ድለ

ር.ሊ.ጳጳሳት፥ ክርስቲያን ንዓለም ኣብ ሓደጋ ዜእቱ “ጭካነ ዝመልኦ” ውግእ እውን ይሃሉ ሕቡራት ይዅኑ ር.ሊ.ጳጳሳት፥ ክርስቲያን ንዓለም ኣብ ሓደጋ ዜእቱ “ጭካነ ዝመልኦ” ውግእ እውን ይሃሉ ሕቡራት ይዅኑ 

ር.ሊ.ጳጳሳት፥ ክርስቲያን ንዓለም ኣብ ሓደጋ ዜእቱ “ጭካነ ዝመልኦ” ውግእ እውን ይሃሉ ሕቡራት ይዅኑ

እቲ ናይ ሰላም ወንጌል ንልቢ ምጥቓሙ ከይተረፈ ኣጽዋር ንምርጋፍ ዝያዳ ትውክልቲ ዝግበሮ ክርስቲያን ኣብ መወዳእታ በቲ መስፍን ሰላም ዝኾነ ኢየሱስ እንተ ተዓሪቖም ጥራይ እዩ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 3 – 6 ግንቦት ናይ ክርስቲያን ሓድነት ዝሓልይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘዳለዎ ዓመታዊ ምሉእ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ ተጋባእያን ዕለት 6 ግንቦት ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳ ለጊሶም። ቅዱስነቶም፥ ነቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ “ጭካነ ዝተመልአ ትርጒም ኣልቦ” ውግእ ከም ብሓድሽ ኮኒኖምም - “እዚ ኣረመናዊ ተግባር እዚ እናሀለወ ክነሱ ሓድነት ንምርካብ ዘሎና ባህጊ ነሓድሶን ነቲ ቅድሚ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ልቢ ዘሎ ኣጽዋር ከነራግፍ ዝገብር ወንጌል ነበስር፡ ቢሎም “ቅዱስ ዓመተ ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ምስ ዝኽሪ መበል 1700 ዓመት ዋዕላ ንቂያ ዝራኸብ እውን ብምዃኑ ብርቱዕ ስፍሓት ሓድነት” ዘጒልሕ ከም ዝኸውን ዘለዎም ተስፋ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ “ጭካነ ዝተመልኦ ዕሽነታዊ ትርኢት ኣረመናዊ ተግባር ስለ ዝኾነ “ንሕልና ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያንን ነፍሲ ወከፍ ቤተ ክርስቲያንን ሕቶ እዩ፡ እዚ ድማ ነቲ ክርስቶስ ህይወቱ ዝሃበሉ ካብ ዝኾነ ይዅን ሰራዊት ንላዕሊ ኣብ ልባትና ዝተዓቝረ ኣጽዋር ንኸጥፍእ ዝኣወጆ ወንጌል ንምብሳር ኣበርክቶ ንኽገብር ዝድርኽ ክኸውን ኣለዎ። . . . ኣብ መንጐ ክርስቲያን ዘሎ ምግምማዕ ብልምዲ ወይ ኢድካ ካብ ምሃብ ከም ቅቡል ጌርካ ምንባሩ ዕሽሽ ምባሉ ነቲ ንግጭት መሰረት ዝኾነ ባይታ ምጥዕዓም እዩ ዝኸውን። ምእንቲ እዚ ጽኑዕ ናይ ስነ ምግባራዊ ምይይጥ ክግበር ጻውዒት ዘቕርብ ኣጋጣሚ ዝኸውን።”

እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኣብ መንጐ ክርስቲያን ዘሎ ርክብ ዜደልድል ኣጋጣሚ እዩ

ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘቕርብዎ ቃለ ምዕዳን ንድሕሪት ምስል ቢሎም ብዛዕባ እቲ ቅድሚ ውግእ ንዓለም ዘዳኸመ ፍጻመ  - “ለብዒ ኮቪድ - 19 ዘስዓቦ ቅልውላው ጥዕና ኣብ መንጐ ክርስቲያን ዘሎ ርክብ ንምድልዳልን ንምሕዳስን ኣጋጣሚ እዩ ክኸውን ዘለዎ፡” ከመይሲ እዚ ኣጋጣሚ እዚ ነቲ “ናይ ሓንቲ ክርስቲያናዊት ስድራ ቤት ምዃን ዘሎካ ግንዛበ” ስለ ዘሐድሶ “ሓደ ዓይነት ተነቃፍነት ናይ ምክላፍ ተመክሮ ኣብቲ ካብ ኣምላኽ ዝመጽእ ሓገዝ ጥራይ ናይ ምትእምማን ተመክሮ” ዘርእይ እውን ብምዃኑ እዩ፥

