ድለ

ር..ሊ..ጳ ፍራንቸስኮ፦ ሃናጺ ሰብኣዊ ርክባት ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣገዳስን መሰረታውን እዩ ር..ሊ..ጳ ፍራንቸስኮ፦ ሃናጺ ሰብኣዊ ርክባት ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣገዳስን መሰረታውን እዩ   (Vatican Media)

ር..ሊ..ጳ ፍራንቸስኮ፦ ሃናጺ ሰብኣዊ ርክባት ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣገዳስን መሰረታውን እዩ

ሓቐኛ ቑሸት ማለት፥ ጭቡጥ ሰብኣዊ ርክባት ሓባራዊ ደገፍ ነቶም እተሸገሩ ሰባት ምሃብን ብሓባር ኣብ ምንባር ከምኡውን ነቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ፍጥረት ንምኽባር ንምዕቃብ ኣብ ዚግበር ሓልዮት እተመስረተ እዩ

ፍራንቸስኮ ንኣባላት "ቝሸት ዘፍራንስኮ" ዝተሰምየ ማሕበረሰብእዎ ውድብ ፈረንሳይ ኣብ ቫቲካን ተቐቢሎም፣ ንኤትየን ቪለማይን ምስ ብዙሃት ካልኦት ብምዃን ነዛ ማሕበር ዝመስረተን ንኣባላት እዛ ማሕበርን ከምዚ ክብብሉ መልእኽቶም ኣመሓላለፉ፣ አዚ ክፍሊ ቤተክርስቲያን  ወንጌል ንነፍሲ ወከፍ ህይወት ኣብ እተፈላለየ መዳያቱ ብኸመይ ከም ዜብርሆ ዚምስክር እዩ፣ ንሰብ ምስ ከባቢኡ ከም ዚሰማማዕ ብምግባር ከማኡ ነቲ ኣዝዩ ተነቃፊ ዝኾነ ኣካል ሕብረተሰብ ፍሉይ ቆላሕታ ብምግባር ሕውነት ዝኹስኩስን ዘስፍሕን ክፍሊ ቤተክርስቲያን ምዃኑ ገሊጾም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

"እቲ ነዚ ፕሮጀክት እዚ ምስ ብዙሓት ካልኦት ብምዃን ዘበገሰ  ኤትየን ቪልማይን እተበሃለ  ብርቱዕ ስቓይ ዘሕለፈ ንመጀመርታ ግዜ ብዛዕባኡ ምስ ነገረኒ መንፈስ ቅዱስ እንታይ ክገብር ከም ዘነቓቕሖ ዘሎ ብጥንቃቐ ካብ ምንጋር ድሕር ኣይበልኩን። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም  ተሳተፍቲ ኣባላት ቁሸት ፍራንቸስኮ ቀዳም ንግሆ ኣብ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣዘራረብዎምን ኣባታዊ ምኽርን ማዕዳን ውን ለገሶም።

እንሆ ኣምበኣር እዚ ፕሮጀክት እዚ ንቕድሚት ይስጕም ምህላዉ የሐጕሰኒ እዩ! ቍሸት ፍራንቸስኮ ካብቲ ልማዳዊ ኣኾነ ኣገልግሎት ቤተክርስቲኣያን ፍልይ ዝበለ ኣገልግሎት ኢዪ ዝሕብ።  ቤተ-ክርስትያን ነዚ ጉዳይ ዚ ከም "ናይ ዓውዲ ውግእ ቤተ ሕክምና " ገይራ ኢያ እትርእዮ፣  ንወንጌል ዝያዳ እሙናት ብምዃን ብሓዲስ መንገዲ ንሓደጋታት ናይ ለውጢ ከይፈርሐት ብዛዕባ አቶም ዝሳቐዩ ብዙሕ ተገዳስነት ትገብር ምህላዋ ምልክት ኢዩ።

እታ ኣብ ሕድሕዳዊ ምድግጋፍን ሰብኣዊ ርክባት ኣርኣያ ዝዀነት ቝሸት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ንዓለም ከም ቍሸት ገይርካ ምግላጽ ልሙድ ኰይኑ ኣሎ፣ ኣዚ ድማ ነቲ ኣብ መንጎ ዅሎም ተቐማጦኣ ዘሎ ምቅርራብን ምትእስሳርን ኢዩ ዝገልጽ። እንተዀነ ግን ብዙሓት ሰባት "ኣብ ሕድጋት እዛ ቝሸት እትበሃል ዘላ ዓለምና ዝተረስዑን ተነጽሎ ዘጋጠሞምን" ከም ዘለዉ ገለጾም -

 

ቍሸት ፍራንቸስኮ እቲ ሓቀኛ ቁሸት ዝበሃል እንታይ ምዃኑን ከመይ ከም ዝመስልን ዘርእየና ክኸውን ተስፋ እገብር ።  ሓቐኛ ቑሸት ማለት፥ ጭቡጥ ሰብኣዊ ርክባት ሓባራዊ ደገፍ ነቶም እተሸገሩ ሰባት ምሃብን ብሓባር ኣብ ምንባር ከምኡውን ነቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ፍጥረት ንምኽባር ንምዕቃብ ኣብ ዚግበር ሓልዮት እተመስረተ እዩ ።

