ር.ሊ.ጳ.፦ ንማሕበር ክርስቲያናዊ ትምህርቲ-ላሳል ዳግም ንምህናጽ ብሓባር ምዕያይ
ሕውነት ነታ ሓባራዊት ቤትና ምክንካን ኢዩ። ዓለም ኣብ ኣብዚ ግዜ አዚ ክልተ ዓብይቲ ብድሆታት ኣጋጦምዋ ይርከብ፡ እቲ ሓደ ህጹጽ ኩነታት ናይ ትምህርቲ ክኸውን እንከሎ በቲ ካልእ ወገን ድማ ለብዒ ሕማም ኮሮና ብዝያዳ ኣግዲድዎ ይርከብ ኣሎ። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ብምኽኒያት እቲ "ሓድሽ ህይወት ንምቕያር ሓድሽ መገድታት ምህናጽ" ብዝል ኣርእስቲ መበል 16 ሓፈሻዊ ጠቕላሊ ጉባኤ ከካይዱ ዝቀራረቡ ዘልዉ ኣባላት ማሕበር ኣሕዋት ክርስትያናዊ ኣብያተ-ትምህርቲ - ላሳለ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረብዎምን ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱሎም ዜና ቫቲካን ገሊጹ።
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ማሕበር ኣሕዋት ላሳል ናብ ኣሕዋት ብፍላይ ከኣ ናብ ቶም ዝደኸዩ ዚምርሕ ሓድሽ መገድታት ዚህነጸሉ ቦታ ስነ መዕበያ ኢዩ፣ እዚ ኸኣ ኣብተን ማሕበር ኣሕዋት ክርስትያናዊ ኣብያተ - ትምህርቲ - ላሳል ዘገልግሉለን ኣስታት ሚእቲ ዚዀና ሃገራት ኣብ ኣብያተ - ትምህርቲ፣ ተቛማትን መናብርተ ጥበብን ዚርከብ ትምህርታዊ መገድታት እዩ። ስለዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዘቕረብዎ ቃለ ምዕዳን አዚ ሎሚ ዝግበር ዘሎ ሓፈሻዊ ጠቕላሊ ጉባኤ፡ ኣብቲ ዕላማታት ብ1682 ዓ.ም. ኣብ ሪምዝ ብቅዱስ ዮውሓንስ መጥመቅ ዘላሳል እተመስረተ ማሕበር ኣሓው ኢያ እትነብር ዘላ ክብሉ ገለጹሎም። "ኣገልግሎት ትምህርቲ ቅድም ቀዳድም ነቶም ነዚ ዝተጸውዑ ዓብዪ ውህበት ኢዩ - ብዙሕ ጻዕሪ ዝሓትት ኣገልግሎት ድማ ኢዩ" ክብሉውን ኣዘኻከርዎም።
ኣብዚ ግዜ እዚ እቲ ናይ ትምህርቲ ስነ መዕበያዊ ውዕል ፈሪሱን ዓንዩን ይርከብ ኣሎ። አዚ ድማ ኣብ መንጐ መንግስትን መምህራንን ስድራቤታትን ዘሎ ምርሕሓቕ ዝፈጠሮ ክኸውን እንከሎ፡ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥን ብሓባር ናይ ምዕያይን ሓድሽ ውዕል ክንደሊ ኣሎና - እዚ ኸኣ እቲ ናይ ትምህርቲ ህጹጽ ኵነታት ኢዩ።
ክልተ ናይ ትምህርቲ ብድሆታት
ቅዱስ ኣቦና ኣብ መልእኽቶም ዘተዀሩሉ እቲ ሎሚ ብዓለምለኻዊ ደረጃ ዚርአ ዘሎ ትምህርታዊ ህጹጽ ኵነታት ኮይኑ፡ ብፍላይ ድማ ነቲ ብሰንኪ ለበዳዊ ሕማም ኮሮና ዘስዓቦ ኩነታት ከቢድ ከም ምዃኑ ኢዩ። ድሕርዚ ነቶም ኣስታት ሚእቲ ዝዀኑ ተሳተፍቲ "ሕውነትን" ከምኡውን "ነታ ሓባራዊት ቤት ምክንኻን" ዝብል ክልተ ብድሆታት ኣመልከቱሎም።
