ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ውግእን ንግድ ኣጽዋርን ኣይፋል ንምባል መንፈሳዊ ነጋዳይ ናብ ደቡብ ሱዳን ር.ሊ.ጳ.፥ ውግእን ንግድ ኣጽዋርን ኣይፋል ንምባል መንፈሳዊ ነጋዳይ ናብ ደቡብ ሱዳን  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ.፥ ውግእን ንግድ ኣጽዋርን ኣይፋል ንምባል መንፈሳዊ ነጋዳይ ናብ ደቡብ ሱዳን

ንሓድነት ዝግበር ጉዕዞ ብሓባር ካብ ምምይያጥ ንላዕሊ እዩ። ዘረባ ጥራይ ዘይኮነስ ምግባር እውን እዩ። ግብሪ! ኣብ መጻሕፍቲ ጥራይ ዘይኮነስ ብኣካል ክንፋለጥ ሽቶታትናን ድኻምናን ከነካፈል ነቶም ኣብ ደረት መገዲ ዓለም እተደርበዩ ዝቘሰሉ ኣሕዋትን ኣሓትን ብሓንሳእ ኴይና ሓፍ ንምባል ኣእዳውና ከነርስሕ ነቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ፍጥረት ብሓደ ጥማቶ ብምምልካት ነቲ ኣብ ጒዕዞ እንገብሮ ጻዕሪ ከነተባብዕ ኣሎና። ትርጒም እቲ ጒዕዞ እዚ እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ኣባላት ኣህጉራዊ ድርገት ኣንግሊካዊትን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዕለት 13 ግንቦት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፡ ምስ ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ናይ ካንተርበሪ ሊቀ ጳጳሳትን ምስ መራሂ ቤተ ክርስቲያን ስኮትላንድ ብሓባር ዕርቅን ሰላምን ንኸነቓቕሑ ናብ ደቡብ ሱዳን ብዛዕባ ዘካይድዎ መገሻ ከም ዝገለጹን ዓሚቝ ሕብረት ንምርካብ ዝግበር ዝኾነ ይዅን ጻዕሪ “ውህበት ምልውዋጥ ጥራይ እዩ ክኸውን ዝኽእል” እንክብሉ ከም ዘጒልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ነቶም ኣባላት ኣህጉራዊ ድርገት ካቶሊካዊትን ኣንግሊካዊትን ኣቢያተ ክርስቲያን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ጒዕዞን ህያብን ኣብ ዝብላ ክልተ ቓላት ዝጽመር እዩ፡ እዚ ኣህጉራዊ ናይ ሓባር ድርገተ እዚ ሓደ ህያው ኣካል ነቲ “ንሕብረት ዘዳኽም ነገር ገዲፉ ነቲ ንካቶሊካውያንን ኣንግሊካውያን ሓድነት ከም ዝህልዎም ዝገብር ማእሰር ንምስፋሕ” ዝኣመተ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ እቲ ጒዕዞ ሓድሓደ ግዜ ከኣ ቅልጡፍ ሓድሓደ ግዜ ድማ ቀስ ዝበለን ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል፡ ይዅን እምበር ጒዕዞ እዩ፥”

ጸሎት ምእንቲ እቲ ናብ ደቡብ ሱዳን ዝግበር ናይ ሓባር መገሻ

ኣብ ርእሲ እዚ ቅዱስነቶ ብዛዕባ እቲ ጒዕዞን ህያብን ዚገልጽ ሓሳባት ምስቲ ናብ ደቡብ ሱዳን ብኣንግሊካዊትን ናይ ስኮትላንድን ቤተ ክርስቲያን መራሕቲ ብሓባር ዝገብርዎ ጒዕዞ ዝተተሓሓዘ እዩ፥ እዚ መገሻ እዚ ናብ ደቡብ ሱዳን ካብ ርሑቕ ዝተሓሰብ ከም ዝኾነ፥

ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ጅስቲን ወልባይን ናይ ስኮትላንድ ቤተ ክርስቲያን ኣወሃሃዲ ጂም ዋለስን ኣብቲ ናብ ደቡብ ሱዳን ዘካይዶ ምብጻሕ መካይድተይ እዮም። እዚ ጒዕዞ እዚ ኣብ ሕብረት ዝኣመተ ናይ ሰላም ጒዕዝ እዩ፡ ነቶም ኣብ ደቡብ ሱዳንን ኣብ ዓለምን ዝርከቡ ማሕበረ ክርስቲያን ነቲ ብልሽውን ዘይጠቅምን ዓመጻን ኣጽዋርን ኣይፋል ክብልዎ ዘኽእሎም ዕርቂ ዘስፋሕፍሓሉ ኣለምቲ ልባዊ ርክባት ንኽዀኑ ንጸሊ!

ትርጒም እቲ ጒዕዞ

“ነቲ ዝገማምዓና ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝነበረ ሎሚ እውን ዘሎ ምፍልላይ ገዲፍና ንቕድሚት ምስጓም ናብ ኢየሱስ ምጥማት” ከምኡ እውን ናብቲ “ኣብ መንጐና ክህሉ እነማዕድዎ ሸቶ ሓድነት” ምጥማት ማለት ምዃኑ ኣጒሊሖም። “ብትሕና ከምጸጋ መንፈስ ቅዱስ ሓንጐፋይ ኢልና ምቕባል ከምኡ እውን ኣብ ጒዕዞ ንሓድሕድና ብምድግጋፍ ንቕድሚት ምስጓም እዩ፥”

ንሓድነት ዝግበር ጉዕዞ ብሓባር ካብ ምምይያጥ ንላዕሊ እዩ። ዘረባ ጥራይ ዘይኮነስ ምግባር እውን እዩ። ግብሪ! ኣብ መጻሕፍቲ ጥራይ ዘይኮነስ ብኣካል ክንፋለጥ ሽቶታትናን ድኻምናን ከነካፈል ነቶም ኣብ ደረት መገዲ ዓለም እተደርበዩ ዝቘሰሉ ኣሕዋትን ኣሓትን ብሓንሳእ ኴይና ሓፍ ንምባል ኣእዳውና ከነርስሕ ነቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ፍጥረት ብሓደ ጥማቶ ብምምልካት ነቲ ኣብ ጒዕዞ እንገብሮ ጻዕሪ ከነተባብዕ ኣሎና። ትርጒም እቲ ጒዕዞ እዚ እዩ።

እቲ ህያብ ንሓድነት ናይ ዝግበር ጒዕዞ መንፈስ ይገልጾ

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ኣብታ ህያብ እትብል ቃል ኣተኵይሮም፥ ”መገዲ ንምንቅስቓስ ዘመልክት እዩ - እቲ ህያብ ድማ ናይቲ ንሓድነት ዝግበር ጒዕዞ መንፈስ እዩ” ዓሚቝ ሕብረት ንምርካብ ዚግበር ዝዀነ ይዅን ጻዕሪ ”ነፍሲ ወከፎም ነቲ ኣምላኽ ኣብ ንሓድሕድ ዝዘርኦ ከምናቱ ገይሮም ዚወሃሃድሉ ውህበት ምልውዋጥ ጥራይ እዩ” ቢሎም፥ “ህያብ ምልውዋጥ ናብ ወግዓዊ ተግባር ምእንቲ ክቕየር ዝጠልቦ ቅኑዕ ኣረኣእያ እንታይ እዩ? ዝብል ሕቶ ኣቕሪቦም፥

