ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ በዓለ ፋሲካ ቶኽሲ ደው ክብል ው.ሕ.መ. ኣብ ዘቕረቦ ጻውዒት ይሓብሩ
ብመሰረት ዓውደ ኣዋርሕ ዩሊዩስ ኣብ ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ዕለት 24 ሚያዝያ በዓለ ትንሳኤ ዝበዓለሉ ሰንበት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ዩክረይን ቶኽሲ ደው ክብል ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዘቕረቦ ሕቶ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ቅድስቲ መንበርን “ንኣምላኽ ዝሰኣኖ ነገር የልቦን” ብዝብል ኣርእስቲ ኣአንጊዶም እወታዊ መልሲ ክወሃቦ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣንቶኒዮ ጉተረሽ ምስ ኣብ ዩክረይን ናይ ግሪክ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕነቶም ስቪያቶስላቭ ሸቭቹክ ብምስምማዕ ዕለት 24 ሚያዝያ ኣብ ምስራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያን በዓለ ትንሳኤ ኣብ ዝበዓለሉ ዕለት ኣብ ዩክረይን ቶኽሲ ደው ክብል ዝሓለፈ ዕለት 19 ሚያዝያ ኣብ ዘቕረብዎ ጻውዒት፡ ቅድስቲ መንበርን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ከም ዝሓበሩን፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብላቲን ስርዓት በዓለ ሆሳዕና ኣብ ዝተበዓለሉ ዕለት እውን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰላም ንምምጻእ ኣብ በዓለ ትንስኤ ቶኽሲ ደው ክብል ጻውዒት ኣቕርቦም ከም ዝነበሩ ዘዘኻኸረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ኣብቲ ንኣምላኽ ዝሰኣኖ ሓደ ነገር የልቦን ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝወጸ መግለጺ፥ እቶም ኣብቲ ውግእ ዝካየደሉ ዘሎ ዞባታት ዝተዓግቱ ህዝቢ ካብቲ ቦታ ክወጹን ሰላም ክምለስን ሓለዋ እግዚኣብሔር ንምሕጸን ዝብልን፡ ብተወሳኺ እውን መራሕቲ ሃገራት ናይ ህዝቢ ኣውያት ኪሰምዑ ጻውዒት ነቕርብ” ዝብል ሓሳብ ሰፊሩ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ፥ ቅዱስነቶም ቶክሺ ደው ክብል ኣብቲ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጻውዒት ከም ዝሓበሩ የመላኽት።