ንስኻትኩም ኣሕዋት ኣባላት ናይዚ ክፍሊ ሕንጸትን ስነ መዕበያን ኢኻትኩም፣ እወ ብናይ ምምሃር ኣገልግሎትኩም ካብ ዕጹው ዓለም ናብ ክፉት ዓለም ክትሓልፉ፣ ካብ ተጠቂምካ ምድርባይ ዝብል ባህሊ ናብ ናይ ምክንኻን፣ ካብቲ ወልቃዊ ረብሓታት ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ ናብቲ ሓባራዊ ጥቕሚ ንምርካብ ዚግበር ኣገልግሎት ክትሓልፉ ዝተጸዋዕኩም ኢኹም። ከም መምህራን መጠን እዚ ለውጢ እዚ ኻብ ሕልና ክጅምር ከም ዘለዎን እንተ ዘይኮይኑ ድማ ግዳማዊ ጥራይ ኮይኑ ከም ዝረፍ ኣጸቢቕኩም ትፈልጡ ኢኹም።
ትምህርታዊ ኺዳን ኣብ ቤት ትምህርቲ ክርስቶስ
ብመሰረት ጳጳስ ናይ ሮማን ኣብቲ ክልሎም ዘሎን ሓቂ፣ እዚ ዕዮ እዚ ንበይንኻ ዘይኰነስ ምስ ስድራ ቤታትን ማሕበረሰባትን ኣብ እተገብረ ትምህርታዊ ኺዳን እዩ ዚዕየ። ኣብ ርእሲ እዚውን እቶም ንፉዓት ሰራሕተኛታትውን ንገዛእ ርእሶም ዕሽሽ ክብሉ ከም ዘይብሎም፥
እቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ክርስቶስ ዚምህር ክርስትያን መምህር ልዕሊ ዅሉ ምስክር ከም ምዃኑ መጠን ብህይወት ዝምስክር መምህርን እዩ። ኣብዚ ዝምህረኩም ነገር የብለይን ከም ሓውኹም መጠን ግን ከዘኻኽረኩም እደሊ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ብስም ጥራይ ዘይኰነስ ብሓቂ ኣሕዋት ክትኰኑ ምእንታኹም እጽሊ ኣለኹ። ምኽንያቱ ኣብያተ -ትምህርትታትኩም ብስም ጥራይ ዘይኰነስ ብሓቂ ናይ ክርስትያን ኣብያተ -ትምህርቲ ክኾና ይግባእ።
እናመሃርካ ወንጌል ምስባኽን፣ እናሰበኽካ ምምሃርን
እቲ ብሓጐስ ንቕድሚት ምስጓም ዝብል ዕድመ፣ ብምምሃርን ወንንጌል ብምስባኽን ንቕድሚት ምስጓም ማለት ኢዩ። እቲ "መገዲ" ተባሂሉ ዘሎ ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ብምግንዛብ ሓደስቲ መገድታት ንምህናጽ ኢዩ። ቅዱስ ኣቦና ኣስዕብ ኣቢሎም ኸም ዝበልዎ ንክርስቶስ ብምስዓብ ጥራይ ኢና ህይወትና ተቐዪሩ "ንሕናውን ብግዴና መባዅዕትን ጨውን ከምኡውን ብርሃን ዓለምን እንኸውን።"
ስነ መዕበያ ወድወብ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኣሕዋት ክርስትያናዊ ኣብያተ-ትምህርቲ - ላሳል በቲ ሃብታም ናይ ትምህርቲ ልምዲ ደልዲሎም ናይ ምምሃዝ ክእለት ምምሃር፣ ብሓባር ናይ ምንባር ጥበብ፣ ብዛዕባ ፍትሒ፣ ሰላም፣ ውሳጣዊ ሕይወት፣ ደረት ሰገር ንምዃን፣ ከምኡ ውን ኣብ ቅድሚ ምስጢር ህይወትን ተፈጥሮን ኣደኒቕካን ኣስተንቲንካን ምኽኣል ከስተምህሩ፣ ነቲ ካብ ክርስቶስ ዝተቐበልዎ ተልእኾ ከስተውዕልዎን ክነብርዎን ብምዝኽኻር፣ ከምቲ ቅዱስ ዮሃንስ ጳውሎስ ዳግማይ ዝበልዎ "ሰብን እቲ መገዲ ቤተ-ክርስትያንን" ኢዩ ብምባል፣ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መወዳእታ
ንሰብ ብክርስቶስ ከም ዚዓቢ ንምግባር ስብከተ ወንጌል ፍሉይ ኣበርክቶ ዝግበረሉ ሓዋርያውነት እዩ። በዚ መዳይ እዚ ኣብያተ-ትምህርቲታትኩም ብግዳማዊ ምልክት ዘይኰነስ "ክርስትያናዊ" ኩነት ክህልወን የድሊ
ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።