ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ካናዳ ካብ ዕለት 24 ክሳብ ዕለት 30 ሓምለ 2022 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ካናዳ ካብ ዕለት 24 ክሳብ ዕለት 30 ሓምለ 2022 ዓ.ም.  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ካናዳ ካብ ዕለት 24 ክሳብ ዕለት 30 ሓምለ 2022 ዓ.ም.

ኣብ ልዕለዅም ዝፈጸምዎ መንነትኵምን ባህልዅምን ከምኡ እውን መንፈሳዊ ስነ ምግባራዊ ስርዓታትኵም ዘየኽብር ብዝተፈጸመ ግፍዒ ደጊመ ሕፍረትን ጓህን ይስምዓና፥ እቲ ዝፈጸመዎ ተግባር ምስ ናይ ኢየስሱ ወንጌል ዝጋራጭው እዩ!

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ናይ ካናዳ መንግስትን ናይ ቤተ ክርስቲያን መራሕትን ካብ ደቀባት ማሕበረሰብ ዝቐረበሎም ዕድመ ተቐቢሎም ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ ናብታ ሃገር ክበጽሑ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ዕለት 13 ግንቦት ምሸት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መገልጺ ኣፍሊጦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ናብታ ኣብ ካናዳ ምስ ደቀባት እታ ሃገር ኣብ ኣገዳሲ መስርሕ ዕርቂ እትካፈል ዘላ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ካናዳ ከብጽሕዋ ከምዝደልዩ ብተደጋጋሚ ገሊጾም ከም ዝነበሩ ዘዘካኸሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ብሪኒ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣስዒቦም፥ ቅዱስነቶም ካብ ናይ ካናዳ መንግስትን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ካናዳን ማሕበረሰብ ደቀባት ካናዳ ዝቐረበሎም ዕድመ ተቐቢሎም ካብ ዕለት 24 - 30 ሓምለ 2022 ዓ.ም. ሓዋርያዊ መገሻ ከካይዱ ምዃኖም ኣፍሊጦም።

ኣብዚ መበል 38 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ጒዕዞ እዚ፡ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ከተማታት ኤድሞንተንን ኲበክን ኢኳሉትን ከብጽሑ ከም ዝዀኑን ኣብ መባእታ ወርሒ ሚያዝያ ቅዱስነቶም ምስ ናይ ሃገረ ካናዳ ማሕበሰብ ደቀባት ወከልቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን፥ ማሕበረሰብ ደቀባት ካናዳ ንቅድስቲ ሃና ዘለዎ ተወፋይነት ብምዝካር፥ “ኣብዛ ዓመት እዚኣ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዕለት 26 ሓምለ ዓመታዊ በዓል ቅድስቲ ሃና ኣደሓጎ ኢየሱስ ኣብ እተብዕለሉ ዕለት ኣብ ሃገርኩም ምሳዅም ኮይነ ከብዕሎ ሃረር እብል” እንክብሉ ገሊጾም ከም ዝነበሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ስቓይን ሕፍረትን

ቅዱስነቶም ምስ ማሕበረሰብ ደቀባት ካናዳ ተራኺቦም ቃለ ምዕዳን ኣብ ዝለገስሉ እዋን፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ደቀባት ካናዳ ዝተፈጸመ ግፍዒ ዘኪሮም፡ ኣብቲ ግዜ እቲ እውን ኣብ ከተማ ካምሉፕስ ኣብ ዝርከብ ናይ ደቀባት ቤት ትምህርቲ፡ ጃምላዊ ናይ መቓብር ስፍራ ከም እተረኸበ ሓበሬታ ተመሓላሊፉ ከም ዝነበረን እዚ ጒዳይ እዚ ዘሕደረሎም ስቓይ ገሊጾም፡ ስለ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽ ዝተፈጸመ ግፍዒ ይቕረታ ከም ዝሓተቱ ዘርኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ መንግስቲ ደቀባት ካናዳ ብባህሊ ንኽወሃሃዱ ብዝብል መደብ ናይ መንበሪ ኣቢያተ ትምህርቲ ኣቚይሙ ከም ዝነበረን ኣብቲ እዋን ኣብ መወዳእታ 1800 ኣብ መባእታ 1900 ዓመታት ብዛዕባ እተፈጸመ ማህሰይቲ ከምኡ እውን ዓመጽ ዝገልጽ ታሪኽ ከም እተረኽበን እቲ መንግስቲ ዘቘሞ ኣቢያት ትምህርቲ ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዊስካ ኣብታ ሃገር ንዝርከባ ዝነበራ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ከመሓድሮኦ ብሕድሪ ዝተዋህበን ከም ዝነበረን ኣብተን ኣቢያተ ትምህርቲ ቈልዑ መብዛሕቲኡ ግዜ ግፍዕን ህስያን የጋጥሞም ከም ዝነበረ ታሪኽ ናይተን ኣቢያተ ትምህርቲ ጠቒሱ የመላኽት።

