ር.ሊ.ጳ.፥ ‘ኣብ መንጐናን ምስ ፍጥረትን’ ሕውነት ክህልወና ጻውዒት የቕርቡ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ “ተፈጥሮ ኣብ ኣእምሮ - ብዙሕነት ህይወት ንምክልኻል ዘኽእል ሓድሽ ባህሊ” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ብናይ ኢጣሊያ ወተሃደራዊ ሓይሊ ጸጥታ ተወዲቡ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኣህጉራዊ ዓውደ ኣኼባ ተጋባኣያን ዕለት 21 ግንቦት ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ብዙሕነት - ህይወት ንምዕቃብ ኣሚቱ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኣህጉራዊ ዋዕላ ንዝሳተፉ ዘለዉ ንኢዶም፡ እቲ ዓውደ ጉባኤ ነቲ ብዛዕባ መጻኢ ዓለም ዝግበር ህጹጽን ሓላፍነት ዝስምዖን ዘተ ዘድልዮ ምዃኑ ዘመላኽት እዩ ቢሎም ኣስዒቦም፥ ናይቲ ዋዕላ መርሕ ቓል “ተፈጥሮ ኣብ ኣእምሮ - ንብዝሑነት ህይወት ንምክልኻል ዘኽእል ሓድሽ ባህሊ” ዝብል ምዃኑ ብምዝኽካር፡ እዚ ኣርእስቲ እዚ ነቲ ቅዱስ ቦናቨንቱራ፥ “ብጽባቔ ተፈጥሮ ኣቢልና ነቲ ድረት ሰገር ምርካብ” እንክብል ነዘቕረበልና ዕድመ ዘዘኻኸር እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ኣምላኽ ሰብኣዊ ፍጥረትን ተፈጥሮን
ንኣምላኽ ብተፈጥሮ ኣቢልና ክንርእዮ ስለ እንኽእል ደቅሰብ ስስዔ ብምስናፍን ሓባራዊ ጽባቀ ብምርካብ” ዕግበት ክኽረኽቡ ከም ዝኽእሉ ቅዱስነቶም ገሊጾም፥
“ኣዚ ኣብ መንጎ ፈጣርን ሰብኣዊ ፍጡርን ካልኦት ፍጡራትን ዘሎ ሓያል ማእስር ክተኻኸልን ክትእርሞን ብዘይከኣል ዕንወት ክብተኽ ዘይከኣል ኪዳን እዩ።”
ቢሎም “ኣብ መንጎናን ምስ ፍጥረትን ትሑትን ዕጉስን ሕውነት ደኣ እምበር ጅግንነት ኣየድልየናን እዩ።” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ባህሊ ክንክን ምህናጽ
እዚ ከኣ ኣብ መንጎ እተፈላለየ ዓይነት ስነ ፍልጠትን ትምህርትን “ባህሊ ክንክን ንምህናጽ ኣበርክቶ ምግባርን” ዘተ ንምህላው ዝሕግዝ ሓድሽ ናይ ኣመሃህራ ኣገባብ ዝሓትት እዩ፥
ናይ ምክንኻን ባህሊ ናይ ስኒት ባህሊ ስኒት ናይ ምዕቃብ ባህል ዘተባብዕ ደኣ እምበር ንስኒት ዝዝርግ ዝርዝር ባህል ማለት ኣይኰነን!
ከምዚ ዝኣመሰለ ባህሊ ምስቲ ኣብ “ኣዕኑድ ዘይንጽል ውሁድ መሓድሮ” እተመርኰሰ ምሉእ ትምህርቲ እተተሓሓዘ እዩ። ናይ ሓቂ ዘላቒ ምዕባለ ንምትግባር “ንሓድሽ ዘዋህድ ምስ ሰባትን ከባቢኦምን ብቐጥታ እተተሓሓዘ ሓባራዊ ኪደት ብምህዞ ክፉት ምዃን ኣድላዪ እዩ” እንክብሉ ኣትሪሮም ምስ ገለጹ፥
ዓለም፥ “ቝሸት ክንክን”
ኣብዚ እውን እዚ ጻዕርታት እዚ በቲ ንፍጥረት ዝግበር ሓልዮት ዘጒልሕ ትምህርቲ ክድገፍ ከም ዘለዎ ኣተሓሳሲቦም፥ “ኵላትና ንዅሉ ዓይነት ኣድልዎን ዓመጻን ምዝመዛን ዝነጽግ ሰብኣዊ ርክባት ንምቛም ዓለም ‘ናይ ክንክን ቝሸት` ኣብ ምዃን ክንሃንጻ የድሊ እንክብሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ነቲ “መዓልታዊ ቃል ኪዳን” ናይቶም ኣብቲ ዋዕላ ዚሳተፉ ሰባት ዘለዎ ሞሳ ብምግላጽ ኣብቲ ቃል ኪዳን እቲ “ብትብዓት” ንቕድሚት ክስጒሙ ብምትብባዕ ቅዱስነቶም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።