ድለ

03-04-2022 Viaggio Apostolico a Malta - Santa Messa nel Piazzale dei Granai in Floriana 03-04-2022 Viaggio Apostolico a Malta - Santa Messa nel Piazzale dei Granai in Floriana 

ኣብ ኡክራይና ዝግበር ውግእ ንኩሉ ዘራኽስ ግብረ እከይ እዩ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 3 ሚያዝያ 2022 ዓም ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ሓውጾተ ኖልዎ ካብ ዝርከብዎ ሃገረ ማልታ ኣብ ዘቅረብዎ ጉባኤ ጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔር ‘እዛ ብውግእ ትሕመስ ዘላ ምብራቃዊት ሃገር ኤውሮጳ ከም ብሓዲስ ትራጀዲ ሰብኣውነት ይራኣያ ኣሎ። ፍቁራት ክርስቶስ ዝኾኑ መንእሰያት መንእሰያት ንኣቦሓጎታቶምን እኖሓጎታቶምን ከይርስዑ ከማኡ እውን ብፍቅሪ ምውፋይ ሓራ ከምዘውጽኦም ከይዝንግዑ’ ኣዘኻኺሮም።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ንሕዝቢ ማልታ ኣብቲ ዝገበርዎ ናይ ክልተ መዓልቲ ሓውጾተ ኖልዎ ንዘርኣይዎ ተቅባል ልባዊ ምስጋና ኣቅሪቦም። ኣብ ዝርዝር ምስጋናኦም ንሰበሥልጣን እታ ሃገርን ንውሉደ ክህነትን ንኩሎም እቲ ሓውጾተ ኖልዎ ዕውት ክኸውን ዝተኻእሎም ዘበርከቱ ከምዚ እንክብሉ ዘኪሮም።

“ንክቡር ፕረሲደንት ሪፓብሊክን ሰብሥልጣንን ልዑል ምስጋናይ እንከቅርብ ነሕዋተይ ኣቡናትን ክቡራት ካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ንኩሎም ዜጋታትን ምእመናንን ማልታን ጎዞን ስለእቲ ተቅባልኩምን ዘርኣኹምኒ ፍቅርን ኣመስግን። ነቶም እዚ ሓውጾተ ኖልዎ ዕውት ክኸውን ዝጸዓሩን እንከመስግን ፍሉይ ልባዊ ሰላምታ ከኣ ነቶም ኣብዘን ክልተ መዓልቲ ዝረኸብክዎም ንኣባላት ዝተፈላላያ ኣብያተክርስትያንን እምነትን አወፊ ኢሎም።”

ናብ እግዚእትነ ማርያም ስለሰላም ዝቀረበ ጸሎት!

ቅዱስነቶም ሽሕ’ኳ ብኣካል ኣብ ሃገረ ማልታ እንተተረኽቡ ሃሞምን ቀልቦምን ግን ኣብታ ብውግእ ትሕመስ ዘላ ሃገረ ኡክራያና ምዃኑ ብምግላጽ ስለ ሰላም ካብ ምጽላይ ከይንስልቹ ሓደራ ብማለት ነዛ መራኸሲት ዝኾነትን ምኽንያት ብዙሕ ስቃይ ዝኾነትን ውግእ ጐይታ ደው ከብሎን ነቶም ዝሳቅዩ ክሕግዝን ንክንጽሊ ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኺሮም።

“ጐይታ የሰኒኹም ድንግል ማርያም ከኣ ትሓሉኹም። ሕጂ ነቱ ብውግእ ትሕመስ ዘላን ዝናም ቦምባታት ዝወርዳ ዘላን ሃገረ ኡክራና ኣብ ዘላ ሃገረ ኡክራይና ዝርከብ ሰብኣዊ ትራጀዲ እናሕሰብና ሰላም ክተውህበና ንለምና፣ ስለሰላም ካብ ምጽላይን ንዝሳቀዩ ካብ ምሕጋዝን ኣይንሰልቹ። ሰላም ምሳኻትኩም ይኹን ኢሎም።”

ንኢየሱስ ምፍቃር!

ቅዱስነቶም ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ካቶሊካዊ ታሪኽ ሃገረ ማልታ ቀዳማይ ቅዱስ ዝተባህለ ቅዱስ ጆርጅዮ ፕረካ ብምዝካር እምነት ብቀጻሊ ክትዓቢ ክትሕይልን ከምዝደልያ እዚ ከኣ በቲ ከማኡ ንምግባር  ዝተዋህበካ ጸጋን ታሕጓስን ከምዝግበር ከምዚ ክብሉ ኣዛኻኺሮም።

“ኣብዛ ደሴት እዚኣ ሠናይ መዓዛ ሕዝበ እግዚአብሔር ይስማዕ። እምነት ብታሕጓስ ከም እትዓብን ብወፈያ ከምእትሕይልን እናዘከርኩም ብኣኡ ገስግሱ። ኣብታ ሰንሰለት ብዙሓት ቅዱሳንን ቅዱሳትን ሃገረ ማልታ እትመንጩ ኣገባብ ማለት ወፈያ ገዛእ ርእስኻ ንእግዚአብሔርን ንብጾትን ጽንዑ። ቅድሚ 15 ዓመት ቅድስናኡ ንዝተኣወጀ ዳን ጎርግ ፕርካ እዝክር። ኣብ መወዳእታ ንመንእሰያት ንመጻኢኦም ብዝምልከት ሓንቲ ቃል ክብሎ እደሊ። ዝኸበርኩም ኣዕሩኽተይ ዝመቀረት ክፍሊ ሕይወት ከካፍለኩም እደሊ። ኣየንቲ ምዃን ትፈልጡዶ! ሕይወትካ ስለእታ ሓራ እትገብር ፍቅሪ ምውፋይ ዝህቦ ታሕጓስ እያ። እዛ ሓጎስ እዚኣ ከኣ ስም ኣለዋ! ኢየሱስ ይበሃል። ንኢየሱስ ብምፍቃር ንዝርከብ ታሕጓስ ክተስተማቅሩ እምነየልኩም! እዚ ከኣ ነቲ ሕይወትኩም ዘፍቅርን ፈጺሙ ዘይጠልምን ብኣኹም ዝኣምንን ምሳኻትኩም ዝሓልምን ናይ ምሕረት ኣምላኽ እዩ። ሱርመሰረትኩም ኣይትረስዑ። ምስ ሽማግለታትኩም ኣዕልሉ ምስ ኣቦሓጎታትኩም እኖሓጎታትኩምን ተዘራረቡ ኢሎም።”

ብድምጺ ንምክትታል!
04 Apr 2022, 17:33