ቅዱስነቶን ንወከልቲ ማሕበረሰብ ደቀባት ካናዳ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥

ከም ዝበልክዎን ሕጂ እውን ደጊመ ብዙሓት ሰዓብቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፍላይ ከኣ ናይ ትምህርትን ምምህርናን ሓላፍነት ዝነበሮም ኣብ ልዕለዅም ዝፈጸምዎ መንነትኵምን ባህልዅምን ከምኡ እውን መንፈሳዊ ስነ ምግባራዊ ስርዓታትኵም ዘየኽብር ብዝተፈጸመ ግፍዒ ደጊመ ሕፍረትን ጓህን ይስምዓና፥ እቲ ዝፈጸመዎ ተግባር ምስ ናይ ኢየስሱ ወንጌል ዝጋራጭው እዩ!

ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

መገዲ ሓቂ

እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘካይድዎ ምብጻሕ ሓደ ካብቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ካናዳ እቲ ዝተፈጸመ ነገራት ኵሉ ሓቅነቱ ምስ ተረጋገጸ ብኡንብኡ ናይ ዝጀመረቶ ጐደና ዕርቂ ኣካል ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስነቶም፥ “ውጽኢታዊ ናይ ሓዳሴ መስርሕ ጭቡጥ ስጒምቲ ዝሓትት” ብምዃኑ ብቘራጽነት ንኽንስዕቦ ጻውዒት የቕርቡ። ስለዚ እቲ “ንሓቂ ብጋህዲ ንምርካብ ዘድሊ ስጒምቲ ንምውሳድ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ፡ ኣቝሳል ንምሕዋይን ንዕርቅን” ከምኡ እውን ባህሊ ደቀባት ዳግም ክስስን ህያው ንምግባርን ኣብ ፍቕሪ ቤተ ክርስቲያን ኣኽብሮትን ንልምድታቶም ፍሉይ ቆላሕታ ንኽግበር ዘተባብዕ እዩ” እንክብሉ ገሊጾም ከም ዝነበሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ሓጐስ ኣቡናት ካናዳ

ናይ ካናዳ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ካናዳ ሓዋርያዊ መገሻ ከካይዱ ምዃኖም ዝተወሃበ ሓበሬታ ብሓጐስ ከም እተቐበልዎ እዚ ድማ ደቀባት ኣብ ምሕዋይን ዕርቅን ዘተኰረ ታሪኻዊ ምብጻሕ እንክብሉ ከም ዝገለጽዎ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ካናዳ ብኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ክትብጻሕ እዚ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንራብዓይ ግዜ ከም ዝኸውንን ነታ ሃገር ንምወዳእታ ግዜ ኣብ 2002 ዓ.ም. ዝበጽሑዋ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ከም ዝነበሩ እውን ኣመላኺቱ፥ ናይ ካናዳ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ኣቡነ ራይሞንድ ፓይሶን፥ “ቅዱስ ኣቦና ንኽበጽሑና ዘቕረብናሎም ውሉዳዊ ሕቶ ስለ እተቐበልዎ ነመስግን። ኣብዚ ምብጻሕ እዚ ቅዱስነቶም ምስ ኵሎም ደቀባት ማሕበረሰብ ካናዳ ንኽራኸቡ ኣጋጣሚ ከም ዝኾኖም እውን ገሊጾም፡ እዚ ድማ ከምቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ሮማ ምስ ወከልቲ ማሕበረሰብ ደቀባት ካናዳ ምስ ተራኸቡ ንኸእንግድዎም ባህጊ ከም ዘለዎም ንዘቕረቡሎም ዕድመ ዘማልእ እዩ፡ ብዛዕባ እዚ መደብ እዚ ዝግበር ጽዑቕ ምድላዋት ኣብ እንገብረሉ ዘለናሉ እዋን እቲ ምጽባሕ ቅዱስ ኣቦና ምእንቲ ክፍጸም ስለ ጥዕናኦም ንጸሊ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

14 May 2022, 17:10