ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ መዓልታዊ ቅልውላው ናይቲ ዝተንስአ ኣቝሳል ንትንክፍ

ኣብዚ ዝቕጽል እዋን ኣብ ድኻምነትና ንኢየሱስ ክንደልዩ ናብኡ ኽንምለስ ናብቲ ዘሕውየና ኣቝሳሉ ንኸነብል ንመባጻዕ። በዚ ከምዚ ጥራሕ እዩ ሰጋእ መጋእ ከይበልና ብዘይ ቅድመ ፍርዲ ንቝስሊ ካልኦት ብምቕራብ ተኻፋሊ ስቓዮም ብምዃን ርህራሄ ከነርኢ እንኽእል

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 24 ሚያዝያ ሰንበት ድሕሪ በዓለ ትንሳኤ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን መለኰታዊ ምሕረት ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለተ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ፡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝተረኽብሉ ካብ ሓዋርያዊ መስኰት ኮይኖም፥ እቲ ሞት ዝሰዓረ ኢየሱስ ፍርህናን ምጥርጣራትናን የወግድ፡ ኢየሱስ ኣብ መዓልታዊ ስቓይን ቅልውላውን ናይቲ ዝተንስኤ ኣቝሳል ዝትክፉ እምበር ፍጹማን ክርትያን ኣይኮነን ዝደሊ” ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ኣስተንትኖ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ከም ዝለገሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዛ መለኰታዊ ምሕረት ኣብ እነብዕለላ ሰንበት፡ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ብጠቕላላ ልዕሊ ኣርብዓ ሺሕ ምእመናን ኣብ ዝተረኽብሉ ጉባኤ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፥ ናይ ዕለቱ ወንጌል ኢየሱስ ድሕሪ ትንሳኤኡ ክልተ ሳዕ ንደቅ መዛሙርቱ ከም እተገልጸን ሰላም ምሳኻኵም ይዅን ከም ዝበሎምን ኣዘኻኪሮም፡ ብፍላይ ኣብ ገጸ ባህርይ ቅዱስ ቶማስ ከነተኵር ከም ዝዓደሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቶማስ፥ ከም ሓደ ከባና

ኢየሱስ ድሕሪ ትንሳኤኡ ንደቀ መዛሙርቱ ኪግለጽ እንከሎ ቶማስ ምስኦም ኣይነበረን፥ ኣብታ ድሕሪ ሸሞንተ መዓልቲ ካልኣይቲ ግልጸት ሓቢሩ ምስ ደቀ መዛሙርቲ ከም ዝነበረን ኣብ ትንሳኤኡ ንኽኣምን ኣቝሳል ኢየሱስ ክትንፍክ ከም ዝሓተተን ድሕሪ እዚ ተመክሮ እዚ እውን ጐይታየን ኣምላኸይን እክብል ከም ዝመስከረን ኑዛዜ እምነት ከም ዝገበረን ኣዘኻኺሮም፡ ነፍሲ ወክፍና ከም ቶማስ ኢና፡ ቶማስ ንነፍሲ ወከፍና እዩ ዝውክል። ቶማስ ብምጥርጣርና ክንሓፍር ከም ዘይብልና ኢዩ ዝምህረና፥ “ጐይታ ፈጺሙ ምጥርጣር ዘይብሉ ጽኑዕ እምነት ዘንጸባርቝ ክርስቲያን ኣይኰነን ዚደሊ፥

            ወንጌል ንጸገማት ህይወትን እምነትን ክንፈርህ ከም ዘይብልና ብቶማስ ኣቢሉ ይሕብረና!

ቅዱስነቶም ከም ዝገለጽዎ፡ ኣብ እምነት ዘጋጥም ጥዑይ ቅልውላው ትሕት ከብለና ከምኡ እውን ከምቲ ቶማስ ቍስሊ ኢየሱስ ንምትንካፍን ፍቕሩ ከም ብሓድሽ ንምርኣይን ዝገበሮ ንኣምላኽ ከም ዘድልየና ንኽንግንዘብን ወትሩ ንኽንደልዮን ክሕግዘና ይኽእል።

ሓደ ዕቡያት ብቑዓት ኮይኑ ክስምዓና ዝገብር ትዕቢተይና እምነት ካብ ዝህለወና ወትሩ ዘይፍጹምን ትሑትን ናብ ኢየሱስ ንኽምለስ ዝድርኸና ትሕቱ እምነት ክህልወና እዚዩ ዝሓሸን ብሉጽን እዩ!

ኢየሱስ ፈጺሙ ኣይሕለልን

ኢየሱስ ድሕሪ ሸሞንተ መዓልቲ ንደቀ መዛሙርቱ ንካልኣይ ግዜ ክግለጽ እንከሎ፡ ጐይታ ብሰንኪ ጥርጠራናን ድኽመትናን ከም ዘይሕለል እዩ ዘረጋግጸልና፡ መዓጹ ምስ ተዓጽወ እውን ከይተረፈ ጐይታ ንፍርህናን ምጥርጣርናን ንምውጋድ ክሕግዘና ናባና ይመጽእ ቝስሊ ክንርኢ ድማ ይፈቕደልና፡ እዚ ከኣ “ንድኽመታትና ዘቃልዖ ምልክት ፍቕሩ እዩ”፥

ነቲ ዝተንስኤ ኢየሱስ ምድላይ

ነቲ ድኻምን ቅልውላውን ዝመልኦ እዋን ምእንቲ ክንሰግሮ፥ “እቲ ዝተስአ ኢየሱስ ምሳና ኽነብር እዩ ዚደሊ” ዝብል መረጋገጺ ክንረክብ የድልየና። ከምኡ እውን ከም ቶማስ ዝኣመሰለ ጥርጣረታትና ወይ ዘይምእማንና ንኽንገልጸሉ ጥራይ እዩ ዚጽበየና፡ በዚ ከምዚ ድማ ነቲ ዅሉ ምጥርጣራትናን ብትዕግስትን ምሕረትን ፍቕሩን ንኽንሰግሮ ክሕግዘና ይኽእል።

ኣብዚ ዝቕጽል እዋን ኣብ ድኻምነትና ንኢየሱስ ክንደልዩ ናብኡ ኽንምለስ ናብቲ ዘሕውየና ኣቝሳሉ ንኸነብል ንመባጻዕ። በዚ ከምዚ ጥራሕ እዩ ሰጋእ መጋእ ከይበልና ብዘይ ቅድመ ፍርዲ ንቝስሊ ካልኦት ብምቕራብ ተኻፋሊ ስቓዮም ብምዃን ርህራሄ ከነርኢ እንኽእል

ዝበሉ ቅዱስነቶም፡ እታ ኣደ ምሕረት ዝኹነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም፡ ብእምነትን ብፍቕርን ኣብ እንገብሮ ጒዕዞ ምሳና ክትጓዓዝ ንጸልይ ቢሎም፥ ምስ ኵሎም መንፈሳውያን ነጋዶ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ መሪሖም ብሓባር ደጊሞም ምስ ኣብቅዑ ሓዋርያዊ ቡራኬ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

25 Apr 2022, 16:57