መወዳእታ ኣልቦ ገጽ መለኮታዊ ምሕረት እግዚኣብሔር ንኩሎም ኣርእዩ! ር.ሊ.ጳ ንልኡካን ምሕረት
ዜና ቫቲካን!
ነቲ ዓመት መጸ ኣብ ዳግማይ ትንሣኤ ዝበዓለ ሰንበት መለኮታዊ ምሕረት ምስ ር.ሊ.ጳ ንምብዓል ካብ ኩሉ ኲርናዓት ዓለም ዝተጋብኡ ካህናት ድሕሪ እቲ በዓል ምስ ቅዱስነቶም ፍሉይ ርክብ ኣብ ኣደራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ከምዘካየዱ እንክምልከት፤ ቅዱስነቶም ብመሠረት እቲ ንትሽ ዓተ ዓመት ምስ መመላእታ ዝተሰርሓሉ ሕዳሴ ምምሕዳር ዋና ቤትጽሕፈት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ፕረዲካተ ኢቫንጀልዩም ወንጌል ስበኹ ብዝብል ሓዋርያዊ ቅዋም ኩሉ ተልእኮ ቤተክርስትያን ናብ ስብከተ ወንጌል ከድህብ ንዝ ኣወጅዎ ሓዲስ ሕጊ ብምጥቃስ ል ኡካን መለኮታዊ ምሕረት ዝኾኑ ካህናት እውን ምስ ምምሕዳር ዋና ቤትጽሕፈት ቅድስት መንበር ከምዝጽብጸቡን ካብ ሕጂ ንደሓር ናብ ስብከተወጊጌል ክዋፈሩ ብቀንዱ ከኣ ኣብዚ ዓመት ዓመት ዝገብርዎ ሕዳሴ ተልእኮ መለኮታዊ ምሕረት ኣምላኽ ቀንዲ መጋበሪ ምሕረ ኣምላኽ ከምዝገብሮም ገሊጾምሎም።
እዚ ቅድሚ ሽድሽተ ዓመት ንሓገዝ ኢዮቤል ዓመት ምሕረት ዝቆመ ጉጅለ ካህናት ኣብ ጽፍሒ ላዕለዋይ ምምሕዳር ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብምጽንባሩ ከምቲ ሓዲሽ ሕጊ ምሕደራ ፕረዲካተ ኤቫንጀልዩም ዝብሎ ኣብ መላእ ዓለም ዘለው ጳጳሳት ነዚ ማሕበር ኣባላት ዝኾኑ ካህናት ከምርጹ እቲኦም ዝምረጹ ካህናት ከኣ ‘ቅዱሳን ምሕረት ዘዘውትሩ ይቅረ ክብሉ ወት ሩስንድዋት ክኾኑ በዚ ከኣ ምሉእ ግዜኦም ኣብ ተልእኮ ምሕረት ይጽመዱ ኢሎም።
ከምዝዝከር ናይዞም ካህናት እዚኦም ተልእኮ ነቲ ሕገ ቆነና ንር.ሊ.ጳ ጥራይ ሓዚእዎም ንዝነበረ ሓጢኣትን ፍሉይ ብያኔ ዘድልዮም ጒዳያትን ኣብ ምሥጢረ ንስሓ ምዕዳል ቅዱስነቶም ንሓንቲ ዓመት ነዞም ሰባት እዚኦም ብምብያን ዝጀመርዎ ኣብ ምዝዛም ኢዮቤል ዓመት ምሕረት ከምዘለዎ ክቅጽል ወሲኖምሲ እነሆ ኣብ ሓሙሻይ ዓመቱ ከኣ ኣብ ቅርጺ ተቊዋም ኩርያ ሮማና ብምጽንባር የማናይ ኢዶም ኰይኖም ኣብ ስብከተ ወንጌል ክዋፈሩ ኣዚዞም።
ቅዱስነቶም ኣብ ዝሃብዎ ኣስተምህሮ ከም መበገሲ ኣስተንትኖኦም ካብ መጽሓፈ ሩት ዝተወስደ ዓታ ካብ ዓሌት ሞኣባውያን ዝኾነት ሩት እስራኤላዊ በዓልቢቤታ ምስ ሞት ንሓማታ ንእማን ካብኣ ከምዘይትፍለ ብማሕላ ኣረጋጊጻ፤ ኣብ መንጎ ዘይሕዝባን ዘይዓለታን ብዓቢ ትሕትና ኣብቲ ዝነበረን ድኽነት ንሓማታ ብምግልጋላ ኣብ መወዳእታ ናብ ቦኤዝ ናይ ኢየሩሳሌም ብምምርዓው ኣደ ዓባይ ናይቲ ዓቢ ንጉሥ እስራኤል ዝኾነ ዳዊት ኮነት፤ በዚ ከኣ ምልእቲ ኣባል ሕዝበ እስራኤል ኮነት፤ ካብዛ ሰብ እዚኣ ልኡካነ ምሕረት ክመሃርዎ ዘለዎ ጅግነንት ዝዓሰሎ ፍቅሪ ተኣማንነት ልግስን ኣብ ኣገልግሎቶም ምሕረት ምልባስን ምዃኑ እውን ገሊጾምሎም።ብቀንዱ ከኣ ኣምላኽ ብሩት ገቢሩ ንሓማታ ምዝራቡ ክዝክሩ ሓደራ ኢሎምዎም።
ኣምላኽ ብሩት መልእኽቱ የመሓላልፍ!
