ድለ

ገጸ በረኸት ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ኣይፋል ንውግእ” ዘርእታ ሓቀይና ዛንታ እትሕብር ስእሊ ገጸ በረኸት ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ኣይፋል ንውግእ” ዘርእታ ሓቀይና ዛንታ እትሕብር ስእሊ  (Vatican Media)

ገጸ በረኸት ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ኣይፋል ንውግእ” ዘርእታ ሓቀይና ዛንታ እትሕብር ስእሊ

እዚ ስእሊ እዚ ሓደ ካብቲ ኣብ ታሪኽ ዕስራ ዘመን ካብ እተራእየ ናይ ውግእ ዘስካሕክሕ ወጅሂ ካብ ዘርእዩ ሓቀይና ኣሳእል እቲ ዝኸፍአ ምዃኑ

ዕለት 11 ግንቦት 2022 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ ኣብቲ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ካብ ዝተረኽቡ ኣብ ቨትናም ናይ ዝተኻየደ ውግእ ዘስካሕክሕ ሳዕቤን ናፓል ዘርኢ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብ ዘስዓቦን ኣብ 1972 ዓ.ም. ኣብ እዋን ውግእ ዝተሳእለ ሓቀይና “ኣይፋል ንውግእ” ዝብል መጸውዕ ናይ እተወሃቦ ስእሊ ቅዳሕ ንቕዱስነቶም ካብ ኢድ እተን ኣብቲ ስእሊ ዘለዋን ነታ ስእሊ ኣብቲ እዋን ዝሰኣሉን ከም እተለገሰሎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኪምን ኒክን ነቲ ውግእ ኣጸቢቖም እዮም ዝፈልጥዎ። ካብ ሳይጐን ብሸነኽ ምዕራብ ኣርብዓ ኪሎ ሜትር ርሒቝ ኣብ ዝርከብ ቍሸት ትራንግ ባንግ ዕለት 8 ሰነ 1972 ዓ.ም. ብቦምብታት ናፓል ዝተሰንዩ ዝተፈጸመ ዘሰንብድን ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ ሳዕቤናቱ ብንጹር እተዘንተው ሓቀይና ታሪኻዊት ኮይና ዝተረፈት በቲ ዝተፈዘመ መጥቃዕቲ ናፓል ዝተሃስየት ቨትናማዊት ሕጻን ኪም ፉክ ፓህን ቲ ኣልባሳ ብናይ ናፓል ፎስፈረስ ቀመማት መኺዅ ኣካላ እውን በቲ ቀመም ዘይምሱል መሲሉ ጥራሕ ዝባና እናጐየየት ክትሃድም እንኰላ ዘርኢ ኣብቲ እዋን ብ ኒክ ኡት ዝተሳእለ ስእሊ ድሕሪ ሓምሳ ዓመት ባዕለን ነታ ስእሊ ምስ ዝሰኣሉ ኒክ ብሓባር ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተረኺበን ቅዳሕ እታ ስእሊ ንቕዱስ ኣቦና ገጸ በረኸት ከም ዘቕረባሎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እዚ ስእሊ እዚ ሓደ ካብቲ ኣብ ታሪኽ ዕስራ ዘመን ካብ እተራእየ ናይ ውግእ ዘስካሕክሕ ወጅሂ ካብ ዘርእዩ ሓቀይና ኣሳእል እቲ ዝኸፍአ ምዃኑ ክንገር እንከሎ፡ ድሕርዚ ዳርጋ ፍርቂ ዘመን ጸኒሑ ኪምን ኒክን ብሓባር ኮይኖም ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተራኺቦም ቅዳሕ ናይቲ ታሪኻዊ ኣይፋል ንውግእ ዝብል መጸውዕ እተዋህቦ ስእሊ ከቲሞም ገጸ በረኸት ከምዘቕረቡሎምን፥ እዚ እውን ቅዱስነቶም ነቲ ውግእ ጽላለ እዩ እንክብሉ ዝህብዎ መግለጺ ብትኽኽል ዝነግር ስእሊ ምዃና ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ቅዱስነቶም ነቲ ካብ ቨትናም ዝመጸ “ኣይፋል ንውግእ” ዝብል መጸውዕ እተወሃቦ ታሪኻዊ ስእሊ’ዚ ምስ ተቐበሉ ካብቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ካብ ዘምለጡ ክልተ ደቀንስትዮ ተቐቢሎም ሰላምታ ምስ ተለዋወጡ ክኸውን እንከሎ ቅዱስነቶም ብሓባር ናይ ሕልና ጸሎት ከም ዘዕረጉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኪም ሎሚ ጓል 59 ዓመት ኣደ ክልተ ቈልዑ ከም ዝኾናን ድሕሪ ፍርቂ ዘመን ንድሕሪት ምልስ ቢለን ንዓለም ውግእ ዘይኰነ ሰላም እዩ ዘድልያ ከም ዝበላ ኣፍሊጡ።

ኪም ድሕሪ እቲ ርክብ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት፥ “እዛ ስእሊ እዚኣ ቍልዕነተይ ከም ዝሰኣንኩ ተዘኻኽረ። ይዅን እምበር ድሕሪ ነዊሕ እዋን ክሳዕ ክንደይ ዋጋ ከም ዘኽፈለኒ የስተውዕል ካብቲ ውግእ ተሪፈንን ብዝተገብረለይ ሓገዝ ነቲ ናይ ናፓል ቦምብታት ኣብ ዝባነይ ዝሓደጎ መጉዳእትን እቲ ውግእ ዘሕደረለይ ኵለ መደያዊ ማህሰይቲ ንምእላይ ሕክምና ረኺበ ሎሚ ብህይወት ኣለዅ” ኢለን።

12 May 2022, 16:22