እቲ ዜገርም ከኣ እቲ ንሓድሕድና ንኽንራኸብ ዘገደደና ለብዒ ንሓድሕድና ክሳዕ ክንደይ ከም እንቀራረብን ክሳብ ክንደይ ሓላፍነት ከም ዚስምዓናናን ከም እንግንዘብን ገይሩና እዩ

በይንኻን ኣብ በይንኻን ዘይምጉዓዝ

. . . ብዛዕባ ሕውነት ዘለዎም ኣተሓሳስባ ኣትሪሮም እንክዛረቡ - “ሎሚ ንሓደ ክርስቲያን ብናይ ገዛእ ርእሱ ዝናዘዞ እምነት ንበይኑን ኣብ በይኑን ክኸይድ ዘይከኣል እዩ። . . . ከም ኣሓዋት ኵለን ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ብሓባር ክጓዓዛ ኣለወን እንተ ዘይኮይኑ ምጉዓዝ ዘይከኣል እዩ ዝኸውን . . . ሓደ ሰብ ካልእ ሰብ ኣየድልየንን ብምባል ርእሰ ምትእምማን ምስ ዘማእክል ገዛእ ርእሱ ኣብ ሓደጋ  እዩ ዘእትው’ እዚ ከኣ ኣብ ልዕሊ ስደተይናታት ከቢድ ሳዕቤን ኣለዎ። ማሕበረሰብ  ክርስቲያን ንቕድሚት ከይስጒም ዝዕንቅጽ እዩ። ብሓባር ምምልላስ እንተ ዘየለ በይንኻ ክትመላለስ ብፍጹም ክኡል ኣይከውንን . . . ።

ንሕልና ነፍሲ ወከፍ ሰብን ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ሕቶ ዘእትው

ቅዱስነቶም “ሓቀይና ሓቅን ጸጋን” ካብ ዝብል ሓሳብ ነቒሎም፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ቀጻሊ ግጭት ክዛረቡ እንከለዉ፥ ገና ካብቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዕ ከይተላቐቕና ነቲ ዘስዓቦ ቅልውላው ከየተኻኸልና ዘጋጥም ዘሎ “ሓደሽ ዘሕዝን ብድሆ” እንክብሉ ገሊጾም፡ ድሕሪ መወዳእታ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዞባውያን ውግኣት ኣይተፈለየናን” ነቲ ቅድሚ 25 ዓመት ኣብ ሩዋንዳ ዝተኻየደ ግጭት ህልው ኵነታት ምያንማር ከም ኣብነት ንርአ፡ . . .  እዚ ውግእን ጸገምን እዚዩ ርሑቕ ኣብ ዝኾነ ከባቢ ዝፍጸም ብምዃኑ ብቐረባ ዘይምልከተና ገይርና ንሓስቦ ነይርና . . . ከምቲ ደጋጊመ ዝበልክዎ እናተኾላለፈ ዝካየድ ዘሎ ሳልሳይ ውግእ ዓለም እዩ፥

እዚ ውግእ እዚ ከም ዝኾነ ይዅን ዓይነት ውግእ ጭካነን ዕሽነትን ዝመልኦ እኳ እንተዀነ ንምልእቲ ዓለም ዘስግእ እዩ፥ ስለዚ ንነፍሲ ወከፍ ክርስቲያንን ኣቢያተ ክርስቲያንን ከኣ ኣብ ሕቶ ከእትው ዝኽእል እዩ። ኣቢያተ ክርስቲያን እንታይ እያተን ዝገብራ ዘለዋ? ማሕበርሰብ ዓለም ኣብ ምምዕባልን ምህናጽን እንታይ ኪገብራ ይኽእላ?

