ ንዝዀኑ ኵሎም ከም ሓዎም ገይሮም ንኽርእይዎ ንሓድሕዶም ከም ኣሕዋት ክረኣኣዩን “እቲ ካብ ፍቅሪ ኣምላኽ ዝነቕል ሰናይ ክፍጽም እዩ ዕላማ ዝገበረ” ምስ በሉ ኣስዒቦም ንኣባላት ማሕበር መንፈሳዊ ስድራ ቤት ቻርለስ ደ ፎኵ፥ “ብፍላይ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ተዓጺኻን ገዛእ ርእስኻ ምዕጻውን ዝብል ዓይነት ኣነባብራ ምኽንያት ምርሕሓቕ ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘሎ እዋን ምርኻብ ከምኡ እውን ንሓውኻ ናይ ምርኣይ ኣጋጣሚ ዘሀልው ምስክርነት ሰናይ ተግባር” እተቕርቡ ብምዃንኵም አመስግነኵም ከመ ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሞሳ ንቕዱስ ቻርለስ ደ ፎኵ

ቅዱስነቶም ናይ ቲዮሎጊያ ተማሃራይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ቅዱስ ሕይወት ደ ፎኵ ነቲ ናይ እምነት ጒዕዞኦም ንኸመሓይሹ ከም ዝደረዀም ዘኪሮም፥ “መንፈሳውነቱ ብዙሕ ስለ ዝጠቐመኒ ናይ ቲዮሎጊያ ተማሃራይ እንከለዅ ብስለት ከምኡ እውን ናይ ህይወት ቅልውላው ከጋጥመኒ እንከሎን ካልኦት ጸገማት ንኽሰግርን ናብ ጐይታ ዘቕርብ መገዲ ክርስትያናዊ ህይወት ንኽረክብ ብዙሕ ስለ ዝሓኣገዘኒ ከመስግኖ እደሊ፥ ብዙሕ ሰናይ ስለ ዝገበረለይ እውን ካብ ምምስጋን ሓሊፈ ክምስክሮ እውን እየ” እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ። 

18 May 2022, 16:34