ብዛዕባ ስነ ኤቅለሲያውን ስነ ምግባራውን ጒዳያት ብግልጺ ምዝርራብ ክሳዕ ክንደይ ከም እንሽቝረርን ሓደገይና ከምዝኾነን ምዝርራብ ነቲ ኣኼባ ኣብ ክንዲ እንድግፎ ነቲ ዘሎ ምርሕሓቕ ከብ ከብሎ ይኽእል። ኣብ ክንድኡስ ከም መሰርታዊ ኵነታት ትሕትናን ሓቅን ዝሓትት እዩ። ስለዚ መጀመርታ ብትሕትናን ብቕንዕናን ጻዕርታትና ንእመን። እዚ ናይ መጀመርታ ስጒምቲ እዚ እዩ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ሓው ምልኩዕን ቅሳነትን ዝመልኦ ንምምሳል ክንጥንቀቕ ከምቲ ዝሓሰብናዮ ጌርና ገዝእ ርእስና ከነቕርበሉ ዘይኰነስ ብሓቂ እንታይ ምዃንና ብኽፉት ልቢ ከነርእዮ ከምኡ እውን ዓቕምና ከነርኢ እዩ ዝግባእ።

ነፍሲ ወከፍ ህያብ ግልጽነትን ትብዓትን ይሓትት

ቅዱስነቶም ከም ዝገለጽዎ እቲ ናብ ታሪኻዊ ምግምማዕ ዝመርሕ ሓጢኣት “ብትሕትናን ብሓቅን ጥራይ እዩ ኪስገር ዝኽእል፡ ኣብ ሓባራዊ በሰላ ስቓይ ኪስምዓካ ይቕረ ምባልን ምቕባልን ኣድላዪ ኮይኑ ድማ ይስምዓካ።”

እዚ ትብዓት ዝሓትት እኳ እንተዀነ መንፈስ ናይቲ ውህበት እዩ። ከመይሲ ናይ ሓቂ ውህበት ገዛእ ርእስኻ ምውፋይ ዘጠቓልል ግልጽነትን ትብዓትን ዚሓትት እዩ፡ እዚ እውን ንምሕረት ገዛእ ርስኻ ክፉት ምግባር ይሕግዝ። በዚ ከምዚ ጥራይ እዩ እተፈላለየ ህያባትን ተመክሮታትን ንምልውዋጥ ነቲ ኣድላዪ ዝዀነ ወግዓዊ ስርዓታት ንምስናፍን ልቢ ንምትንካፍን ዚሕግዝ። በዚ ከምዚ ጥራይ ኢና ምስቲ ብዙሕነት ኣብ ሓድነት ዜዐርቕ ንሱ ባዕሊ ስኒት ስለ ዘለዎ ምስቲ ውህበት ኣምላኽ ናብ ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ ክፉታት እንኸውን።

ውህበት መንፈስ ቅዱስ “ነቶም ዝቕበልዎ ሰባት ጥራይ ኣይኰነ ዝጠቅም፡ ንብምሉኦም ህዝቢ ኣምላኽ በረኸት ኢዩ። እቲ እንቕበሎ ጸጋ ንኻልኦት እውን እተመደበ እዩ፡ እቲ ካልኦት ዝተቐበልዎ ድማ ንዓና ኣድላዪ እዩ።”

ግጭት ናብ ውግእ ስለ ዝመርሕ ቅልውላው ክስገር ኣለዎ

ኣብ ምወዳእታ፥ “ሓደ ሰብ ኣብ መጻወዲያ ጊልያነት ግጭት ክወድቕ” ከም ዘይብሉ ኣጒሊሖም። መገዲ ሓድነት ካብ ዝኾነ ይዅን ግጭትን ምስሕሓብን ክንየው እዩ። ቅልውላው ብሓደ ሸነኽ እወታዊ ጐድኒ ኣለዎ፡ ኣብ መንጐ ግጭትን ውግእን ፍልልይ ኣሎ። ኣብ እንገብሮ ናይ ሓባር ዘተ ኣብ ቅልውላው ክንኣቱ ግድን እዩ፡ እዚ ኸኣ ጽቡቕ እዩ። ከመይሲ ቅልውላው ክፉት እዩ ንኽትዋጽኣሉ ድማ ይሕግዝ። ግናኸ ኣብቲ ናብ ውግእን ምክፍፋልን ዚመርሕ ግጭት ኣይንእቶ” እክብሉ ዘስምዕዎ ቃል ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

14 May 2022, 17:04