ዝብል ሕቶ ኣቕሪቦም

ወንጌል ሰላም ምእዋጅ

እቲ ኣብ መንጐ ኣቢያተ ክርስቲያን ዘሎ ምግምማዕ ዘምጽኦ ዕንቅፋት ንዓለም ሓዘንን ምጒዳል ፍትሕን ዝምርዛ እከይ ኣብ ምፍጣር ታሪኻዊ ከበድ ከም ዘለዎ ምፍላጡ ነቶም ኣመንቲ ማሕበረሰባት ኣብ ትሕቲ መሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ነቲ ጐይታ ዝጸለየሉን ህይወቱ ዝሃበሉን ሓድነት ንኽምነዩ ዝድርኽ እዩ . . . ሎሚ ኣብ ቅድሚ እዚ ኣረመናዊ ውግእ እዚ ሓድነት ንምርካብ ዘሎ ሃረርታ ከም ብሓድሽ ምትብባዕ የድሊ” ንክብሉ ተማሕጺኖም . . .

እቲ ናይ ሰላም ወንጌል ንልቢ ምጥቓሙ ከይተረፈ ኣጽዋር ንምርጋፍ ዝያዳ ትውክልቲ ዝግበሮ ክርስቲያን ኣብ መወዳእታ በቲ መስፍን ሰላም ዝኾነ ኢየሱስ እንተ ተዓሪቖም ጥራይ እዩ። ክርስቲያን ብፍቕርን ብድማሳዊ ሕውነት ተነቓቒሖም ክንየው ማሕበረሰቦምን ሃገሮም ነዚ መንፈስ እዚ ህያው ዚገብሩ እያቶም . . .

ሎሚ ብሓደ ኴንካ ምጒዓዝ እዩ ወይ ከኣ ኣብ ዘለኻው ዶው እዩ ዝህልው። እዚ መንፈስ ቅዱስ ዘነቓቕሖ መንፈስ ሓድነት እዩ . . .

ጒባኤ ኒቅያ ነቲ ኣብ ስነ ምግባራዊ መዳይ ዚርአ መገዲ የብርሆ

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ዝኽሪ መበል 1700 ዓመት ጒባኤ ኒቅያ ኵለን ኣቢያተ ክርስቲያን ብሓባር ከብዕለኦ ከም ዘለወን ኣዘኻኺሮም፥ “እቲ ጒባኤ ኣብ ምድላው ጸገም እኳ እንተ ኣጋጠሞ ልዕሊ ኵሉ ኣብቲ ስዒቢ ዝመጸ ነዊሕ እዋን ተቐባልነት ዝረኸበ ክነሱ ንቤተ ክርሲትያን ናይ ምትዕራቕ ኣጋጣሚ እዩ። እዚ ኸኣ ኣብ ኑዛዝየ እምነት ሓድነት ቤተ ክርስቲያን በገባብ ሲኖዳውነት ክህሉ ዝገበረ እዩ። ውሳኔታት ኒቅያ ነቲ ሕጂ ዘሎ ናይ ስነ ምግባራዊ ጉዕዞ ከብርህውዎ ልዕሊ ኵሉ ድማ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ስፍሓት ክህልዎ ተስፋ እገብር፥”

ሲኖዳውነት

እቲ ናይ መጀመርታ ናይ ኒቅያ ጒባኤ ድሮ “መልክዕ ህይወትን ውዳበን ማሕበረሰብ” ሲኖዳውነት ክኸውን ከም ዘለዎ ዘቕርቦ ኣገባብ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክረጋገጽ ጻውዒት ኣቕሪቦም።  . . . ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዝሓልይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶሳዊ መስርሕ ንድምጺ ኣሕዋትን ኣሓኣትን ካልኦት ኑዛዜ እምነትን ብዛዕባ እቲ ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ንእምነትን ዲያቆንነትን - ኣገልግሎትን ዝብድሆ ሕቶታት ዝሰምዓሉ ኣገባብ ገይሩ ክጥቀመሉ ምዒዶም  . . . ብሓባር ንቕድሚት ንጒዓዝ . . . ኢድ ንኢድት ተተሓሒዝና ከም ኣሕዋት ሓቂ ኣብ ምድላይ ብጸሎትን ብግብረ ሰናይን ሓቢርና ንጓዓዝ . . እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

07 May 2022, 17:24