ድለ

ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ሃገረ ፐሩ ዘሎ ውጥረት ሰላማዊ ፍታሕ ክርከቦ ይጽልዩ ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ሃገረ ፐሩ ዘሎ ውጥረት ሰላማዊ ፍታሕ ክርከቦ ይጽልዩ 

ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ሃገረ ፐሩ ዘሎ ውጥረት ሰላማዊ ፍታሕ ክርከቦ ይጽልዩ

ናይ ፐሩ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጽዕ ኣቡነ ሚገል ካብረኾስ ኣብቲ ር.ሊ.ጳ. ዘቕረብዎ ጻውዒት ሓቢሮም፡ መንግስቲ ንህዝቢ ብፍላይ ከኣ ንድኻታትን ንስእነት ስራሕ ዝቃልዑ ዘለዉን ኣባይቲ ስድራኦም ክዕንግሉ ዕለታዊ መግቢ ዘናድዮ ብስእነት ስራሕ ንዝተጠቕዑ ቆላሕታ ክገብርን

ቅዱስ ኣቦና ዕለት 10 ሚያዝያ ድሕሪ ዘዕረገዎ ጸሎተ መላእከ እግዚኣብሔር፥ ኣብ ዩክረይን ሰላም ክረጋገጽ ድሕሪ ዘቕረብውዕ ጻውዒት ኣስዒቦም፥ ኣብታ ኣብ ክፍሊ ዓለም ላቲን ኣመሪካ እትርከብ ሃገረ ፐሩ ብሰንኪ ብርቱዕ ማሕበራዊ ውጥረት ተፈጢሩ ዘሎ ዕግርግር ኵለን ናይ ፖለቲካን ማሕበራውያን ጉጅለታት ኣብ መሰላት ኵሉ ዜጋን ቅዋም ሃገርን ኣብ ምኽባር ዝጸዔ ሰላማዊ ፍታሕ ኣብ ምንዳይ ክተግሃ ሓደራ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣጽዋር ውግእ ክዕበስን ምእንቲ ሰላም ክትጋህን ቅዱሰንቶም “ንጐይታ ዝሰኣኖ ነገር የልንቦን” ኣብ ዝብል ቃል ቅዱስ መጽሓፍ ጸኒዖም ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ ኣብ ዩክረይን ውግእ ክቋረጽ ምስ ተማሕጸኑ እቲ ኣብ ሃገረ ፐሩ ተኸሲቱ ዘሎ ማሕበራዊ ውጥረት እውን እናሓሰቡ፥

ምኽባር ሰብኣዊ መሰልን ክብረትን

ኣብዛ ንበዓለ ፋሲካ እንሰጋገረላ ቅድስቲ ሰሙን እዚኣ ንዅሎም ዝተባርከ ቅዱስ ሰሙን ተመንዮም፡ ንሃገረ ፐሩ ኣናሓሰቡ ነቶም ኣጸጋሚ ማሕበራዊ ኵነት ዘሕልፍ ንዘሎ “ፍቝር ሕዝቢ” እታ ሃገር፥

ነቲ ከቢድ ማሕበራዊ ውጥረት ዝተመልኦ ኵነት ዘሕልፍ ንዘሎ ህዝቢ ፐሩ ቅርበተይ ኣረጋገጽ። ንዅሎም እቶም ጉጅለታት ብእተኻእለ መጠን ቀልጢፎም ንጥቕሚ እታ ህገር ብፍላይ ከኣ ናይ ድኻታትን መሰላት ኵሎምን ቅዋም ሃገርን ብዘኽብር ኣገባብ ሰላማዊ ፍታሕ ከናድዩ እተባብዖም፡

ኣብ መንጐ ህዝብን መንግስትን ዘሎ ውጥረት

ብጐይታ ዘይኮነስ ብሰብ ክንዕወት ክሳብ እንጽዕር መጻኢ ኣይክልወናን እዩ። ዓወትና ሓቀይና ዝኸው ናይ ጐይታ እምበር ናይ ሰባት ክሳዕ ዘይኮነ እዩ። ኣብታ ከቢድ ቝጠባዊ ቅልውላው ስዒቡ ኣብ መንጐ ህዝብን መንግስትን ብርቱዕ ማሕበራዊ ውጥረት ዝረኣየላ ዘላ ሃገረ ፐሩ፡ እቲ ኣብ ኤውሮጳ ዝረአ ዘሎ ውግእ ተወሲኽዎ ዝገደደ ይኸውን ከም ዘበሎን፥ በዚ ምኽንያት እዚ ተኸሲቱ ዘሎ ብርቱዕ ማሕበራውን ሰብኣውን ጸገም ዘተሓሳብ እዩ። ብፍላይ ከኣ ናይታ ሃገር ርእሰ ብሔር ፐድሮ ካስቲሎ ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ማሕበራዊ ውጥረት ንምዕጋት ዝኣወጅዎ ሰዓት እቶእቶ ህዝቢ ከም እተቓወሞን ነቲ ዘሎ ውጥረት ዝተመልኦ ኵነት ዘብእስ ምዃኑ ናይታ ሃገር ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ “ግቡእ ዘይኮነ” ውሳኔ እንክብ ርእይቶ ከምዝሃበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ህዝቢ ርእሰ ብሔር ካስቲሎ ካብ ስልጣኖም ክለቍ ከም ዝሓተተን ኣብ መንጐ ተቓውሞ ዘስምዑ ዜጋታትን ሓይሊ ጸጥታን ብዝተፈጥረ ግጭት ብውሑዱ 11 ሰባት ከም ዝቘሰሉን ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ከም ዘለዉን ናይታ ሃገር ርእሰብ ብሔር ብዘርእይዎ ዘለዉ ተደጋጋሚ ጒድለት እውን ህዝባዊ ባይቶ ቀዋሚ ጒድለት ዘርእዩ እንክብል ዘቕርቦ ዘሎ ነቐፌታ ክሳዕ ሕጂ ሳዕቤን ዘይብሉ ምዃኑ እዩ ዝንገር።

ኣቃልቦ ኣቡናት ንድኻታት

ናይ ፐሩ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጽዕ ኣቡነ ሚገል ካብረኾስ ኣብቲ ር.ሊ.ጳ. ዘቕረብዎ ጻውዒት ሓቢሮም፡ መንግስቲ ንህዝቢ ብፍላይ ከኣ ንድኻታትን ንስእነት ስራሕ ዝቃልዑ ዘለዉን ኣባይቲ ስድራኦም ክዕንግሉ ዕለታዊ መግቢ ዘናድዮ ብስእነት ስራሕ ንዝተጠቕዑ ቆላሕታ ክገብርን ከዕቁቦምን ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

12 Apr 2022, 08:23