ማእከል ናይዚ ድማ እቲ ምስ ኢየሱስ ዘሎና ርክባና ኢዩ

ቅዱስ ኣቦና ነቲ ኣብ ቍሸት  ፍራንቸስኮ ዝግበርን ዝንበርን ዘሎ ተመክሮ ኣጕልሑ ኣብኡ ኸኣ ከም ንኣከባብያዊ ኣኽብሮትን ዕቃበን፣ ንሰብኣዊ ህይወት እቲ ምሉእን ፍጹምን ዝኾነ  መገዱ ንጸሎት ንሕውነት ከምኡውን ኣብ መንጎ ደቂ-ሰባት ዘሎ ርክብ ዝኣመሰለ እተፈላለየ መዳያት ህይወት ብሕድነት ንምንባር ኢዩ ።  ወድሰብ ብሓፈሻ ክፍቀር ከምኡውን "ኣብ ሓደ መርበብ ናይ ርክባት ሃናጽን ጥምረትን" ክኣቱ ኣድላዪ ምዃኑ ገለጹ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት  ኣስዕብ ኣቢሎም እታ ቝሸት ፍራንስኮ ኣብ ሓደ ጥንታዊ ገዳም ናይ ባህታውያን ከም ዝተጀመረን  ንኣባላታ ከኣ ኣብ ህይወቶም ስራሕን ታራ ዝኾነ ሕይወትን ካብ ምንባር ወጻኢ ውሽጣዊ ህይወት ኬማዕብሉ  ጻውዒት ዚቐርበሉ ጽሞናዊ  ምስ ኢየሱስ ንዘሎዎም ርክብ ዜረጋግጽ እዩ ። 

ኣብ ወንጌል  ዮውሓንስ ከም ኣንረኽቦ "መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ" ዝበሎ። ንሱ ንባዕሉ ነቲ ኣብ ቍሸት ፍራንቸስኮ እትገብሮዎን እትነብርዎን ሕይወት ብኣካል ተመኪርዎ ኢዩ - ኣብ ሕቝፊ ኣዲኡን መስቀልን ተነቃፊን ተኣፋፍን ኢዩ ነይሩ፣ ከማኡ ውን ኢደ ጥበበኛ ዀይኑ ይዓዪ ነበረ፣ ምስ ወቕትታትን ተፈጥሮን ብስኒት ተሰማሚዑ ይነብር ነበረ፣ ደቂ-ሰባት ተሓዋዊሶም ኣብ  ዝነብሩሉ ቝሸት ከዓ ዓብዩ፣ ይጽሊ ነበረ ከማኡ ንብጾቱ የፍቕርን ይምሕርን ውን ነበረ ።

ቅዱስ ኣቦና  ነቶም ኣብኡ እተረኽቡ "ንኢየሱስ ኣብ መዓልታዊ  መደባት ህይወትኩም ከም ኣርኣያን መንፈስዊ መንነትኩምን  ይኹን" ክብሉ ተላበውዎም። 

ቁሸት ፍራንቸስኮ እንታይ ኢዩ

ቍሸት ፍራንቸስኮ ኣብ ጥቅምቲ 2020  ካብ ቶሎዛ 35 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ቅድስቲ ማርያም ዘምድረበዳ እትበሃል ገዳም ኢዩ ተጀሚሩ። ኣብዚ ጊዜ እዚ ቤተ ኣንግዶት ነቶም ተነቀፍትን ተኣፈፍትን ዝኾኑ ኣካላት ሕብረተሰብ ምስ ኣለይቶም ብሓደ ተቐቢሉ ዝሕብሕብ ኢዩ፣ ኣብ መንጐ አዚኣቶም ድማ ሓላዪ ዘይብሎም ተኣለይቲ፣ ቤት ኣልባ ዝኾኑ ግድም ሓደር፣ ግዳያት ምንዝርና ናይ ገበን ጉጅለታት ዝኾና፣ ናይ ኣእምሮ ጸጋም ዘለዎም፣ ስንኩላት፣ እተነጸሉን ዘመድ ኣልቦ መሳኪን፣ ናይ ዘቤታዊ ጸገማት ግዳያት ዝኾና ደቂ-ንስትዮ፣ ስደትኛታት ይርከብዎም። እቲ ነዞም ከምዚ ዝመሰሉ  ሰባት ብሓባር ብሓድነት ምንባርን ነቲ ኣብዚ ቤት ዝረኽብዎ ኣብ መንጐ ዝዝተፈላለዩ ሰባት ብውህደትን ስኒትን ብንባር ዝህቦም ክብርን ርዝነትን ኢዩ ዝገልጽ።

ብሉጽ ሕይወት ንምንባርን ነቶም ዝተነጸሉ ንምሕቋፍን

ኣብ ዙርያ እዛ ብኤትየን ቪልማይን ዝተመስረተት ማሕበር ካልኦት ጉጅለታት ኣዋፈርት ማሕበረሰብኣዊ ትካላትን  ከም "ቐጠልያ ተክኖሎጂ"  ዝኣመሰሉ ማሕበራት ተረኺቦም ኢዮም። ብ2017 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ መዓልቲ ድኻታት ቢሎም ኣብ ዝኣወጁሉ ካብዚ መንፈስ ናይዚ መስራቲ ማሕበር ዝተበገሰ እዩ ነይሩ ። ብ11 ሕዳር 2016 ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ከምዚ ክብል ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ተወከሶም   "ቅዱስነቶም፣ ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ድኻታት ክትእውጁ ዶ ይኸኣል?" ኣብዚ እዋን አዚ ኣብ ዕለት  11 ሕዳር 2016 ፣ ኣብቲ ኣዳራሽ ኻብቲ ኣብታ ቕድስቲ ዓመት ምሕረት ናይ መደምደምታ መደባት ዝነበረሉ እዋን ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ኣዕሩኹ " ኼቕርበሎም ከሎ ማለት ካብ 22 ሃገራት ናብ ሮሜ ዝመጹ ኣርባዕተ ሽሕ ግዳም ሓደር ኣብ ዝተረኽቡሉ ኢዩ ነይሩ።

Photogallery

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ ሃናጺ ሰብኣዊ ርክባት ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣገዳስን መሰረታውን እዩ
16 May 2022, 16:51