ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ መኽፈቲ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ኢጣሊያ ር.ሊ.ጳ. ኣብ መኽፈቲ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ኢጣሊያ 

ር.ሊ.ጳ. ኣብ መኽፈቲ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ኢጣሊያ

ካብ ዕለት 23 – 27 ግንቦት 2022 ዓ.ም. ሮማ ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ናይ ጒባኤ ኣዳራሽ ሂልተን “ንታሪኽ ህዝቢ ኣምላኽ ምስማዕ። ኣስተውዕሎን ኣብ ሲኖዳውነት ኪደት ካብ ዝቐርቡ ዘለዎ ሓሳባት ቀዳምነት ክወሃቦም ዘለዎም ምልላይ” ብዝብል መርሕ ቃል ተሰንዩ ዝካየድ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መበል 76 ሓፈሻዊ ዓውደ ጒባኤ

መበል 76 ሓፈሻዊ ጒባኤ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዕለት 23 ግንቦት ድሕሪ ቐትሪ ር.ሊ.ጳ. ፍራንስኮ ኣብ ዝተረኽብሉ ስነ ስርዓት ብወግዒ ከም እተበገሰን እዚ ክሳዕ ዕለት 27 ግንቦት ዝቕጽል ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዓውደ ጒባኤ ናይቲ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበርን ሰለስተ ኣባላት ላዕለዋይ ምሕደራን ክመርጽ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ካብ ዕለት 23 – 27 ግንቦት 2022 ዓ.ም. ሮማ ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ናይ ጒባኤ ኣዳራሽ ሂልተን “ንታሪኽ ህዝቢ ኣምላኽ ምስማዕ። ኣስተውዕሎን ኣብ ሲኖዳውነት ኪደት ካብ ዝቐርቡ ዘለዎ ሓሳባት ቀዳምነት ክወሃቦም ዘለዎም ምልላይ” ብዝብል መርሕ ቃል ተሰንዩ ዝካየድ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መበል 76 ሓፈሻዊ ዓውደ ጒባኤ ንተጋባእያን ጳጳሳት ዕለት 23 ግንቦት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጒባኤ ኣዳራሽ ተቐቢሎም ብስለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝበገሱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ምርጫ መርሕነት ኣካላትን ጋዜጣዊ መግለጺ ዕለት 27 ግንቦት

እቲ መበል 76 ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዓውደ ጒባኤ ዕለት 24 ግንቦት 2017 ዓ.ም. ዝተሓርዩ ናይ ኣገልግሎት ዘመኖም ዘብቅዑ ዘለዉ ናይቲ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ጓልቲየሮ ባሰቲ ዕለት 24 ግንቦት 2022 ዓ.ም. ብዘስምዕዎ መደረን ብዘቕረብዎ ሰፊሕ ጸብጻብ ዕዮ ጒባኤ ከም ዘበገሱን ብጹዓን ጳጳሳት ናይቲ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበርን ላዕለዎት ሰለስተ ኣባላት ቤት ምሕደራን ክሓርዩን ኣስማት ናይቶም ዝተሓርዩ ንውሳነ ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ክቀርቡ ከም ዝኾኑን ድሕሪ ዝህብሉ ውሳነ ዕለት 27 ግንቦት ብዝወሃብ ጋዜጣዊ መግለጺ ክዛዘም ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

24 May 2022, 16:38