ቅዱስነቶም ኣብ መጽሓፍ ሩት ዘሎ ታሪኽ ሩትን ሓማታን ዝገልጾ ጉዳይ እንተሎ እግዚኣብሔር ኪዛረብ እንከሎ ብቀጥታ ከምዘይዛረብን ምናዳ ኣብ ጉዳይ ሩትን ሓማታን ብትሑታት ተግባራት ርሕራሔ ሩት ገቢሩ እግዚኣብሔር ከምዝዛረብ ምናዳ ኣብቲ ጽንኩር ዝኾነ ጒዕዞ ሕይወት ፍቅሩ ዝገልጸሉ መንገዲ ከምዘለዎ የብርህ ኢሎም፤ ንሕና እውን ምናዳ ከም ልኡካን ምሕረቱ ነቲ መወዳእታ ዘይብሉ ምሕረቱ ዝገልጽ ገጽታ እግዚኣብሔር ድምሺ ክንህብ፤ እግዚኣብሔር ወትሩ በቶም ትሑታት ድምጾም ዘይስማዕ ሰባት ገቢሩ ከምዝሰርሕ ተረዲእና ኣብ ምሥጢረ ንስሓ ምሕረቱ ክን ዕድል እንከሎና ናቱ እምበር ናትና ከምዘይኮነ ክንግንዘብ የድሊ፤ ምሕረት እግዚኣብሔር ኣብ ኢድ ዘናዝዙ ካህናት ኣይኮነን ኢሎም።
ምሕረት እግዚኣብሔር ኣብ ጁባና ኣይኮነን!
ቅዱስነቶም ነዞም ዓደልቲ ምሕረት እግዚኣብሔር ክኾኑ ዝመደብዎም ካህናት ደጋጊሞም ሓደራ ዝበልዋ ካብ ዝኾነ ቅድመ ፍርዲ ነጻ ክኾኑ ነቶም ምሕረት ደልዮም ዝመጹ ሰባት ብምልኣት ክርድእዎም እምበር ከምዚ ይኸውን ካብ ዝብል ፍርቂ ፍርቂ ኣተሓሳስባ ሓራ ክኾኑ ኣዘኻኺሮም፤ ኩልና ሓጢኣተኛታት ምዃና ብምዝካር ወትሩ ምሕረት እግዚኣብሔር ንምልማን ክንንብርከኽ ከምዘሎና ከይዝንግዑ ሓደራ ኢሎም።
ብዙሕ ግዜ መምርሒ ዝኸውን ጽሑፋት ከምዘሎ ዝዝከሩ ቅዱስነቶም እዚ ግን ምሕረት ኣምላኽ ኣብ ጁባኻ ከምዘሎ ሓሲብካ ንሰብ ካብ ምክልባት ምጥንቃቅ ከምዘድልን ነቲ እግዚኣብሔር ዚዓደሎም ተልእኮ ምሕረቱ ከምቲ ኣምላኽ ብልግሲ ዝሃቦም ንሶም እውን ለጋሳት ክኾኑ ከመይ ከምቲ ኣምላኽ ልቢ ሰብ ዝጥምት ንሶም እውን እንተደኣ እቲ ተነሣሒ ናብቢቤት ኣቦኡ ክምለስ ሃረር ዝብል ምንኑ ምስ ተገንዘቡ ወትሩ ብዘይነግፈረግ መሓርቲ ክኾኑ ሓደራ ብማለት ልኡኽ ምሕረት ዘበለ ኩሉ ምሕረት እግዚኣሒሔር ከርሒ ስንድው ክኸውን ከም ሩት ነቶም በይኖም ዝተረፉን ዝሓዘኑን ከጸናንዑ ኣብነት ዝኸውንዎም ኣብ ኣርጀንቲና እንከለው ነዊሕ ዓመታት ዘናዘዙ ካህናት ዝብልዋ ዝነበሩ ማለት ኣምላኽ ካብ ምምሓርና ስለዘይደክም ዘናዝዝ ካህን እውን ምሕረት ኣምላኽ ካብ ምዕዳል ፈጺሙ ክደክም የብሉን እንክብሉ ቃሎም ሃቡ።