ኣብ ኡክራይና ዝግበር ውግእ ንኩሉ ዘራኽስ ግብረ እከይ እዩ! ር.ሊ.ጳ
ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 3 ሚያዝያ 2022 ዓም ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ሓውጾተ ኖልዎ ካብ ዝርከብዎ ሃገረ ማልታ ኣብ ዘቅረብዎ ጉባኤ ጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔር ‘እዛ ብውግእ ትሕመስ ዘላ ምብራቃዊት ሃገር ኤውሮጳ ከም ብሓዲስ ትራጀዲ ሰብኣውነት ይራኣያ ኣሎ። ፍቁራት ክርስቶስ ዝኾኑ መንእሰያት መንእሰያት ንኣቦሓጎታቶምን እኖሓጎታቶምን ከይርስዑ ከማኡ እውን ብፍቅሪ ምውፋይ ሓራ ከምዘውጽኦም ከይዝንግዑ’ ኣዘኻኺሮም።
ዜና ቫቲካን!
ቅዱስነቶም ንሕዝቢ ማልታ ኣብቲ ዝገበርዎ ናይ ክልተ መዓልቲ ሓውጾተ ኖልዎ ንዘርኣይዎ ተቅባል ልባዊ ምስጋና ኣቅሪቦም። ኣብ ዝርዝር ምስጋናኦም ንሰበሥልጣን እታ ሃገርን ንውሉደ ክህነትን ንኩሎም እቲ ሓውጾተ ኖልዎ ዕውት ክኸውን ዝተኻእሎም ዘበርከቱ ከምዚ እንክብሉ ዘኪሮም።
ናብ እግዚእትነ ማርያም ስለሰላም ዝቀረበ ጸሎት!
ቅዱስነቶም ሽሕ’ኳ ብኣካል ኣብ ሃገረ ማልታ እንተተረኽቡ ሃሞምን ቀልቦምን ግን ኣብታ ብውግእ ትሕመስ ዘላ ሃገረ ኡክራያና ምዃኑ ብምግላጽ ስለ ሰላም ካብ ምጽላይ ከይንስልቹ ሓደራ ብማለት ነዛ መራኸሲት ዝኾነትን ምኽንያት ብዙሕ ስቃይ ዝኾነትን ውግእ ጐይታ ደው ከብሎን ነቶም ዝሳቅዩ ክሕግዝን ንክንጽሊ ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኺሮም።
ንኢየሱስ ምፍቃር!
ቅዱስነቶም ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ካቶሊካዊ ታሪኽ ሃገረ ማልታ ቀዳማይ ቅዱስ ዝተባህለ ቅዱስ ጆርጅዮ ፕረካ ብምዝካር እምነት ብቀጻሊ ክትዓቢ ክትሕይልን ከምዝደልያ እዚ ከኣ በቲ ከማኡ ንምግባር ዝተዋህበካ ጸጋን ታሕጓስን ከምዝግበር ከምዚ ክብሉ ኣዛኻኺሮም።
04 Apr 2022, 17:33